መንግስቲ ዕድመ ስልጣኑ ባዕሉ ካብ ወሰነ፡ ኢትዮጵያ ናበይ ኢያ ክተምርሕ?

ባይቶ ክልል ትግራይ ሰነ 12/2020፡ ክልላዊን ከባብያውን መረፃ ከም ዘካይድ ብዕሊ ኣዊጁ።
ብኣንፃሩ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ድማ ትማሊ ሰነ 24/2020 ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ንውሳነ ባይቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ከም ዘይቕበሎ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እቲ ቦርድ ኣብቲ ዘውፀኦ መግለጺ፡ "ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ መረፃ ዘፈፅመሉ ሕጋዊ መሰረት የለን" ብምባል እዩ ተቓዊምዎ።
ካብዚ ብምብጋስ እውን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ መረፃ ንምክያድ ዝሓተቶ ሓይሊ ሰብ፣ ነቲ መረፃ መፈጸሚ ዝኸውን 'ሎጂስቲክስን' ንብረትን ክህብ ዘኽእሎ ሕጋዊ ኣገባብ ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኢትዮጵያ እንታይ ዓይነት ቅርፀ መንግስቲ ትኽተል?
ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብቶም ባይቶኣዊ ቅርፀ መንግስቲ ዝተቐበሉ ሃገራት ኢያ።
ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሰልፍታት ፖለቲካ ኣብ መረፃ ይናሓንሑ እሞ እቲ ኣብቲ ባይቶ ዝበዘሐ መናብር ዝሰዓረ፡ ዙፋን ስልጣን መንግስቲ ይውንን።
እቲ ሰልፊ ብቑዕ እዩ ኢሉ ዝሓረዮ ውልቀሰብ ከኣ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኰይኑ ይምዘዝ። መረፃ ድማ በብሓሙሽተ ዓመታት ይካየድ።
ኣብ ስልጣን ዝፀነሐ ፖለቲካዊ ሰልፊ ሓሙሽተ ዓመቱ ምስ መልአ ስልጣኑ የብቅዕ።
እቲ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ፡ ናብ ስልጣን ካብ ዝድይብ፡ ዝመፅእ ዘሎ ወርሒ መስከረም ደፍደፍ ሓሙሽተ ዓመታት ይመልእ'ሎ።
ኰይኑ ግና ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ስዒቡ ዝመጽአ ምዝራግ ሰላምን፡ መረፃ ኣብቲ ብልሙድ ዝካየደሉ ወርሒ ግንቦት ከም ዘይካየድ የግድስ ናብ ወርሒ ነሓሰ ከምዝተናወሐ ብዕሊ ተገሊፁ ነይሩ።
ብኻልእ ገፅ ድማ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ መላእ ዓለም ምስ ተረኣየ፡ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡ መረፃ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ንምክያድ ከምዝፅገም ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣፍሊጡ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ እቲ መረፃ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ከም ዘይካየድ ብዕሊ ኣመነ። መዓዝ ደኣ እዩ ክካየድ ዝብል ግን ኣይተመለሰን ነይሩ።
ብድሕሪኡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ወጥሪ ናብ ወጥሪ ሰጊሩ ኣብ ቀራን መንገዲ ደው በለ።
ዝተወሰኑ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ናብ ኣኼባ ፀዊዑ ድማ ኣርብዓተ ኣማራፂታት ኣለዋኒ እሞ ኣየነዎት የዋፅኣኒ እስቲ ኣማኽሩኒ በለ።
ኰይኑ ግና ኣብቲ ኣኼባ ክርከቡ ዝነበሮም ፖለቲካዊ ሰልፍታት፣ወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ፣ምሁራንን ካልኦት ቅርበት ዘለዎም ሓይልታት ብምልኡነት ክርከቡ ብዘይምኽኣሎም ብዙሓት ነቒፎም እዮም።
ንግዚኡ ስሙ ምግላፅ ክፀንሐሉ ዝመረፀ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ላዕለዋይ ምሁር ሕጊ፡ እተን ኣርብዓተ ኣማራፅታት ብዓይኒ ሕገ መብግስቲ ኢትዮጵያ ኣንተርቲሩ ይግምግም።

ሕገ መንግስቲ መዓዝን ስለምንታይን ይመሓየሽ?
"ሕገ መንግስቲ ዝጐደሎ ነገር ንምምሕያሽ እምበር ንዘይተመረፀ ፖለቲካዊ ሰልፊ(ውድብ) ናብ ስልጣን ክተምፅእ ኣይመሓየሽን።
ምምሕያሽን ምብልሻውን በበይኑ እዩ" ብምባል ሕገ መንግስቲ ብሃበተረኽበ እንተይኰነስ ሕፅረታት ንምምላእ ከምዝመሓየሽ ይገልፅ።
እቲ ሳልሳይ ኣማራፂ፡ እዋን ህፁፅ ኣዋጅ ምእዋጅ ዝብል እዩ። ብመንፅር ምሁራዊ ትንታነ እቲ በዓል ሞያ፡ ስልጣን ንምንዋሕ እዋን ህፁፅ ኣዋጅ ኣይእወጅን።
ኣብ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዋን ህፁፅ ግዜ መዓዝን ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታትን ይእወጅ ዝብል ንፁር እዩ።
እቲ ራብዓይ ኣማራፂ፡ ሕገ መንግስቲ ምትርጓም ዝብል እዩ። ኣብ ሕጊ ዝትርጐም እንተሃልዩ ጥራይ እዩ ዝትርጐም።
"ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ሓሙሽተ ዓመታት ጥራይ እዩ ዘበነ ስልጣንካ ዝብል ዓንቀፅ ግልፂ ስለዝዀነ ኣይትርጐምን" እንትብል የብርህ።
ኰይኑ ግና መንግስቲ ኢትዮጵያ እታ ዝሓሸት መፍትሒ እዛ ሕገ መንግስቲ ምትርጓም ክትከውን ኣለዋ ዝብል እዩ ከም ኣማራፂ ወሲዱ።
ባይቶ ፈደረሽን እንታይ እዩ ስልጣኑ?
ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰለ ባይቶኣዊ ቅርፀ መንግስቲ ዘተግብራ ሃገራት ክልተ ባይቶታት ይህልወን።
እቲ ሓደ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኰይኑ፡ እቲ ባይቶ ኣብታ ሃገር ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ መንግስታዊ ኣካል ኰይኑ፡ ሕጊ ዘጽድቕ እዩ።
ኩሎም ሕግታት እታ ሃገር በዚ ባይቶ ኣቢሎም እንተዘይሓሊፎም፡ ፀዲቖም ግብራዊ ክዀኑ ኣይኽእሉን።
እቲ ካልኣይ ባይቶ ፈደረሽን ይበሃል። እዚ ባይቶ ምስ ርእሰ ውሳነ ዝተሓሓዙ ጉዳያት ይርኢ።
እቲ ዝዓበየ ስልጣኑ ድማ ሕገ መንግስቲ ይትርጉም።
እዚ ማለት እቲ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝጸደቐ ሕጊ ምስ ሕገ መንግስቲ ዝራፀም እንተዀይኑ፤ ወይ ከኣ ውሳነ መንግስቲ ወይ ድማ ልማዳዊ ኣሰራርሓ ሕዚ'ውን ምስ ሕገ መንግስቲ ዝቃረን እንተዀይኑ ብጉባኤ ኣፃራዪ ሕገ መንግስቲ ቀሪብሉ ዕልባትን ውሳነን ይህብ።
እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ሕገ መንግስቲ ምትርጓም ከም መፍትሒ ተወሲዱ ጉባኤ ኣፃራዪ ሕገ መንግስቲ፡ መፍትሒ ከናዲ እዩ ተኣዚዙ።
እቲ ጉባኤ ኣፃራዪ ሕገ መንግስቲ፡ ሞያዊ ሓገዝ እዩ ዝህብ እምበር ኣይውስንን። ኣፃርዩ ንውሳነ ንባይቶ ፈደረሽን የቕርብ። ባይቶ ፈደረሽን ድማ ይውስን።
ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዋን መረፃ ይናዋሕ ዶስ ኣይፋሉን? ዝብል ውሳነ ንምሃብ፡ ኣፃራዪ ጉብኤ ሕገ መንግስቲ ኣብ ውሽጢን ካብ ሃገር ወፃኢን ዝርከቡ ምሁራት ሕጊ ርእይቶኦም ክልእኹ ዕድል ሂቡ ነይሩ።
ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ምርቃቑ ክሳብ ምጽዳቑ ኣብ ዝነበሮ መስርሕ ዝተሳተፉ፡ ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ላዕለዋይ ምሁር ሕጊ ፕሮፌሰር እንድርያስ እሸቴ፡ ናብቲ ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ብስካይፕ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ኣትዮም ሓሳቦም ሂቦም።
"መንግስቲ፡ ዕድመ ስልጣኑ ባዕሉ ክውስን ኣይኽእልን፤ብፍላይ ከኣ እቲ ሕገ መንግስቲ ናይ ምትርጓም ሕጋዊ ስልጣን ዝተወሃቦ ባይቶ ፈደረሽን፡ዘበነ ስልጣኑ የብቅዕ ስለዘሎ፡ ኩሎም ኣባላት ድማ ኣባላት ሓደ ገዛኢ ሰልፊ(ውድብ)ስለዝዀኑ፡ነፃ ኰይኑ ሕገ መንግስቲ ክትርጉም ይኽእል እዩ ኢልና ክንፅበ የብልናን።" ብምባል ተዛሪቦም።
ኣብ መወዳእታ ገፅ ስልጣን ንጉስ ሃይለስላሴ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘጓነፈ ከቢድ ሓደጋ ድርቅን ጥምየትን ናፃ መረፃን ናፃ ጋዜጠኝነትን ብዘይምንባሩ እቲ ሓደጋ ዝያዳ ክኸፍእ ከምዝኸኣለ ምሁራት ዘካየድዎ መፅናዕቲ ይነግረና ዝበሉ ፕሮፌሰር እንድርያስ፡ ሕዚ'ውን ለበዳ ኮርናቫይረስ ስለዘሎ ናፃ መረፃን ናፃ ጋዜጠኝነትን የድልየና እዩ ኢሎም።
"ርእሲ ኩሎም ሕግታት እታ ሃገር ዝዀነ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዓርሰ ምሕደራ ህዝብታት እሞ ድማ ክሳብ ምግንፃል ዝፈቅድ ካብ ካልኦት ሕገ መንግስታት ዝተፈለየ እዩ" ኢሎም።
ስለ'ዚ ኣመዛዚንካ እዩ ክረአ ዘለዎ ይብሉ።
ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ መረፃ ምክያድ ኣፀጋሚ ምዃኑ ከምዘለዎ ኰይኑ፡ መረፃ እንተዘይተኻይዱ ድማ ኣብ ስልጣን ምፅናሕ ካልእ ፀገም ምዃኑ ክእመነሉ ይግባእ።
"ዓንቀፅ ብዓንቀፅ ካብ ምትርጓም፡ ድምር መንፈስ እቲ ሕገ መንግስቲ ምርኣይ የድሊ። በቲ ሕዚ ዘለና ፍልጠት፡ እቲ ለበዳ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ ዓመታት ኣይግታእን። እቲ ለበዳ ክሳብ ዘይጠፍአ መረፃ ኣይነካይድን እንተተባሂሉ ድማ ብዘይ ተመረፀ መንግስቲ ምምሕዳር ኣይካኣልን። ንነዊሕ እሞ ድማ ንዘይተወሰነ ግዜ፡ባዕሉ መንግስቲ ብዝውስኖ ግዜ፡ ኣብ ስልጣን ምፅናሕ ከቢድ እዩ። መንግስቲ ናይ ባዕሉ ዕድመ ስልጣን ክውስን ኣይኽእልን ዝብል ሕገ መንግስታዊ መትከል ክጠሓስ የብሉን፤ ብግድን መፍትሒ ክረክብ ኣለዎ" ብምባል ተዛሪቦም።
ጉባኤ ኣፃራዪ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ የገድሰና እዩ እትብሉ ብፍላይ ምስ ሕጊ ዝተዛመደ ፍልጠትን ልምድን ዘለኩም ውልቀሰባት ወይ ድማ ትካላት ኣብ ምትርጓም ሕገ መንግስቲ ዘለኩም ርእይቶ ፀሓፉልና ዝብል ፃውዒት ምስ ቀረበ፡ ሓሙሽተ ምሁራት ሕጊ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብመልክዕ ውዳበ መርገፆም ገሊፆም።
እቲ መርገፅ ብስም መምህር ገብረመስቀል ሃይሉ ኣቢሉ ድማ ተላኢኹ።
መርገፅ እቶም ምሁራት ግዜ መረፃ ብፍፁም ክናዋሕ የብሉን ይብል።
ጉባኤ ኣፃራዪ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሕገ መንግስቲ ናይ ምትርጓም ስልጣን የብሉን ዝብል ፅኑዕ መርገፅ ከምዘለዎም መምህር ገብረመስቀል ይዛረቡ።
ጉባኤ ኣፃራዪ፡ ምስ ሕገ መንግስቲ ዝቃረን ሕጊ፣ መንግስታዊ ውሳነ ወይ ድማ ልማዳዊ ኣካይዳ ኣጓኒፉ እሞ ድማ ክትዕ እንተተኻይዱ፡ ኣፃርዩ ንውሳነ ናብ ባይቶ ፈደረሽን ዘቕርብ ሕጋዊ ኣካል እዩ።
"ኣብ ኢትዮጵያ እዋን መረፃ ክናዋሕ ኣለዎ ዶስ የብሉን ዝብል ክትዕ ኣብ መንጎ ክልተ ኣካላት ኣይተልዓለን። ባይቶ ፈደረሽን እቲ ጉዳይ ሕገ መንግስታዊ መፍትሒ ስለዘይብሉ መፍትሒ ሃቡና ኢሉ እዩ ናብ ጉባኤ ኣፃራዪ መሪሕዎ፤ እዚ ድማ ስልጣኑ ስለዘይኰነ ክነፀጎ ነይርዎ። ስልጣነይ እዩ ኢሉ እንተተቐቢልዎ ድማ ዋላ ናይ ምርኣይ ስልጣን ይሃልዎ ዝብል መካትዒ ይቕረብ፡ ግልፂ ስለዝዀነ ዝትርጐም የብሉን ኢሉ ክሓልፎ ነይርዎ። ብመሰረት ዓንቀፃት 54፣58፣93 እቲ ሕገ መንግስቲ ክፍተት ከምዘይብሉ የርእየና እዩ" ብምባል ክትዕ እቶም ምሁራት የቕርብ።
ጉባኤ ኣፃራዪ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ስልጣን ካብ መረፃ ወፃኢ ዝናወሐሉ ምኽንያት ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ኣይተቐመጠን ዝብል መካትዒ ሓሳብ ሒዙ ከምዝቐረበ ይፍለጥ።
"ኮሮና ዝብል ቃል ወላ ኣይሃሉ እምበር፡ ኣብ ዓንቀፅ 93 እዋን ህፁፅ ኣዋጅ ዝእወጀሎም መበገሲታት ተቐሚጡ እዩ። ካልእስ ይትረፍ ወላ እውን እቲ ኣዋጅ ይተኣወጅ፡ ስልጣን ካብ መረፃ ወፃኢ ምንዋሕ ኣይከኣልን ዝብል ኣብ ዓንቀፅ 9 ንኡስ ዓንቀፅ 3 ብዘይ መፈናፈኒ ተቐሚጡ እዩ" ይብል መምህር ገብረመስቀል።
ኣህጉራዊ ልምድን ተመኩሮን፡ ሕገ መንግስቲ ከምዘይጠሓስ እዩ ዘርእየና ዝብል እቲ ምሁር፡ ሕገ መንግስቲ ስልጣን ክግደብ እምበር ክናዋሕ ኣይፈቅድን፤ መንግስታት ስልጣን ክናዋሕ ስለዝደልዩ፡ ነዚ ንምዕፃው እዩ ሕገ መንግስቲ ዘድሊ ብምባል መካትዒ ሓሳቡ ይድምድም።
እቲ ካልእ በዓል መምህር ገብረመስቀል ዘቕርብዎ ሓሳብ ድማ፡ ኣብቲ ጉባኤ ኣፃራዪ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረብዎ ዘተ፡ እዋን መረፃ ክናዋሕ ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ናይ ዘለዎም ሰባት መርገፅ ጥራይ እምበር ግዜ መረፃ ክናዋሕ ኣይግባእን ዝብል መርገፅ ናይዘለና ሰባት ሓሳብ ንዘተ ኣይቀረበን።
ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝነብሩ ሰብ ሞያ ሕጊ ተወለድቲ ኦሮሞ ዝቐረበ ርእይቶ ናብ ዘተ ከምዘየቀረበ ይዛረቡ።
ህዝቢ ክልቲኡ መርገፅ ቀሪብሉ እንተዝሰምዕ ፅቡቕ ምዀነ ዝብል እምነት ኣለዎም።
ካልእ ንበዓል መምህር ገብረመስቀል፡ ሕገ መመንግስቲ ተረጊፁ እዩ ዝብል ጉዳይ እውን ኣሎ።
"ባይቶ ፈደረሽን መረፃ ክናውሕ ኣለዎ ምስ በለ፡ ስልጣን ፈደራል መንግስቲ ጥራይ እንተይኰነስ እንኮላይ ስልጣን ክልላት ብዝምልከት እውን እዩ ወሲኑ። ክልላት ሕቶ ኣየቕረባን። ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪብካ 100 ብር ካሕሳ ሓቲትካ 200 ብር ኣይፍረደልካን። ዘይሓተትካዮ ኣይትወሃብን። ስልጣን ባይቶን ፈፀምቲ ስራሕን ክልላት ብመሰረት ክልላዊ ሕገ መንግስቲ እዩ ዝዳነ። ቅርታ እውን እንተዝቐርብ ኣብ ክልል ናይ ባዕሎም ተርጓሚ ኣለዎም። እዚ ድማ ካልእ ዝተጠሓሰ ሕገ መንግስታዊ መትከል እዩ" ብምባል የብርህ።
ስለ'ዚ ብመሰረት ውሳነ ባይቶ ፈደረሽን ኢትዮጵያ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሓደጋ ዘይምዃኑ ብሰብ ሞያ ምስተረጋገፀ ካብ ትሻዓተ ክሳብ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ እምበር ቅድሚኡ ኣብታ ሃገር መረፃ ከምዘይካየድ ተወሲኑ ኣሎ።
ነቲ ውሳነ ዝቃወሙ ሰብ ሞያ ሕጊ፡ እዚ 'ብላንክ ቼክ' (ናፃ ቼክ) ይበሃል፤ ንሓደ ሰብ ንፁር መጠን ገንዘብ ከየቐመጥካ፡ቼክ ፈሪምካ ሂብካ ካብ ባንክ ቁፅሩ ዘይተወሰነ ገንዘብ ውሰድ ከም ምባል እዩ ዝቑፀር። ባይቶ ፈደረሽን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ከም ቃሕ ዝበሎ ኣብ ስልጣን ክፀንሕ ፈቒድሉ ኣሎ ብምባል ይገልፅዎ።

ካልኦት ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኢትዮጵያ ኸ እንታይ በሉ?
ኣብ 6ይ ዙርያ መረፃ ንምውድዳር ዝተዓጠቑ ብርክት ዝበሉ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ነይሮም። ምስቶም ሓደሽቲ ዝተመዝገቡ ሓዊስካ በዝሖም ናብ ኣማኢት ክብ ኢሉ።
ብድሕሪኡ እቲ መረፃ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘይካየድ እንተደኣዀይኑ ካልእ ኣማራፂ ምጥቃም ከምዝከኣል ሓሳባት ቀሪቦም።
ንኣብነት ጃዋር መሓመድ "ድሕሪ ወርሒ መስከረም ሕጋዊ ስልጣን ዘለዎ ውልቀሰብ ኰነ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣይክህሉን" ዝብል ግልፂ መርገፁ ኣፍሊጡ እዩ።
የግዳስ ካብ ኩሎም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝተወከለ መንግስቲ ስግግር ክዋቐር ከምዘለዎ ደጋጊሙ ገሊፁ እዩ።
ብኣንፃሩ ንሰልፊ ብልጽግና ዝመርሕን ቀዳማይ ሚኒስትር ኰይኑ ዘሎ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ዓሊ፡ ስግግር መንግስቲ ዝበሃል ብሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ዘይብሉን ክምስረት ኣለዎ ተባሂሉ ፍጹም ዘይሕለምን እዩ እንትብል ኣትሪሩ ተቓዊሙ እዩ።
ኣብ መንጎኡ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ ኣብ ትግራይ መረፃ ብግድን ክካየድ እዩ ምስ በለ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ቴለቪዥን ቀሪቡ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጭላፍ መረፃ መረፃ ምክያድ ፈፂሙ ከምዘይካኣል የግዳስ ከካይድ እየ ዝበለ ስጉምቲ ከም ዝውሰዶ፡ ስጉምቲ ንምውሳድ ዘኽእል ኩለመዳይ ምስንዳእ ድማ ምሉእ ዘይጉድል ከምዘሎን ብግልፂ ተዛረብ።
እዚ ዘረባ እዚ ንብዙሓት ከምዘቐየመ ኣብ እዋኑ ብዙሓት ርእይቶ ሂቦምሉ እዮም።
ጃዋር መሓመድ ብሰንኪ እቲ ለበዳ እዋን መረፃ ዝናዋሕ ካብ ኰነ፡ ዘይተመረፀ ሓይሊ ድማ ኣብ ስልጣን ክፀንሕ ስለዘይኽእል፡ ነታ ሃገር መን?
ብኸመይ? ይምራሓያ ኣብ ዝብል ዘተ ክካየድ ፀዊዑ። ብፍላይ ድማ መረፃ ከካይድ እየ ንዝበለ ክልል ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ምባል ሓደገኛን ዘየዋፅእን መንገዲ ከምዝዀነ ብትረት ኣተሓሳሲቡ።
ውሳነ ባይቶ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ
ኣብ መወዳእታ ባይቶ ፌዴሽን ኢትዮጵያ 'ሕገ መንግስቲ ይተርጐም' ኢሉ ንጉባኤ ኣፃራዪ ሕገ መንግስቲ ምስ ኣዘዘን መረፃ ክናዋሕ ኣለዎ ዝብል መደምደምታ ምስ ተወሰነን ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሰልፍታት መርገፂኦም ብግልፂ ኣቕሪቦም እዮም።
ንኣብነት ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኢትዮጵያ ዝቃለስ፡ 'ቦሮ ዴሞክራቲክ ፓርቲ'፡ ባይቶ ፈደረሽን ኢትዮጵያ እዋን መረፃ ንኽናዋሕ ዘሕለፎ ውሳነ ከምዝቃወሞ ኣፍሊጡ እዩ።
ሓላፊ ክፍሊ ፖለቲካ እቲ ሰልፊ ኣይተ ዮሃንስ ተሰማ ምስ ረድዮ ጀርመን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት "መንግስቲ ኣብ ኩሎም ዛዕባታት ንበይኑ ክውስን ኣይግበኦን፤ ናይ ተናሓናሕቲ ሰልፍታት ሓሳብ እውን ክስማዕ ነይርዎ። ስለ'ዚ መረፃ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክካየድ ኣለዎ" ኢሎም።
ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኦነግን(ግንባር ሓርነት ኦሮሞ) ኦፌኮን (ኮንግረስ ፈደራሊስት ኦሮሞ) ምንዋሕ መንግስታዊ ስልጣን ዓመፅ ከባርዕ ይኽእል እዩ ኢሎም።
ክልቲኦም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብሓባር ኣብ ዘውፀእዎ መግለፂ ውሳነ ባይቶ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሕገ መንግስቲ ምጥሓሱ፡ ሰላምን ምርግጋእን እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ከውድቖ እዩ እንትብሉ ኣፍሊጦም።
"ኣብ ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 54(1) ከምኡ እውን 58(3) ብተወሳኺ ኣብ ሕጊ መረፃ ዓንቀፅ 7 መረፃ በብ ሓሙሽተ ዓመት ክካየድ ከምዘለዎ ተደንጊጉ እዩ፤ መረፃ ንምንዋሕ ዘኽእል ኣፍደገ የለን" እንትብሉ ኣብቲ ናይ ሓባር መግለፂኦም ኣነፂሮም ብምቕማጥ ተቓዊምሞ።

ውሳነን መርገፅን መንግስቲ ትግራይ
ኣብ ትግራይ ስልጣን መንግስትነት ሒዙ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ህወሓት ዓመት መመላእታ መረፃ ክካየድ ኣለዎ እንትብል ኣብ ዝተረኸበ መድረኻት ይገልፅ ምንባሩ ይዝከር።
ባዕሉ ህወሓት ንሓሙሸተ ዓመታት ክመርሕ ከምዝተመረፀ ብምግላፅ ድሕሪ ዝመፅእ ዘሎ ወርሒ መስከረም 2013 (መስከረም 2020) ኣብ ስልጣን ዘፅንሕን ህዝቢ ክመርሕ ዘኽእሎን ሕጋዊ መሰረት ከምዘይብሉ ገሊፁ እዩ።
ስለ'ዚ ሃገራዊ መረፃ ብግድን ክካየድ ኣለዎ፤እንተዘይኰይኑ ግና ህዝቢ ትግራይ መሰል ርእሰ ምሕደራ ተጠቒሙ ዝመርሕዎ ክመርፅ ክልላዊ ሕገ መንግስቲ ስለዝፈቕደሉ፡ መረፃ ብግድን ከካይድ እዩ እንትብል ብዕሊ ገሊፁ።
ውሳንኡ ሕጋውነት ክህልዎ እንተዀይኑ ድማ ኣብ ባይቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቀሪቡ ክጸድቕ ነይርዎ።
ብመሰረት'ዚ እቲ ባይቶ ሰነ 12/2020 ህጹጽ ኣኼባ ብምፅዋዕ ነቲ ውሳነ ብምሉእ ድምፂ ኣጽዲቑዎ።
መስርሕ እቲ መረፃ መዓዝን ብኸመይን እዩ ክፍፀም ዝብል ብዙሓት ብሃንቀውታ ዝፅበይዎ ክስተት ይኸውን ኣሎ።
ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ሰለስተ ተቃወምቲ ውድባት፡ ነቲ መረጻ ዘሳልጥ ክልላዊ ቦርድን ንዐኦም ዝሓውስ ሓበራዊ ቤት ምኽሪን ክጣየሱ ሕቶ ኣቕሪቦም ኣለዉ።





![ሃበራዊ ስእሊ ፖለቲከኛታት ኣቶ ልደቱ ኣያሌው [ጸጋም] ከምኡ'ውን ጀዋር መሓመድ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/5EB0/production/_113104242_2a92ba02-eb5d-447a-8ddb-a55eb982ee68.jpg.webp)

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







