ኣብ ኡጓንዳ 4 ኤርትራውያን መራሕቲ መካይን ብኮሮናቫይረስ ምልካፎም ተገሊጹ

ኣብ ኡጓንዳ ካብቶም ትማሊ 15 ግንቦት 2020 መርመራ ተገይርሎም ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ዝተፈለጡ እቶም 4 ኤርትራውያን መራሕቲ መካይን ምዃኖም ሚኒስትሪ ጥዕና ኡጓንዳ ኣብ ዘውጽኦ ዜና ሓቢሩ።
እቲ ሚኒስትሪ ካብቲ ናይ 1,838 ቅምሶታት ናይ መራሕቲ መካይን እቶም 43 ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦም'ዩ ገሊጹ። ካብዚኦም ኣብ ዶብ ደቡብ ሱዳን - ኢለጉ: 15 ኡጓዳውያን፡ 9 ኬንያውያን 4 ኤርትራወያን ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ተረኺሞም።
ኣብ ዶብ ሙቱኩላ 5 ታንዛንያውያንን 1 ብሩንዳውን ተታሒዞም ተረኺቦም።
ኣብ ዶብ ማላባ 5 ኬንያውያን፡ 2 ኡጓንዳውያን 1 ቡሩንዳዊ ከምኡ ድማ ሓደ ዜግነቱ ዘይተፈልጠ ከምዝርከቦም እቲ ዝወጽአ ዜና የረድእ።
እዞም ኣርባዕተ ኤርትራወያን ኣብ ዶብ ድቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ኢለጉ ዝብሃል ቦታ ናብ ኡጓንዳ ንኽኣትዉ መርመራ ምስ ተገበረሎም'ዩ ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም።
ኣብ ኡጋንዳ ዛጊት 203 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣለዉ፡ ካብዚኦም ድማ 63 ምሉእ ንምሉእ ሓወዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
ኡጓንዳ ክሳብ እዚ ዕለት እዚ 69,497 ሰባት መርሚራ ኣላ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







