ኮሮናቫይረስ፡ ብራዚል ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ሞት ኣመዝጊባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብራዚል ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝለዓለ ምዃኑ ዝተገለጸ ብኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ቁጽሪ ሞት ኣመዝጊባ።
ኣብታ ሃገር ብሰሉስ 881 ሰባት ድሕሪ ምምዋቶም ድምር ቁጽሪ ምውታት 12,400 ምብጽሑ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ።
በዚ ድማ ብራዚል ኣብ ዝርዝር ዝበዝሐ ሞት ዘመዝገባ ሃገራት ኣብ መበል ሻዱሻይ ተሰሪዓ ኣላ።
እቲ ዝካየድ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት ውሱን ብምዃኑ፡ ቁጽሪ ምውታት ካብዚ ኣጸቢቑ ክዛይድ ከም ዝኽእል ክኢላታት ይዛረቡ።
መምህር ዩኒቨርስቲ ሳኦ ፓውሎ፡ ዶሚንጎ ኣልቨስ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብራዚል ነቶም ኣብ ሆስፒታል ዝደቀሱ ጥራይ ከም እትምርምር ገሊጹ።
ንሱ ወሲኹ፡ "በዚ ዝወሃብ ዘሎ ጸብጻብ ብልክዕ እንታይ የጋጥም ከም ዘሎ ምርዳእ ኣጸጋሚ እዩ፤ ነቲ ለበዳ ንኣልየሉ ሓቀኛ ፖሊሲ የብልናን" ኢሉ።
ኣልቨስ ዝርከባ ሓንቲ ጉጅለ ብዘካየደቶ መጽናዕቲ፡ እቲ ሓቀኛ ቁጽሪ መልከፍቲ ካብቲ ብወግዒ ዝተገለጸ፡ ብ15 ዕጽፊ ዝዓበየ ክኸውን ከም ዝኽእል ትገልጽ።
ኣብታ ሃገር ብሰሉስ 9,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ድሕሪ ምርግጋጹ፡ ጠቕላላ ቁጽሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኽቦም ሰባት ናብ 177,589 ክብ ኢሉ ኣሎ።
ብራዚል ብብዝሒ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ድሕሪ ኣሜሪካ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ኣላ።
እቲ ለበዳ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ክውስኽ ከም ዝኽእል ክኢላታት የጠንቅቑ።
ሕሉፍ የማናዊ መርገጺ ዘለዎ ፕረዚደንት ጀይር ቦልሶናሮ ግና ብተደጋጋሚ ንስግኣት ኮሮናቫይረስ ከነኣእስ ከሎ፡ ኣመሓደርቲን ከንቲባታትን: ለበዳ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ዘንበርዎ ጽኑዕ ቀይድታት ክነቅፍ ጸኒሑ እዩ።
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ድንጋገ፡ ከም ስፖርታዊ ምንቅስቓስ እተካይደሉ ጂምን፡ ናይ ስነ ጽባቐ ማእከላትን መሰረታውያን ምዃኖም ብምግላጽ፡ ካብ ዕጽዋ ነጻ ከም ዝኾና ሓቢሩ እኳ እንተነበረ፡ ከባቢ 10 ኣመሓደርቲ ግዝኣታት: ነቲ መምርሒ ከም ዘይቅበልዎ ኣፍሊጦም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







