ኣብ ሊባኖስ 8 ኢትዮጵያውያን ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ይግለጽ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሚንስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ሓበሬታ ኣብ ዝዝርገሓሉ መርበብ ሓበሬታ (ዌብሳይት) ሸሞንተ ኢትዮጵያውያን በቱ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ኣመልኪቱ።
ኣብ በይሩት ዝርከብ ቆንስላ ኢትዮጵያ ግን ብዛዕባ እቲ ዝተገለጸ ቁጽሪ ካብ መንግስቲ እታ ሃገር ዝበጽሖ ሓበሬታ ከምዘየለ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብ ሊባኖስ ዛጊድ 886 ሰባት በቲ ቫይረስ ክተሓዙ ከለዉ፡ ካብ ሞንጎአም ሸሞንተ ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑ ኣብቲ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ዜግነነት ሕሙማት ኮቪድ-19 ኣመልኪቱ።
ኣብዚ ጉዳይ ዘዘራረብናዮ ኣብ ሊባኖስ ቆንስላ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣክሊሉ ታጠረ፡ ቢቢሲ ዘውጽኦ ጸብጻብ ንምርግጋጽ ናብ ቤት ጽሕፈት ቆንስላ ደዊሉ "በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ኢትዮጵያውያን ከምዘየለዉ ኢና ንፈልጥ" ከምዝተበሃለ ሓቢሩ።
መንግስቲ ሊባኖስ እዋናዊ ሓበሬታ ናብቲ ቆንስላ ከምዘቕርብ ብምግላጽ፡ "እንተኾነ ክሳብ ሕዚ ብዛዕባ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ወይ ዝሞቱ ኢትዮጵያውያን ዝበጽሓና ነገር የለን" ኢሉ።
ነቲ ጉዳይ ኣጻርዩ ንቢቢሲ ከምዝሕብር'ውን ኣፍሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, Lebanos Ministry of Health
ዘተ ምስ መንግስቲ ሊባኖስ
ኣይተ ኣክሊሉ፡ ምስ መንግስቲ ሊባኖስ ብተኸታታሊ ኣብ ዝተገበረ ዘተ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ኢትዮጵያውያን ዝነበሮም እኩብ ቅጽዓት ('ቀራማ') ናብ ሓደ ዓመት ክንክየሎም ከምዝተገበረ ንቢቢሲ ትማሊ ሓቢሩ ነይሩ።
ሎሚ መዓልቲ ድማ ምስ በዓል መዚ ድሕንነትን ኤሚግሬሽንን ሊባኖስ ብዝተገበረ ዘተ እቲ ናይ ሓደ ዓመት ቅጽዓት'ውን ክተርፍ ተወሲኑ'ሎ።
ካብ ሊባኖስ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩ ኢትዮጵያውያን እውን ጊዚያዊ ሰነድ ጉዕዞ ብምድላው መውጽኢ ቪዛ ረኺቦም ክወጽኡ ከምዝኽአሉ ኣይተ ኣክሊሉ ገሊጹ'ሎ።
ቢቢሲ ዘዘረረቦም ኣብ ሊባኖስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ብወገኖም ዝበጽሖም ምጉልእላእ ብዝምልከት ነቲ ቆንስላ እንተፍለጡ'ኳ ዝኾነ ዓይነት ደገፍን ከለላን ከምዘይረኸቡ ይዛረቡ።
ኣብታ ሃገር ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ብዝለዓለ መጠን እናወሰኸ ብምምጽኡ ኣዋጅ ዕጽዋ ተነቢሩ'ሎ። እቲ ኣዋጅ ክሳብ ዝመጽእ ዘሎ ሰኑይ ዝጸንሕ'ዩ።
ኣብ ሊባኖስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ልዕሊ 400 ሽሕ ከምዝበጽሑን መብዛሕቲኦም ድማ ዘይሕጋውያን ከምዝኾኑን ቆንስል ኢትዮጵያ ኣይተ ኣክሊሉ ታጠረ ሓቢሩ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







