እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሃይማኖት፡ ፈላማይ ሒጅራ ዝተኻየደሉ 'ካልኣይ መካ' መስጊድ ኣልነጃሺ
ሓጅ፡ እቲ ዝዓበየ ሃይማኖታዊ ምትእኽኻብ ዓለም እዩ።
ኣብ ሃይማኖት እስልምና ብምእማን ብኽብርታቱ ክትግዛእ እንከለኻ፡ ዓቕምን ትሕዝቶን ኣብ ዝረኸብካሉ እዋን፡ ኣብ ዕድመኻ ሓንሳብ ናብ ቅዱስ ቦታታት መካን መዲናን ምብጻሕ ግድን ኮይኑ፡ ንግደት ሓጅ ሓንቲ ካብተን ሓሙሽተ ኣዕኑድ ሃይማኖት እስልምና እያ።
በዚ ምኽንያት፡ በብዓመቱ ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ዝከኣሎም ምድላው ብምግባር፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ዘለዋ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ መዓልታት ኣብ መካ ዝፍጸም ስርዓት ጸሎትን ሓጅን ክሳተፉ ናብ ስዑዲ ዓረብ ይኸዱ።
ሕጂ ግን ኣይከም ቀደሙን፤ ምኽንያት ምስራዝ ዓበይቲ ሃይማኖታዊ፣ ታሪኻውን ባህላውን ምትእኽኻባት ዝኾነ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ስዑዲ ዓረብ ንንግደት ሓጅ ካብ ካልእ ሃገር ዝመጽኡ ኣመንቲ ከይኣትውዋ ከልኪላ እያ።
ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ዓብዱራሕማን ሰይድ፡ ካብ መጀመርታ ኣዋርሕ እዚ ዓመት ጀሚሩ ንንግደት ሓጅ ዝኾኖ ኩለ መዳያዊ ምድላው ክገብር ከም ዝጸንሐ ይዛረብ።
ቀስ ብቐስ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ መላእ ዓለም ክዝርጋሕ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን እንተኾነ'ውን፡ ንንግደት ሓጅ ዝግበር ጉዕዞ ክስረዝ እዩ ዝብል ግምት ኣይነበሮን።
"ከም ኣማኒ፡ ኩላትና አኣብ ዘለናዮ ኾይንና ብምጽላይ፡ ካብዚ ሕማም ክንድሕን ኢና፤ ኣላህ ብፍቓዱ ከጥፍኦ'ዩ ዝብል እምነት ስለ ዝነበረኒ፡ ክሳብ መወዳእታ ናብ መካ ብምኻድ ሓሳብ ልበይ ከስምር ፍቓድ ጎይታ ክፍጽም'የ ዝብል ተስፋ ነይሩኒ" ይብል።
በዚ መገዲ ዝኣምኑ ብርክት ዝበሉ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ናብቲ ቅዱስ ስፍራ ክኸዱ ብዘይምኽኣሎም ዝሓዘኑ ኣለው።
ከም ሰብ፡ "ሃይማኖትካን መጽሓፍን ዝብሎ ክትፍጽም ከለኻ ጽቡቕ ስምዒት ይፈጥር'ዩ" ዝብሉ ቅድሚ ክልተ ዓመት ናብ መካ ዝኸዱ ሓጂ ሲራጅ መሓመድ፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝነበሮም ታሕጓስ ኣይርስዕዎን።
"ናብ ከምዚ ዝበለ ቅዱስ ስፍራ ምኻድ፡ ብጣዕሚ'ዩ ደስ ዝብል። ኣብ ንግደት ሓጅ በጺሑ ንዝተመለሰ ድማ፡ ኩሉ ሰብ እዩ እንኳዕ ደስ በለካ እናበለ ዝዝይሮ" ኢሎም።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሓጅ ሲራጅ መሓመድ ሓላፊ ጉዳያት እስልምና መስጂድ ኣልነጃሺ'ዮም።
እዚ ዓብዪ ታሪካውን ሃይማኖታውን ስፍራ ድማ፡ 'ካልኣይ መካ' ኮይኑ ስለ ዝርኣዮም፡ ከምዚኦም ዝበሉ ቦታታት "ብሓይሊ ጎይታ" ደው ዝበሉ'ዮም ኢሎም ይኣምኑ።
"ዋላ'ውን፡ ሓጅ ዝኽውን ናብ መካ ብምኻድ እንተኾነ፡ ነብዪና ነጃሺ ዝበጽሐ ንዓይ ዝበጽሐ'ዩ ስለ ዝብለና፡ ኣብ መስጂድ ኣልነጃሺ ምብጻሕ፡ ጽድቂ'ዩ ተባሂሉ ይውሰድ'ዩ" ኢሎም።
'መቓብር መሊኡ፣ ማይን መብራህትን ጎዲሉ'
ተኸልቲ እስልምና፡ ደቂ ሰባት ኣብ ዓዶም፣ ኣብ ቦትኦም ክነብሩ ኣብ ዘይኽእልሉ ግዜ፡ ናብ ነጋሺ መጺኦም ብሰላም ኩሉ ዓይነት ማሕበረ ቑጠባዊ ምንቅስቓስ ከካይዱ ከም ዝኽእሉ ዘርኣየ ቦታ ብምዃኑ፡ መስጊድ ኣልነጃሺ ዓብዪ ሓላፍነት ማሕበረሰብ ሙስሊም ዓለም እዩ ይብሉ።
እዚ መስጊድ፡ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ይርከብ።
ሰዓብቲ እስልምና፡ ኣብ መካ የጋጥሞም ካብ ዝነበረ ቕትለት ሰጊኦም ናብ 'ምድሪ ሓበሻ ኪዱ' ተባሂሎም ክመጽኡ ከለው፡ ነጋሽ ዝተባህለ ንጉስ ኣታናጊዱዎም ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዘዕቖቡ ይዝንቶ።
እቲ መድጊድ'ውን ድሕሪ እቲ ንጉስ ከም ዝተሰየመን፡ ንሰለስተ ዓመት ኣስሊሙ፤ ምስ ሞተ ቐብሩ ኣብቲ ቦታ ከም ዝተፈጸመን ሃይማኖታዊ መጽሓፍቲ ጠቒሶም ተኸተልቲ እቲ ሃይማኖት ይዛረቡ።
እዚ ልዕሊ 1400 ዓመት ዘቑጸረ ሒጅራ [ስደት] ዝተፈጸመሉ ቦታ እኳ እንተኾነ፡ ትኽክለኛ ታሪኽ ኣልነጃሺ ኣብ ዓለም ክፍለጥ ካብ ዝጅመር ግን ናይ ክልተ ዓሰርታት ዓመታት ዕድመ'ዩ ዘለዎ።
ሓጂ ዓብዱ፡ ነዚ መስጊድ ዝሃነጹ ሰብ ኮይኖም፡ ድሕሪ 1983 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ብኢትዮጵያዊ በዓል ሃፍቲ ሸኽ ኣላሙዲ ሒሴን ተሓዲሳ ነይራ።
ብ2015 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ድማ፡ መንግስቲ ቱርኪ ሙሉእ ከሐድሶን ህንጸትን እቲ መስጊድ ክሰርሕ ሓላፍነት ወሲዱ። እዚ፡ ቲካ ብዝተባህለ ትካል ኮንስትራክሽን ክሳለጥ ዝጸንሐ ስራሕቲ፡ ኣብ ውሽጢ 5ተ ዓመት ዝውገኑ ሰለስተ ደረጃታት ህንጸት ነይሮምዎ።
ጸሓፊ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ኣቶ መሓመድ ካሕሳይ፡ እቲ ቐዳማይ ምዕራፍ ዝበሃል፡ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ዝወስድ ዝበሉዎ፡ ናይ ጽገና፣ ምንጻፍ እምንን ምምሕያሽን ምስፍሕፋሕን እቲ መስጊድ እዩ ይብሉ።
እቲ ቐጻሊ ምዕራፍ፡ ካብ ቐጽሪ እቲ መስጊድ ወጺእኻ ዘሎ ህንጸት ኮይኑ፡ ማእከል ዕዳጋ ሆቴል፣ ሬስቶራንት፣ መዕረፊ ኣጋይሽ ሰሪሕካ እቲ ከባቢ ናብ ልምዓት ምእታው ዝጥምት ይኸውን።
ድሕሪ'ዚ፡ ዓበይቲ መዕረፉ ኣጋይሽ ምስራሕ፣ ዓበይቲ ማያት ምኹዓት፣ ህንጻት መገዲታትን ኮሌጃትን ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ጌና ኣብ ቐዳማይ ምዕራፍ ህንጸት ከም ዝርከብ ኣቶ መሓመድ ካሕሳይ ሓቢሮም።
ኣብዚ ደረጃ እንከሎ ግን፡ ናይ መብራህትን ማይን ጸገማት ከም ዘለዉዎን፡ ብርክት ዝበሉ ትሕዝቶታት እቲ መስጊድ ይስረቑ ምህላዎምን፡ ሓጅ ሲራጅ መሓመድ ዝዛረቡ።
"ኣብ መስጂድና ዘሎ ናይ መቓብር ቦታ መሊኡ፣ ነቲ መስጂድ ማይ ንምቕራብ ካብ ዝተኹዓተ 240 ሜትሮ ጉድጓድ ኩዒቶም ዝነበረ ፓምፕ ተሰሪቑ ኣሎ። ብዙሕ ንበረት'ውን ተሰሪቑን ተሸይጡን እዩ" ዝብል ቅርታ ኣለዎም።
እዚ ጉዳይ፡ ካብ ወረዳ ክሳብ ክልል ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክፈልጦ ከም ዝተገብረ ዝዛረቡ ሓጅ ሲራጅ፡ "ጥርዓንና ዝሰምዕ ኣካል የለን። እቲ ጉድለት ኣብ ጉዳያት እስልምና ክልል ስለ ዘሎ ድማ፡ ዋና መጥፍኢ ጉዳይ እስልምና ክልልና'ዩ እየ ዝብል" ኢሎም።
መስጊድ ኣልነጃሺ፡ ሃይማኖታዊ ቦታ ካብ ምዃን ሓሊፉ ታሪኻዊ ቦታ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ዘሎ ኣመራርሓ ጉዳያት እስልምናን ቱሪዝምን እቲ ክልል ንሓድሕድ ምዕባለታቱ ይከታተሉዎ እዮም ተባሂሉ ይእመን።
ሸኽ ረጃ ኑሩ፡ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ኣልነጃሺ'ዮም። ነዚ ንታሕቲ 240 ሜትሮ ዘሊቑ ዝተቐብረ ማይ ዝደፍእ ፓምፕ ተሰሪቑ ዝብል ሓሳብ "ሓሶት" ብምባል ይነጽጉዎ።
"ሕዚ'ውን ኣብ ውሽጢ እዩ ዘሎ። ህዝቢ ዝርእዮ ዝሕባእ ነገር ኣይኮነን" ዝብሉ ሸኽ ረጃ ኑሩ፡ ኣብቲ መስጊድ ሕጽረት ትራንስፎርመር ብምህላዩ ግን ተቓጺላ ኣገልግሎት ትህብ ከም ዘየላ ይዛረቡ።
ትሕዝቶ እዚ መስጂድ ብምምዕባል፡ ዝሓሸ ሃይማኖታውን ቑጠባውን ረብሓ ዘመንጩ ከባቢ ንምግባር ሓላፍነት ዝወሰደ ኩባኒያ ህንጸት ቱርኪ፡ ናብ 2ይ ደረጃ ህንጸት ከይተሰጋገረ እንከሎ፡ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ'ዩ ንቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና መፍትሕ ኣረኪቡ።
እቲ ኩባኒያ ኣብ ስራሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ተመሳሳሊ ጸገማት ከጋጥም እንከሎ ሓላፍነት ወሲዱ ጽገና ይገብር ነይሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ስራሕ ከም ዘየሎን፡ ግዚያዊ ሓላፍነት ተረኪቦም ይከታተሉዎ ከም ዘለውን ጸሓፊ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ኣቶ መሓመድ ካሕሳይ የረድኡ።
"ናይ መብራህቲ፡ ክንርከቦ ከለና ከም ዝተቓጸለን ናብ ስራሕ ክምለሱ ከለው ከዐርዩዎ ከም ዝኾኑን ነጊሮምና፤ ግን እዚ ለበዳ ንዓለም ዓብዪ ዕንቅፋት ኮይኑ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ተመሊሶም ክመጽኡ ድዮም ኣይመጽኡን ገና ኣይተፈልጠን" ኢሎም።
ወሲኾም፡ "እታ ማይ እትደፍእ ፓምፕ ከም ዝተቓጸለት ምስ ፈለጥና፡ ገበርቲ ሰናይ ደሊና ዝሰርሕሉ መገዲ ኣመቻቺእና፤ ክገዝኣ እየ ዝበለና ኣካል'ውን ነይሩ። ንዕኡ እናተጸበና ከለና ዋጋ ኸቢሩኒ ኢሉ ገዲፉዋ ኣሎ፤ እንተኾነ ንክትዕረ ንጽዕር ኢና ዘለና" ዝብል ምላሽ ሂቦም።
ኣብዚ ሰዓት፡ እቲ መስጂድ መብራህትን ማይን የብሉን ዝብል ዘረባ ግን፡ "ግጉይ'ዩ" ብምባል ይነጽጉዎ።
ብርኢይቶ ሸኽ ረጃ ዝሰማምዑ ኣቶ መሓመድ፡ ነታ ፓምፕ ሰሪቑ ክሸይጥ ዝደሊ ኣካል ኣሎ ኢልካ ንምእማን ዘጸግም እኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ ሰዓት ቀንዲ ትኹረትና ነታ ዝተቓጸለት ፓምፕ ኣብ ምትካእ ዝሕግዘና ገባሪ ሰናይ ኣሊሽካ፡ እቲ ጸገም ምፍታሕ'ዩ ኢሎም።
"እቲ ፓምፕ ስለ ዝተቓጸለ ኣብ ቀረብ ማይ ጸገም ኣጋጢሙ ኣሎ፤ ተሰሪቑ ዝብሃል ግን፡ 245 ሜትሮ ንታሕቲ ዝተቐበረት ፓምፕ ክወስድ ዝመጽእ፡ ንዓኣ ዘውጽእ መሽን ክህልዎ ኣለዎ። ነዚ ኩዒታ እተውጽእ ዓባይ መሽን ደው ኢላ እንተነይራ ድማ፡ እቲ ጠፊኡ ዝብል ዘሎ ኣካል እንታይ ይገብር ነይሩ ብዝብል ተሓታቲ ይገብሮ" እዮም ዝብሉ።
መካነ መቃብር 10 ደቂ ተባዕትዮ፤ 5 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም ተኸተልቲ [ኣስሓባት] ነብዪ መሓመድ ኣብ መስጊድ ኣልነጃሺ ይርከብ።
እዚ ኣብ ኣልነጃሺ ዝግበር ምብጻሕ፡ ዑላማታት ትግራይ ከም ዝመስረቱዎ ዘረድኡ ኣቶ መሓመድ፡ እቲ ቀደም ሓጅ ክግበር እንከሎ ብምጽዋዕ ኣቢልካ ይኸይድ ከም ዝነበረ የዘንትው።
ናብ መካ ኣብ ዝግበር ጉዕዞን ካብ መካ ኣብ ዝግበር መልስን፡ ካብን ናብን ኣብ ዝህሉ ምንቅስቓስ ናይ መጓዓዝያ ጸገም ስለ ዝነበረ ኣልነጃሺ ከም መራኸቢ ቦታ ክኾኖም ይጥቀምሉ ነይሮም።