ለበዳ ኮቪድ-19 ዘንቀሎ ዘሕዝን ፍጻመ ርእሰ-ቅትለት

ሑሰን ዋላንጉበ

ምንጪ ስእሊ, TWAHA KAWEESA

መግለጺ ስእሊ, ሑሰን ዋላንጉበ

ኣብ ኡጋንዳ ወዲ 29 ወናኒ ሞተርብሽክሌታ ኣብ ውሽጢ መደበር ፖሊስ ነፍሱ ኣቃጺሉ ከምዝሞተ ተሓቢሩ።

ሑሰን ዋላንጉበ፡ ካብ ርእሰ-ከተማ ካምፓላ ኣስታት 135 ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ እዩ ብፖሊስ ተታሒዙ።

ገለ መሳርሕቱ ከምዝሓበርዎ፡ እቶም ኣባላት ፖሊስ ነታ ብሽክሌታ ንክመልስሉ 50 ዶላር ጉቦ ከምዝሓተቱ ይገልጹ።

ኣፈኛ ፖሊስ ከምዝሓበሮ፡ እቶም ኣባላቱ ብብልሽውና ተኺሲሶም ኣብ ትሕቲ መርመራ ከምዘለው ገሊጹ።

ኣብ ኡጋንዳ፡ መጓዓዝያ ሞቶርብሽክሌታ (ቦዳ ቦዳ) ኣገልግሎት መጓዓዝያ ብምሃብ ኣዝየን ዝውቱራት’የን። ኣብዚ እዋን ግን፡ ንዝርጋሐ ኮሮናቫይረስ ንምቊጽጻር ተባሂሉ ሰባት ከይጽዕና ተኣጊደን ኣለዋ።

እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

ሑሰን፡ ነታ ንብረቱ ንዓርኩ ኣለቂሕዋ እንከሎ እያ ብፖሊስ ታታሒዛ። ድሕሪኡ ካብ መደበር ፖሊስ ከውጽኣ ብዙሕ ግዜ ተመላሊሱ።

ሓሙስ መዓልቲ ድማ ኣብ ሓደ ክፍሊ መደበር ፖሊስ ኣትዩ ኣብ ነፍሱ ላምባ ብምንስንስ ርእሱ ኣቃጺሉ።

ኣብቲ ክፍሊ ዝነበረ ሓደ ኣባል ፖሊስ ፍኲስ መጉዳእቲ ክወርዶ እንከሎ፡ ብርክት ዝበላ ኮምፒተራትን ፋይላትን ተቓጺሉ።

ኩነታት ኮሮናቫይረስ

መንግስቲ ኡጋንዳ ነቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣንቢርዎም ዝነበረ እገዳታት የፍኩሶም ኣሎ። እንተኾነ ግን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ‘ቦዳ-ቦዳ” ኣንቢሮዎ ዘሎ እገዳ ገና ኣይተላዕለን።

ፕረዚደንት ኡጋንዳ፡ ዮወሪ ሙሰቨኒ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ‘ቦዳ ቦዳ’ ሰባት ከመላልሱ እንከለው ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ክዝርግሑ ስለዝኽእሉ ክፍቀደሎም የብሉን ኢሉ።

ኡጋንዳ፡ ዛጊት 900 ሰባት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ኣለው። ካብዚኦም 849 ካብቲ ሕማም ምሕዋዮም ይግለጽ።