ኣብ ሊባኖስ ዝነብራ ኢትዮጵያውያን “ኣብ ከቢድ ጸገም ንርከብ” ኢለን

ምንጪ ስእሊ, This is Lebanon/FB page
ሊባኖስ ካብ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ሓሙሽተ መዓልታት ዝኾነ ሰብ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ውሳነ ኣሕሊፋላ። በዚ ምኽንያት ካብ ዕለት ናብ ዕለት ናብራ እናኸበዶም ይመጽእ ከምዘሎ ኣብኡ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ይዛረቡ
ብፍላይ ኣብ ናይ ገዛ ስራሕ ተቖጺረን ዝርከባ ደመወዝ ከምዘይኽፈለን ወይ ብፍርቂ ክፍሊት ክሰርሕ ከምዝግደዳ ይግለጽ። ገሊኤን ድማ ዘስርሕወን ሰባት ስለዘባረርወን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኮይነን ከምዘለዋ ንቢቢሲ ተዛሪበን።
ኣብታ ሃገር ዘሎ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ካብ እዋን ናብ እዋን ብዝለዓለ መጠን እናወሰኸ ብምምጽኡ ምሉእ ብምሉእ ገደብ ምንቅስቓስ (ኣዋጅ ዕጽዋ) ተኣዊጁ እዩ።
እቲ ኣዋጅ ካብ ጽባሕ ሓሙስ ጀሚሩ ግብራዊ ዝኸውን ኮይኑ ክሳብ ሰኑይ ክጸንሕ እዩ። ቅድም ክብል ዝተነበረ ኣዋጅ ዕጽዋ ካብ ዝለዓል ጀሚሩ ንዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ብዝለዓለ መጠን ከምዝወሰኸ ይዝረብ።
"ዚጋታት ኣብ ገዝኦም ኮፍ ክብሉ ኣለዎም። ህጹጽ/ኣገዳሲ ነገር ጥራይ እንተዘይኣጋጢምዎም ናብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ክንቀሳቐሱ የብሎምን" ኢሉ ሚንስትሪ ሓበሬታ እታ ሃገር ማናል ዓብደል ሳማድ።
ከም መረዳእታ ዩኒቨርሲቲ ጆን ሆፕኪንስ፡ ኣብታ ሃገር 870 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ክረጋገጽ ከሎ፡ እቶም 26 ድማ ሞይቶም'ዮም።
ኩነታት ኢትዮጵያውያን
ኣብ ሊባኖስ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብ ትሑት ደረጃ ስራሕ ተዋፊሮም ከምዝርከቡ ዘዘራረብናዮም ኢትዮጵያውያን ይሕብሩ። ትኽክለኛ ቁጽሪ ምፍላጥ'ኳ እንተዘይተኽኣለ፡ ሕጋውን ዘይሕጋውን ብዝኾኑ ኩነታት ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጾምልና።
እቶም ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ኢትዮጵያውያን "ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ናይታ ሃገር ቁጠባ ከንቆልቁል ካብ ዝጅምርን ዶላር ካብ ዝኽብርን ኢና ክንጽገም ዝጀመርና" ኢሎም።
ካብቲ እዋን ጀሚሩ ድማ ኣብ ገዛ ተቖጺረን ዝሰርሓ ዝተባረራሉ፣ ደሞዘን ብፍርቂ ዝነከየሉን ኩነታት ተፈጢሩ። ክሳብ ሕዚ ከይተኸፈለን ዝሰርሓ'ውን ኣለዋ።
"እተን ብዘይ ክፍሊት ክሰርሓ ዝወሰና 'እንተገደደ ነቲ ዝተረኸበ እናበላዕኻ ብህይወት ምቕናይ ይሓይሽ' ዝበላ እየን" ክብላ ንቢቢሲ ገሊጸን ገለ ካብተን ኢትዮጵያውያን።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ቆልዑት ዘለውዎም ንደቆም መግቢ ንምቕራብ ከምኡ'ውን ገዛ ክራይ ንምኽፋል ኣዝዮም ከምዝተጸገሙ ይገልጹ።
ሊባኖስ ነቲ ቐድም ክብል ኣንቢራቶ ዝጸንሐ ኣዋጅ ዕጽዋ ኣብ ዘልዓለትሉ እዋን ሰሪሕኻ ንምሕዳር ቁሩብ ተስፋታት እንተሃቦም'ኳ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ቁጽሮም እናወሰኸ ብምምጽኡ መሊሳ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝጸንሕ ኣዋጅ ገደብ ምንቅስቓስ ምእዋጃ ናብ ስግኣት ከምዘእተወን ይዛረባ።
ን21 ዓመታት ኣብታ ሃገር ከምዝጸንሐት እትዛረብ ኢትዮጵያዊት "ኣነን መሓዙተይን ፓስፖርት ኮነ መንበሪ ፍቓድ የብልናን" ክትብል ነቲ ተደራራቢ ስግኣት ገሊጻ።
ቅድሚ ሎሚ ዝተፈላለዩ ጸገማት ከምዝሰገረት ብምዝኽኻር ድማ እቲ ናይ ሕዚ ግን ካብ ኩሉ እዋን ንላዕሊ ዝኸፍአ ምዃኑ ሓቢራ።
ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ብጣዕሚ ሓሚማ ምንባራ እትዛረብ እዛ ኢትዮጵያዊት "ምናልባት ኮሮና ክኸውን ይኽእል'ዩ፤ ምኽንያቱ ልክዕ ከም ሰዓል እዩ ነይሩ" ትብል።
እንተኾነ ክትምርመርን ናብ ሆስፒታል ክትኸይድን ፓስፖርት ወይ ድማ መንበሪ ፍቓድ ስለእትሕተት ክትሕከም ከምዘይከኣለት ገሊጻ።
ኣብ ሊባኖስ በይሩት ብኣሽሓት ዝግመቱ ኢትዮጵያውያን ከምዝርከቡ እቶም ዘዘራረብናዮም ይገልጹ። ካብ ሞንጎኦም ድማ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ፣ ሆስፒታላት ከምኡ'ውን ሞይቶም ኣስከሬኖም ኣብ ክፍሊ መጽንሑ ዝርከብ ብዙሓት ከምዘለዉ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እዞም ስደተኛታት በቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ኣብ ከቢድ ጸገም ስለዝርከቡ "ናብ ሃገርና ንምምላስ ፍቓሰኛታት ኢና" ይብሉ።
ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ቆንስላ ኢትዮጵያ ዝኾነ ሓገዝ ከምዘይገብረሎም እተን ወሃበቲ ርእይቶ ብምዝራበን ከኣ ቢቢሲ ነቲ ቆንስላ ረኺቢ ንምዝርራብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።
ሓሙሽተ መዓልታት በዘይገለ ምንቅስቓስ!
ቀዳማይ ሚንስትር ሊባኖስ ሓሰን ዲያብ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ኣርባዕተ መዓልታት ጥራይ 100 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ብምግላጽ'ዩ ነቲ ገደብ ምንቅስቓስ ዝኣወጀ።
ኣብታ ሃገር ኮሮናቫይረስ ከምዘለዎም ካብ ዝተፈለጡ ሓደሽቲ ሰባት መብዛሕቲኦም ኣብ ደገ (ሃገራት ወጸኢ) ጸኒሖም ናብ ሃገሮም ዝተመለሱ ሊባኖሳውያን እዮም።
ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ካብ ናይጄርያ-ከተማ ሌጎስ ዝመጽኡ ኩሎም ተጓዓዝቲ እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦም ሚንስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ ቅድም ክብል ተነቢሩ ዝጸንሐ ኣዋጅ ዕጽዋ ኣብ ዝተልዓለሉ እዋን ከኣ ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ማእከላት ዕዳጋ ኣካላዊ ርሕቀቶም ከይሓለዉ ዝተርኣዩ ኮይኖም፤ ብዙሓት ሰባት'ውን ኣብ ጎደናታት ተራእዮም።
እቲ ኣዋጅ ነቲ እናተዳኸ ዝነበረ ቁጠባ እታ ሃገር ብዝያዳ ከምዝሃሰዮ ወሃብቲ ርእይቶ ይዛረቡ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







