ሓደ ዓመት፡ ስድራቤት ጀነራል ሰዓረን ጀነራል ገዛእን ፍትሒ ኣይረኸብናን ይብሉ'ለዉ

ምንጪ ስእሊ, PMO/ETV
15 ሰነ 2011 ዓም፡ ኣጋግዘ፡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዝነበሩ ዶ/ር ኣምባቸው መኮነን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኣኼባ ዝነበሩ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልል "ዕልዋ መንግስቲ" ንምክያድ ዝዓለመ ጥቕዓት ከምዝተፈጸመ ሓላፊ ፕረስ ሰክረተርያት ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን፡ ኣብ ቴሌቭዥን ተዛሪቡ።
ኣማስዩ ድማ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ካብቲ ናይ ባህርዳር ክስተት ብተወሳኺ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ንምፍሻል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ገዝኡ ኮይኑ ወታሃደራዊ መሪሕነት ይህብ ዝነበረ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮነን መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸሞ ገሊጹ።
ግዳይ እቲ ግፍዒ ግን ጀነራል ሰዓረ በይኑ ኣይነበረን፤ ንስራሕ ናብ ገዝኡ ዝመጽአ ናይ ቃልሲ ብጻዩን መሳርሕቱን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራ 'ውን እምበር፡፡
መጀመርታ ስኒት ዘይብሎም ሓበሬታት ይፍነዉ ዝነበሩ ኾይኖም፡ ጸኒሑ ግን፡ ጉዳይ እቶም ጀነራላት ካብ ገጻት መራኸቢ ሓፋሽ ተኣልዩ፡፡
ኣብቲ ቕንያት ተራእዩ ዝነበረ ማሕበረሰባዊ ትኹረት'ውን ናብ ካልኦት ጉዳያት ተሰጋጊሩ፡፡
ስድራ ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ሜ/ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ግን ዛጊድ ፍትሒ ከም ዘይረኸቡን፡ ቅትለት እቶም "ሰብ ውዕለታ እታ ሃገር" ዝኾኑ ጀነራላት ዕሽሽ ከም ዝተብሃለን ይገልጹ፡፡
ከመይ ነበረ?
ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ መዓልቲ፡ ድሕሪ ቐትሪ፡ ጀነራል ሰዓረ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘዳለዎ መደብ ምትካል ተኽሊ ተሳቲፉ ናብ ገዝኡ ከምዝተመለሰ በዓልቲ ቤት ጀነራል ሰዓረ ኮሎኔል ጽገ ኣለማየሁ ትዝክር።
ሃንደበት ግን ሓላፍነቱ ዝጠልብ ወታሃደራዊ መደብ ከፈጽም ቴሌፎን ተደዊሉዎ፡፡

እቲ ኣብ ባህርዳር ዝተፈጠረ ኩነታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ደዊሉ ከምዝነገሮ እትገልጽ ኮሎኔል ጽገ፡ ኣብ መንጎ ሜ/ጀነራል ገዛኢ ኣበራ ከም ዝመጽአን፡ ኮይኑ ግና ጀነራል ሰዓረ ኣብቲ ጉዳይ ተጸሚዱ ብምንባሩ ኣብ መረባ ኣብ ጥቒኡ ኮፍ ኢሉ ይጽበዮ ምንባሩን ትዝክር፡፡
"ሰዓት 3፡12 ናይ ምሸት ኣምሓራ ቴሌቪዥን የሕልፍ እንተሃልዩ ምስ ገዛኢ ክርኢ ተዘራሪብና ናብ ሳሎን ኣትየ፡፡ ገና ቴሌቪዥን ከፊተ ቻናል እናመረጽኩ እናሃለኹ፡ ሓንቲ ጥይት ትትኮስ፡ ኣድራጋ ድማ ትደጋገም፡ እናጎየኹ እንተወጻኹስ ክልቲኦም በብዘለዉዎ ኮፍ ኢሎም(ተወቒዖም)፡ እቲ ወዲ ኣብ እግሪ ሰዓረ . .. ደቂሱ ረኺበዮ፡፡ ጀነራል ገዛኢ ወዲያው ተሰዊኡ፡ ንሰዓረ ግን እቶም ሓለዋ ቀልጢፎም ኣብ ከባቢና ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ዋሺንግተን ወሲዶምዎ " ትብል።
ኣብ ጥቓ ኣስከሬን ጀነራል ገዛኢ ኮይና ዝረድእን ደሃይ በዓል ቤታን እትጽበ ዝነበረት ኮሎኔል ጽገ፡ በቲ ቕትለት ዝጥርጠርን ዝሞተ መሲሉ ወዲቑ ዝነበረን ሓላዊ ጀነራል ሰዓረ መሳፍንት፡ ተሲኡ ሃዲሙ ናብ ሰርቪስ ከምዝኣተወን ክሕዞ ምስ ዝፈተነ ካልእ ኣባል ሓለዋ ከም ዝተታኾሰን ትዝክር፡፡
"ኣብዚ ሓደ ዝረድእ ፖሊስ ኮነ ወተሃደር የለን" እትብል ኮሎኔል ጽገ ኣብቲ እዋን ክረድእ ዝመጽአ ሓይሊ ከም ዘይነበረ ትዛረብ።
ጀነራል ሰዓረ ኣብ ሆስፒታል ዋሺንግተን ዓሪፉ፤ ቀታሊ ድማ ዓጂብዎ ዝወዓለ ሓላዊኡ ምዃኑ ይእመን።

"ደም ሰዓረን ገዛእን ሰማዒ ስኢኑ የእዊ ኣሎ"
ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ከይዲ ፍትሒ እቶም ግዳያት ግቡእ ትኹረት ከም ዘይተውሃቦ እትሕብር ኮሎኔል ጽገ፡ እቲ ጉዳይ ኣበይ ከም ዝበጸሐ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ካብ ዝዝረብ ወጻኢ እትፈልጦ ነገር ከምዘየለ ትዛረብ፡፡
"እዚ ጉዳይ፡ ንዓይ ዓብዪ ቓጸሎ እዩ፡፡ ሰዓረን ገዛእን ህዝቢ እናገልገሉ እዮም ሓዊ ተቓጺሎም። ደም ሰዓረን ገዛእን ግን ሰማዒ ስኢኑ የእዊ እዩ ዘሎ። ህዝቢ ድምጹ ኣየስመዐሎምን፤ ሰራዊት ድምጹ ኣየስመዐሎምን፤ መንግስቲ 'ውን ድምጹ ኣየስመዐሎምን። እቲ ወዲ (ቐታሊ) ተታሒዙ ኣሎ ይበሃል፡ ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ምስክር ክኾን ዝግበአኒ ኣነ እየ። ብዛዕባ እቲ ፍትሒ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ዝፈልጦ የብለይን። ብዙሕ ሰብ ይሓተኒ፡ ዝፈልጦ ነገር ግን የብለይን። ልብና ጸሊሙ፡ ገዛና ጸልሚቱ" ትብል።
ወሲኻ ድማ፡ "ጠበቓን ጠያቕን ዝሰኣነ ሰብ እዩ። ሰዓረ ጠጠው ዝበለሉ ሰብ የብሉን፤ ንሕና ዓቕሚ የብልናን፡ ንዓይ ካብ ዓቕመይ ንላዕሊ እዩ። ንመን ኣብየት ከም ዝበሃል 'ውን ጨኒቑኒ እዩ"።
እቲ ጉዳይ መንግስቲ ጠበቓ ኣቚሙ ከምዝከታተሎ ብወረወረ ከም እትሰምዕ እትገልጽ ኮሎኔል ጽገ፡ እቲ በደል ብዓይኖም ዝረአዩ ኣባላት ስድራ ክፈልጡ ዘይተገበረሉ ምኽንያት ከምዘይበርሀላ ትዛረብ፡፡
"ቅድሚ ሐዚ'ውን ንቀዳማይ ሚኒስተር ክረክብ፡ ጉዳየይ ክውግዕ፡ መፍትሒኡ እንታይ እዩ ክብሎ ሓቲተ፤ 'ኣይጥዕመንን' ተባሂለ" ድማ ኢላ።
ህዝቢ ትግራይን ኢትዮጵያን ድምጹ ከስምዐሎም እትምሕጸን በዓልቲ ቤት ጀነራል ሰዓረ፡ "መንግስቲ 'ውን ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ እንተኾይኑ ካሊእ መፍትሒ ከምጽእ ክኽእል ኣለዎ" ትብል፡፡

ምንጪ ስእሊ, Seberom
'ካብቲ ቅትለት ንላዕሊ፡ እቲ ዘሎ ስቕታ'ዩ ካልኣይ ቅትለት"
ብ2005 ዓ.ም ብጥሮታ ዝተሰናበተ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራ፡ ንሓጺር እዋን'ኳ ኣብ ናይ ውልቁ ስራሕ ተሰማርዩ እንተነበረ፡ ኣብ እዋን መሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ዳግም ብሞይኡ ከገልግል ጻውዒት ተገይሩሉ ክሳብ ዕለት መስዋእቱ መደባት መንግስቲ እናፈጸመ ከም ዝነበረ፡ በዓልቲ ቤቱ ተጋዳሊት ኣበባ ዘሚካኤል ትገልጽ።
"ኣብ ፐብሊክ ሰርቪስ እተን ኣውቶቡሳት ቦርድ ኮይኑ ኣቋቚሙ፤ ኣብ ባሕርን ሎጂስቲክስን ከምኡ'ውን ሚኒስትሪ መጓዓዝያ ዝዓበየ ስራሕ ይሰርሐሎም ነይሩ። ናብ ሃገራት ወጻኢ እናተልኣኸ ጉዳያት ይፍጽመሎም ነይሩ፡፡ ንመከላኸሊ ድማ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ይህብ። ክሳብ ዝስዋእ ንሽሙ ጥሮታ ወጺኡ ተባሂሉ እምበር ናይ መንግስቲ ስራሕ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ"።
በዓልቲ ቤት ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራ፡ "ጥሮታ ካብ ዝኸውን ዓሪፉ ኣይፈልጥን፡፡ ግደፍ ንባዕልኻ ግዜ ሃብ ኢለዮ እየ፡፡ ኩሉ ግዜ ዘረብኡ 'ንሕና ተረፍ ዝሞቱ ኢና፡ ንመንግስቲ ንዓዲ እኮ እየ ዘገልግል ዘለኹ' ይብለኒ ነይሩ" ትብል።
ሰንበት ንጉሆ ናብ ከተማ መቐለ ክገይሽ መደብ ዝነበሮ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ፡ ቀዳም ኣጋግዘ ጀነራል ሰዓረ ንስራሕ ጉዳይ ከም ዝጸውዖ ብምሕባር፡ ናብ መንበሪ ገዝኡ ከይዱ፡፡
"ንስራሕ እዩ ከይዱ። ኣብ መንጎ ደዊለሉ፤ ይመሲ ኣሎ ኢለዮ፡፡ 'እሺ፡ ኣጋጣሚ ሰዓረ ስልኪ ሒዙ ኣሎ'ሞ ስለ ዘይወዳእና ኢና፤ መጻእኹ' ኢሉኒ፡፡ ናይ መወዳእታ ስልክና ነይራ፤ ድሕሪኡ'ውን ደዊለ እየ፡ ኣየልዓለን። ዳሓር ተደዊሉ ተነጊሩኒ" ትብል ተጋዳሊት ኣበባ።

ምንጪ ስእሊ, Seberom
ኣብ መስርሕ ፍትሒ ስድራ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራ 'ውን ተመሳሳሊ ቅርታ እዩ ዘለዎም።
"ናይ ፍትሒ ነገር ዜሮ እዩ ዘሎ፡፡ ሰዓረን ገዛእን ዓበይቲ መራሕቲ እዮም፡ ጀነራላት ናይታ ዓዲ እዮም፡፡ ኣብ ስራሕ እናሃለዉ እዮም ተቐቲሎም፡፡ ፌደራል መንግስቲ፥ መከላኸሊ፥ ድሕነት ኣብ ዘለዋ ዓዲ፡ ዓበይቲ መራሕቲ መን ቀቲሉዎም? ንምንታይ? መልሲ ክንረክብ ይግባእ ነይሩ። ካብቲ ቅትለት ንላዕሊ እቲ ዘሎ ስኽ ስኽ እዩ ካልኣይ ቅትለት ነቲ ቤተሰብ። ዋላ መንግስቲ ክልል ትግራይ'ውን ካብዚ ወጻኢ ኣይብሎን" ብምባል ተጋዳሊት ኣበባ ትዛረብ፡፡
ህዝብን መንግስትን ትግራይ እውን እኹል ትኹረት ከም ዘይሃብዎ እትገልጽ ተጋዳሊት ኣበባ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ 'ውን ድምጹ ከስምዕን መንግስቲ ፌደራል ፍትሒ ክህብን እያ እትላቦ፡
"ዝፈልጦን ዘዘራረበንን ሓላፊ የለን። ከምዝተጎዳእና፡ ከምዝተጠቓዕና፡ ከምዚ ዝበለ ሰብ ብምስኣንና ኣብ ጭንቀትን ሕማቕ ነገርን ከምዘለና'ኳ፡ ካብ ማንም ኣካል ኣጆኹም ዝበለና ሰብ የለን፡፡ ብክልል ዘዘራረበና የለን፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዘዘራረበና የለን፡፡ ዝጥይቕ ኣካል እንተዝረክብ ዝስመዐኒ ምተዛረብኩ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ይፍረደና፡" ብምባል ነቲ ዘሕዝን ተጓንፎ ዝተውሃቦ ትኹረት ንኡሽቶ ምዃኑ ትገልጽ፡፡
"ካብ ሰብ ዝረኸብናዮ የለን፡ ሐዚ'ውን ፍትሒ ካብ ፈጣሪ እየ ዝጽበ"።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







