ጸሓፋይ ፎክስ ኒውስ፡ ብሰንኪ ዓሌታዊ ርእይቶታቱ ካብ ስርሑ ተኣልዩ

ብሌክ ኔፍ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ፎክስ ኒውስ ልዑል ቦታ ዘለዎ ጸሓፋይ፡ ብሰንኪ ተሓቢኡ ዝጽሕፎም ዓሌታውን ንደቂኣንስትዮ ዘናእሱን ርእይቶታቱ ካብ ስርሑ ብፍቓዱ ተኣልዩ።

ብሌክ ኔፍ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት እዩ ናብ ፎክስ ኒውስ ተጸምቢሩ። ብዓርቢ ድማ ስርሑ ክገድፍ ተገዲዱ።

እዚ ጸሓፋይ ‘ኣውቶ ኣድሚት’ ኣብ ዝበሃል ናይ መርበብ መድረኽ፡ ዓሌታውን ንደቂኣንስትዮ ዘናእሱን ርእይቶታት ከምዝህብ ሲኤንኤን ብዝገበሮ ምርመራ እዩ ኣቃሊዕዎ።

ፎክስ ኒውስ፡ ነቶም ናይ ብሌክ ጽሑፋት “ዘስካሕክን ጽዩፍን” ኢሉ ገሊጽዎም።

ብሌክ፡ ነዞም ዓሌታዊ ጽሑፋቱ ክጽሕፍ እንከሎ፡ ሓቀኛ መንነቱ ሓቢኡ እዩ ዝጽሕፍ ነይሩ።

ኣብቶም ዝህቦም ርእይቶታት ድማ፡ ንጸለምትን እስያውያንን ኣመሪካውያን ደቂኣንስትዮ፡ ክብረን ዝግህስን ዘዋርድን ጽሑፋት እዩ ዘስፍር ነይሩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ድማ፡ ኩሎም ጸለምቲ ገበነኛታት እዮም ዝብል ሓደ ጽሑፍ’ውን ጽሒፉ እዩ።

ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ድማ ናይ ውልቀ ህይወታ ብምቅላዕ ብቃላቱ ከምዝሃሰያ ተገሊጹ።

ሲኤንኤን፡ ብዛዕባ እዚ ‘ዓሌታዊ’ ጸሓፋይ ሓበሬታ ምስበጽሖ ብዝገበሮ ምጽራይ፡ ‘ቻርለስ መበል 12’ ብዝብል ስም ዓሌታዊ ጸርፍታት ዝጽሕፍ፡ እዚ ብሌክ ዝበሃል ጸሓፋይ ምዃኑ ኣረጋጊጹ እዩ።

ሲኤንኤን፡ ናይ’ዚ ጸሓፋይ ውልቃዊ ሓበሬታ ብምምስሳል እዩ ነቲ ሓቂ ፈሊጥዎ ተባሂሉ’ሎ።

ንብሌክ ቆጺሩ ዘስርሖ ፎክስ ኒውስ፡ እዚ ጸሓፋይ ኣብ ‘ኣውቶ ኣድሚት’ ዘንጸባርቖ ባህርታቱ ኣብ ስርሑ ኣንጸባሪቕዎ ከምዘይፈልጥን፡ ስርሑ ክገድፍ ሕቶ ምስኣቕረበ’ውን እቲ ትካል ከምዝተቐበሎን ገሊጹ።

“ክትጋገይዎ ዘይብልኩም ነገር እንተሃለወ፡ ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣብ ትካልና ዝኾነ ተቐባልነት ከምዘይብሉ እዩ” ኢሉ ፎክስ ኒውስ።