ዞባ ወላይታ፡ ክልል ክኸውን ወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, Welaita Zone Admn
ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዝርከብ፡ ዞባ ወላይታ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካይዳ ህጹጽ ኣኼባ፡ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ክምስረት ወሲኑ።
እቲ መግለጺ ከምዝብሎ፡ ቤት ምኽሪ እቲ ዞባ ሕገ መንግስታዊ 'መሰል ዓርሰ ምሕደራ' ተጠቒሙ እቲ ክምስረት ዝወሰኖ ክልል፡ 'ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ወላይታ' ከምዝበሃልን ርእሰ ከተምኡ ኣብ ወላይታ ሰዶ ከምዝኸውንን ኣፍሊጡ።
ድሕሪ ሕዚ ቤት ምኽሪ ክልል ደቡብ ዝኾነ ይኾን ንወላይታ ዝትንክፍ ውሳነ ቅድሚ ምውሳኑ፡ ብቤት ምኽሪ እቲ ዞባ ክረአን ክሓልፍን ከምዘለዎ'ውን ጸዊዑ።
ኣብ ልዕሊ'ቲ መሓውር ጸጥታ እቲ ክልል'ውን እምነት ከምዘይብሉ ገሊጹ'ሎ። ብዘይካ'ዚ፡ ነቲ ውሳነ ሕጋዊ መልክዕ ዘትሕዝን ዘተግብርን ቤት ጽሕፈት ሴክሬታርያት ከጣየሽ ወሲኑ።
ተወልቲ ህዝቢ ወላይታ፡ ኣብ ብዕለት 11/10/2012 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ክልል ደቡብ፡ ከምዘይተረኸቡ ድማ ተፈሊጡ።
ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ደቡብ፡ ጉዳይ ወላይታ ኣጀንዳ ኾይኑ ከይቀርብ፡ ዝተፈላለዩ ዕንቅፋታት ክፈጥር ጸኒሑ ክብል'ውን እዚ ኣማስዩኡ ዝወጽአ መግለጺ ይኸስስ።
በዚ ምኽንያት፡ ነዚ ህጹጽ ጉባኤ ንምክያድ ከምዝተገደደ ገሊጹ።
ዛጊት መንግስቲ ክልል ደቡብ፡ ብዛዕባ'ቲ ውሳነን ክስታትን ዝሃቦ መግለጺ የለን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







