እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኢንዳስትሪ ቱሪዝም ግብጺ ከቢድ ዝሕታለ ኣስዒቡ
ፒራሚዳት ጊዛ፡ ንዘመናት በጻሕቲ ዓዲ ክድነቑሎም ምጽንሖም ዘይከሓድ ሓቂ እዩ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘለወሉ እዋን ግን፡ እዞም ከባቢታት ሰብ ዘይብሎም ምድረበዳታት ኮይኖም፡ ኢንዳስትሪ ቱሪዝም ግብጽን ካብዚ ብዝረኽቡዎ እቶት ዝናበሩ ህዝብን በሪሱ ይርከብ።
እዚ ጥንታዊ ቦታ፡ ካብ ሓደ ሓምለ ጀሚሩ ንበጻሕቲ ዓዲ ክፉት እንተኾነ'ውን፡ ብምኽንያት ክህሉ ዝግብኦ ኣካላዊ ርሕቐትን ምዕቃን ረስንን ውሑዳት በጻሕቲ ውሽጢ ዓዲ'ዮም ዝመጽኡ።
ኣሽራፍ ያሲር፡ ን25 ዓመታት ኣብ ጊዛ ንዑደት ንዝመጽኡ ሰባት ኣገልግሎት ምዝንጋዕ ግመል ክህብ ጸኒሑ።
"ንኹላትና ከቢድ እዋን'ዩ ነይሩ። ኣርባዕተ ወርሒ ሙሉእ ኣብ ገዛ ኢና ኮፍ ኢልና፤ ነፍሲ ወከፍ ግመል ንመዓልታዊ መግቡ ዝኸውን 6 ዶላር የድልዮ" ይብል።
ኣሽራፍ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝረኽቦ እቶት ብዘይምንባሩ ክልተ ኣግማሉ ሸይጡ ንስድርኡ ክቕልብ ተገዲዱ።
"ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜ ንኣግማለይን ደቀይን ዝኸውን ቀለብ ክሽፍን ኣይከኣልኩን" ይብል ብተመሳሳሊ ኩነታት ዝተጸገመ ሃሚድ መሓመድ።
ንዓመታት ዝነበረ ፖለቲካዊ ናዕብን ኣብ 2015 ኣብ ልዕሊ ተጓዓዝቲ ዝጸዓነት ነፋሪት ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦንባን እዩ፡ ቱሪዝም ግብጺ ከም ብሓዲሽ ክመዓራረ ጀሚሩ።
ኣብ 2019፡ 13.6 ሚልዮን ሰባት ኣብ ግብጺ ምብጻሕ ከካይዱ ከለው፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ቑጽሪ በጻሕቲ ናብ 15 ሚልየን ሓፍ ክብል ትጽቢት ነይሩ።
"ድሕሪ'ዚ ኩሉ ነገር ሃዲኡ፡ ጽዑቕ ስራሕ ነይሩና። ሃንደበት ኮሮናቫይረስ ምስ መጽአ ክኣ ኩሉ ነገር ቅሂሙ" ትብል መራሒት በጻሕቲ ዓዲ ዝኾነት ሻሄንዳ ኣድል።
ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ዓለምለኻዊ በረራታት ጠጠው ምስ በሉ፡ ኣቐዲማ ክተኣናግዶም መደብ ዝሓዘትሎም ሓደ ሽሕ በጻሕቲ ዓዲ ብዘይምምጽኦም፡ ህይወት ሓቢሮምዋ ዝሰርሑ ሰባት ከይተረፈ ከም ዝተተንከፈ ገሊጻ።
"ዝሓዝናዮም ሆቴላት ክስረዙ ገይርና፤ እዚ ኩነታት ንኹሎም ኣብ ሆቴል ዝሰርሑን ኩባንያ ጉዕዞን እዩ ተንኪፉ። ኩላትና ስራሕና ስኢንና፤ ተወሳኺ መራሕቲ መኪናን ሆቴላትን'ውን ኣለው" ኢላ።
ሚኒስትሪ ቱሪዝምን ጥንታዊ ሓድግታትን ግብጺ ካሊድ ኤል-ኣናኒ፡ ነዚ ኹሉ ናብ ዝነበሮ ንክመልስን ቑጠባ እታ ሃገር ኣብ ምንቕቓሕ ክሕግዝን ዕዮ ገዛ ኣለዎ።
"እዚ ወቕቲ ንዓና ኮነ ንመላእ ዓለም ቀሊል ኣይኮነን። ወርሓዊ እንረኽቦ ሓደ ቢልዮን ዶላር ኢና ከሲርና፤ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ'ውን ገና ተወሳኺ ገንዘብ ክንከስር ኢና ዝብል ግምት ኣለና" ይብል።
እቲ ሚኒስትር ከም ዝብሎ እንተኾይኑ፡ ቱሪዝም ልዕሊ 12 ሚእታዊት ዓመታዊ እቶትት ግብጺ ይሽፍን።
ሚኒስተር ካሊድ ኤል-ኣናኒ፡ ኣብ ቀረባ ብቴሌቪዥን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ናብ ዞባታት ደቡብ ሲናይ፣ ቀይሕ ባሕርን ማትሮፍን ዝጀመረ ዓለምለኻዊ በረራታት ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ኣድላዪ ጥንቃቐ ክግበር ኣተሓሳሲቡ'ዩ።
ኣብዞም ከባቢታት ገምገም ባሕሪ ዝኾነ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ብዘይምህላዩ ውሑሳት ከም ዝኾኑ እውን ይዛረብ።
"ናብዞም ከባቢታት ዝመጽኡ በጻሕቲ ዓዲ፡ ንግዚኡ ነቲ ገምገም ባሕሪ፣ ጸሓይ ዕራርቦን ነቶም በረኻታትን ክዕዘቡን ናይ ማይ ጸወታታትን ዘካተተ ምንቅስቓስ ክገብሩን ይኽእሉ። ጸኒሕና ድማ ሽንጥሮ ናይል፣ ካይሮ፣ ኣስዋንን ካልኦትን ክንከፍቶም ኢና"።
ብዙሓት ድማ፡ ኣብዚ ጽላት ቅልጡፍ ለውጢ ክመጽእ ትስፉዋት'ዮም።
ግን ድማ፡ ኣብዚ እዋን ብዙሓት ሰባት ብብዝሒ ካብ ዝእከብሎም ኣጋጣሚታት ንነብሶም ከርሕቑ ይጽዕሩ ምህላዎም ንስርሖም ከይጸልዎ ስግኣቶም ይገልጹ።
"ኣብ መላእ ዓለም ዘለው ሰባት፡ ዓበይቲ ምትእኽኻባት ከወግዱ እዮም ዝጽዕሩ ዘለው፤ እዚ ማለት ውሑዳት ሰባት'ዮም ክመጽኡ" ዝበለት መራሒት በጻሕቲ ዓዲ ሞና ኤል-ዴሱኪ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫ ዓብዪ ጸገም ከም ዝኾና ትዛረብ።
"ስራሕና፡ ኣጋይሽና ንምሕጓስ ዚያዳ ክምስታን ምጥምማትን ዝጠልብ'ኳ እንተኾነ፡ ሕጂ ግን እዚ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዳርጋ ፍርቂ ገጽና እዩ ዝሽን ዘሎ። ኣብ ኣውቶብሳት፣ ዕጹዋት ሙዝየማት፣ መዕርፎ ነፈርትን ነፋሪትን ነዚ ንነዊሕ ሰዓታት ክትጥቀም ድማ ቀሊል ኣይኮነን" ትብል።
ዝኾነ ኾይኑ ግን፡ መብዛሕትኦም በዚ ዓውዲ ዝመሓደሩ ሰባት፡ ቱሪዝም ግብጺ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናብ ንቡር ተመሊሱ ዝተረጋግአ ህይወቶም ክመርሑ ይጽበዩ።