ሕቡራት ሃገራት፡ 'ንእንስሳ መሮር ምምዝማዝ እንተዘየቋሪጽና ለበዳታት ክቕጽሉ እዮም'

ምርምር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ካብ እንስሳ ናብ ሰባት ዝሓልፉ ሕማማት እናወሰኹ ይመጽእ ኣለዉ። ንእንስሳ ዘገዳም (መሮር) ከምኡ ድማ ንኣከባቢና እንተዘይሓሊናዮም፡ እዞም ሕማማት ዝቕጽሉ ምዃኖም ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ'ሎ።

ከም ኮሮናቫይረስ ዝበሉ ሕማማት ዝውስኽ ዘለዉ፡ ጠለብ ስጋ እንስሳ እናወሰኸ ብምምጽኡን ብሰንኪ ለውጢ ኣየርን ምዃኑን እዩ እቲ ዓለማዊ ውደብ ዝገልጽ።

ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ዝሓልፉ ሕማማት፡ ኣብ ዓመት ክልተ ሚልዮን ሰባት ከምዝቐትሉ እቲ ውድብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

ኮሮናቫይረስ ድማ፡ ኣብ ዝቕጽል ክልተ ዓመት፡ ንቑጠባ ዓለምና 9 ትሪልዮን ዶላር ከኽስሮ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።

ኢቦላ፣ 'ዌስት ናይል ቫይረስ'፡ ከምኡ ድማ ሳርስ፡ ኩሎም ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ዝሓለፉ ሕማማት እዮም።

እቲ ጸብጻብ እንታይ ይብል?

እዞም ሕማማት ካብ እንስሳት ናብ ሰባት ዝሓልፉ ዘለዉ፡ ሰባት ንእንስሳ መሮር ብሰንኪ ምብዝባዞም፡ ብሰንኪ ለውጢ ኣየርን ካልእ ምኽንያታትን እዩ። እዚ ድማ ንርክብ ደቂ ሰባትን እንስሳ ዘገዳምን ይቕይሮ ኣሎ።

ለውጢ ኣየር ዘስዓቦ ጸገም

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ንኣካባቢ ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ኣብ ዝነጥፍ ትካል ዳይረክተር ዝኾነት ኢነር ኣንደርሰን "ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት፡ ካብ እንስሳ ናብ ሰባት ዝሓልፉ ሕማማት 100 ቢልዮን ዶላር ቁጠባዊ ሃስያ ኣብጺሖም እዮም" ኢላ።

ኣብቶም ዝሓለፉ 50 ዓመታት፡ ምህርቲ ስጋ 260 ምኢታዊት ከምዝወሰኸ ገሊጻ።

'ናይ ሕርሻ ንጥፈታትና ከምኡ'ውን ኣብ እንስሳ መሮር ጉድኣት ዘብጽሑ ካልኦት ኣጠቓቕማታት ሃብቲ-ተፍጥሮ ወሲኹ እዩ' ኢላ።

መንግስታት ምግፋሕ ናይዞም ሕማማት ንምቁጽጻር እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎም'ውን እቲ ጸብጻብ ምዒዱ'ሎ።

"ብሳይንስ ከምዝተረጋገጸ፡ ንእንስሳ መሮር ብዘይግቡእ ምብዝባዝ እንተቐጺልና ከምኡ ድማ ኣብ ኣካባቢ ዕንወት ምብጻሕ እንተቐጺልና፡ ሕማማት ኣብ ቀጸልቲ ዓመታት ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ብቕልጡፍ ምሕላፎም ኣየቋርጹን" ኢላ።

ወሲካ ድማ "ኣብ መጻኢ ንዝኽሰቱ ለበዳታት ክንቆጻጸሮ እንተኾይንና፡ ኣካባቢና ብግቡእ ክንሕሉ ኣለና" ኢላ።