ኣብ ኣትላንታ ሓደ ጸሊም ኣመሪካዊ ምስተቐትለ ሓላፊት ፖሊስ ካብ መዝነታ ተኣልያ

ራይሻርድ ብሩክስ ጭርሖ ዝሓዙ ሰልፈኛታት

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ኣመሪካ ከተማ ኣትላንታ ሓደ ጸሊም ኣመሪካዊ ብፖሊስ ምስተቐትለ ሓላፊት ፖሊስ ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ተኣልያ።

እቲ ብፖሊስ ዝተቐትለ ጸሊም ኣፍሪቃዊ-ኣመሪካዊ ራይሻርድ ብሩክስ ይበሃል።

እዚ ወዲ 27 ዓመት መንእሰይ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣጋ ምሸት ምስ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ተዛሚዱ ከምዝተቐትለ፡ ሰብ ስልጣን ኣፍሊጦም እዮም።

ላዕለወይቲ ሓላፊት ፖሊስ ከተማ ኣትላንታ፡ ኢሪካ ሽልድስ፡ ትማሊ ብፍቓዳ ካብ ሓላፍነታ ከምዝተኣለየት ከንቲባ እታ ከተማ ተዛሪቡ።

ነዚ ቕትለት ስዒቡ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ቕትለት ዝፈጸመ ፖሊስ፡ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ ነበርቲ ናብ ኣደባባያት ወጺኦም ድምጾም ኣስሚዖም።

እቶም ሰልፈኛታት፡ ትማሊ ኣጋ ምሽት ሓደ ዓብዪ ጎደና ዓጸዕዮም ዘምሸዩ ኾይኖም፡ ኣብ ጥቓ እቲ ራይሸድ ብሩክስ ዝሞተሉ ቦታ ንዝርከብ ዌንዲ ዝተብሃለ ቤት ምግቢ ድማ ሓዊ ኣእትዮምሉ።

ድሕሪ ቅትለት ራይሽድ ብሩክስ፡ ካብ ሓላፍነታ ዝተኣለየት ኢሪክ ሽልደስ፡ ካብ 2016 ጀሚሩ ን20 ዓመታት ፖሊስ ኮይና ሰሪሓ እያ።

ከንቲባ ናይታ ከተማ ከምዝበለቶ፡ እታ ሓለፊት ፖሊስ ብፍቓዳ ካብ ምዝነታ ዝተኣለየት፡ ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ክመጽእ ንዝድለ ለውጢ መርኣያ ክትከውን መደድላያ ምዃኑ ገሊጻ።

ኣብቲ ቅትለት ተሳቲፉ ዝተብሃለ ፖሊስ ድማ፡ ካብ ስርሑ ክስጎግ ኣለዎ ኢላ።

ሰልፈኛ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እቲ ቅትለት ብኸመይ እዩ ተፈጺሙ?

ቤት ጽሕፈት መርማሪ ጆርጅያ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ ዌንዲ ዝተብሃለ ዓብዪ ቤት ምግቢ ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ካብ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ካብ ናይ ድሕነት ካሜራን ተጠቒሙ ምጽራያት እናገበረ ይርከብ።

ራይሽድ ብሩክስ፡ ኣብ ውሽጢ መኪንኡ ደቂሱ ከምዝነበረን፡ እታ መኪና መገዲ ዓጽያ ከምዝነበረትን ተፈሊጡ።

ብኡ ምኽንያት ድማ፡ ፖሊስ ተጸዊዑ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

እንተኾነ፡ ክልተ ፖሊስ ናይ ኣልኮላዊ መስተ ፍተሻ ክገብርሉ እንትፍትኑ፡ እቲ መዋቲ ፍቓደኛ ኣይነበረን ተባሂሉ። በዚ ምኽንያት፡ ብሩክ ምስቶም ፖሊስ ክገታገት ከምዝፈተነ፤ ፖሊስ ይገልጽ።

ቀጺሉ ድማ፡ ነቲ ጭዋዳታት ዘፍዝዝ ኤሌክትሪካዊ መሳርሒ [taser] ካብ ፖሊስ ኣሕዲጉ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ፖሊስ ከወጣውጥ ከሎ ብናይ ድሕነት ካሜራ ከምዝተስኣለ ፖሊስ ገሊጹ።

ድሕሪ'ዚ እቲ ፖሊስ ተኲሱ ከምዝቐተሎ ድማ ገሊጹ።

ጠበቓን ስድራን ናይቲ መዋቲ፡ ተኲስካ ንምቕታል ዘገድድ ኩነታት ኣይነበረን እዮም ዝብሉ። ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ድማ፡ ተወሳኺ ምጽራይ እናገበረ ይርከብ።

ኣብታ ግዝኣት፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ጥራይ፡ ፖሊስ ዝተሳተፍሉ ቅትለት እንተጋጥም መበል 48 እዩ።

ተቓውሞ ዘስምኡ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ካልኦት ከተማታት ኣመሪካ ኸ?

ድሕሪ ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ፡ ኣብ ኩለን ከተማታት ኣመሪካ ሓያሎ ናዕቢ ዝቐነየ ኾይኑ፡ ኣብታ ፍሎይድ ዝሞተላ ከተማ ሚኒያፖሊስ፡ እቲ ዝጸንሐ ክፍሊ ፖሊስ ፈሪሱ፡ ካብቲ ማሕበረሰብ ዝተውጻጸአ ሓድሽ ናይ ማሕበረሰብ ፖሊስ ይቐውም ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ኣብ ካልኦት ግዝኣታት ድማ፡ ኣብ ኣሰራርሐኦም ዓሌታዊነት ዝወግድ ለውጢ የተኣታትዉ ኣለዉ ተባሂሉ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ቱልሳ ኣብ ዝትሃለት ኣብ ግዝኣት ኦክላሆማ እትርከብ ከተማ ክካየድ መደብ ሒዝሉ ንዝነበረ ጎስጓስ መረጻ ሰሪዝዎ'ሎ።

እዚ ድማ፡ እቲ ዕለት ኣብ ኣመሪካ ስርዓት ባርነት [ጊላነት] ደው ዝበለሉ እዋን ዝዝከረሉ መዓልቲ ብምዃኑ እዩ ነቲ ጎስጓስ መረጻ ከናውሖ ተገዲዱ ዘሎ።