'መጉዚት ጥዕና ህዝቢ ዓለም' ውድብ ጥዕና ዓለም መን'ዩ፤ እንታይከ ይሰርሕ?

ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም እትህቦ ዝነበረት ገንዘብ ደው ክብል እዩ ኢሉ።

ናይዚ ምኽንያት ዝበሎ፡ እቲ ትካል እዚ ለበዳ ኣብ ምቁጽጻር ዝሃቦ ምላሽ "ኣብ መሰረታዊ ግቡኡ ኣይተዓወተን" ዝብል እዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ግን መን'ዩ? እንታይከ ይሰርሕ?

ዝተፈላለዩ ሕብርታት ባንዴራ 194 ኣባል ሃገራት እቲ ትካል፡ ኣብ ጀኔቫ ንዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ውድብ ጥዕና ዓለም ግርምኡ እዮም።

እዚኦም ልክዕ ጨረራት (ጩራ) መብራህቲ ኮይኖም የድምቑዎ። እዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ተላባዒ ሕማም ድማ፡ "ዓለም፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዘጋጠማ ከቢድ ፈተና" ተባሂሉ።

እዚ ብ1948 ዝቖመ ትካል፡ "መጉዚት ጥዕና ህዝቢ ዓለም እየ" ክብል ንርእሱ ይገልጽ።

"ልዑል ኣገልግሎት ጥዕና ንኹሉ ተበጻሒ ምግባር" ዝብል ልኡኽ ድማ ኣለዎ።

ዓብዪ ዕዮ'ዩ!

ኣብ ዝሓለፉ 11 ዓመታት፡ ኣብ 2014 ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ኢቦላ፣ ኣብ 2016 ዝተኸሰተ ቫይረስ ዚካ፣ ሕጂ ድማ ኮቪድ-19 ሓዊሱ ሽዱሽተ ዓለምለኻዊ ሓደጋታት ጥዕና መልሲ ሂቡ።

ብተወሳኺ፡

  • ለበዳ እንተጋጥም "ዓለምለኻዊ ኣዋጅ" መዓዝ ከም ዝውሰድ ይውስን
  • ሓደሽቲ ሜላታትን ክታበታትን ንምትእትታው ዝሕግዝ ዓለምለኻዊ መደባት መጽናዕትን ልምዓትን ይውድብ
  • ናይ ለበዳ ማእከል ናብ ዝኾና ሃገራት ሰብ ሞያ ብምልኣኽ እንታይ ፈሺሉ? ኣየናይከ ክዕወት ክኢሉ? ዝብል መረዳእታ ይእክብ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ካልኦት ሰፋሕቲ ዕማማት ጥዕና'ውን ኣለውዎ፥

  • ለበዳ ሕማም ሽኮርን ልዕሊ ዓቀን ርጉድን ምክልኻል
  • ምንካይ ሞት
  • ከም ናይ ፖሊዮ ዝበሉ ክትከላኸሎም ናይ እትኽእል ሕማማት ክታበት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክኾኑ ይውስን
  • ኣብ እዋን ወሊድ ዘጋጥም ሞት ህጻናትን ኣዴታትን ምንካይ

እዚ ትካል፡ ናይ ምምኻር ስራሕቲ'ዩ ዝሰርሕ። ሃገራት ንዜጋታተን ዝህብኦ ኣገልግሎት ጥዕና ከመይ ምምሕያሽ ይኽእላ? ካብ ተላባዕቲ ሕማማት ከመይ ይከላኸላ? ዝብሉ ምኽረ ሓሳባት የቕርብ። ንክፍጸሙ'ውን ከገድድ ይኽእል።

ውድብ ጥዕና ዓለም እዚ ለበዳ ከመይ ሒዙዎ?

መልሲ እዚ ሕቶ ኣብ እትሓቱዎ ሰብ ይሙርኮዝ።

ንዶናልድ ትራምፕ እንተሓቲትኩምዎ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ነዚ ለበዳ ዝሓዘሉ መገዲ 'ሕማቕ እዩ' እዩ ክብለኩም።

እንተኾነ፡ ንሱ ባዕሉ ኣብ ሃገሩ ንዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምቁጽጻር ዝተኸተሎ ኣንፈት ክንቀፍ ገይሩዎ እዩ።

እዚ ቫይረስ፡ ኣብ ኣሜሪካ ጥራሕ ልዕሊ 600 ሽሕ ሰባት ብምልካፍ፡ ምኽንያት ሞት 26 ሽሕ ሰባት ኮይኑ እዩ።

ካብ ኮቪድ-19 ዝሓለፈ ትርጉም ዘለዎ ካልእ ዓብዪ ጂኦ-ፖለቲካዊ ዘይምቅድዳው ድማ ምስ ቻይና ኣለዎ።

ግን ከኣ፡ ንሱ ጥራሕ ዋላ እንተዘይኮነ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ንምንቃፍ ዝቐደሞ መራሒ የለን።

እቲ ትካል፡ ቻይና ነዚ ለበዳ ኣብ ምቁጽጻር ንዘርኣየቶ ስራሕ ብምንኣዱ፡ "ኣቐዲሞም ብዛዕባ እዚ ቫይረስ መጠንቀቕታ ንዝሃቡ ሓካይም ንዝቐጽዐት ሃገር ብኸመይ ትንእድ" ብዝብል፤ ንዶናልድ ትራምፕ ሓዊሱ ብዙሓት ነቒፎምዎ።

እንተ ዳይሬክተር ጀነራል እቲ ትካል ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ግን፡ ንቻይና ዘቕረቦ ናእዳ ከም ዘይጠዓሰሉ ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ።

ቻይና፡ ዝርግሓ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ዝሃበቶ ምላሽ፡ ካልኦት ሃገራት ቅድመ ምድላው ክገብራሉ ዝኽእላ ግዘ ብምሃብ፡ ብደረጃ ዓለም ከጋጥም ዝኽእል ዝርግሐ ክንኪ ገይራ እያ ኢሉ።

ወሲኹ፡ ቻይና ብወለንትኣ ቐልጢፋ ናይዚ ቫይረስ 'ጀነቲክ ኮድ' ከም ዘፍለጠትን፡ እዚ ድማ ሃገራት መርመራ ክጅምራን ክታበታት ኣብ ምስራሕ ከድህባን ዕድል ከም ዝሃበ ተዛሪቡ።

ይኹን'ምበር፡ ቻይና እዚ ቫይረስ ኣብ ምቁጽጻር ኣርእያቶ እያ ንዝበሃል ምላሽን ድልውነትን ሓያል ነቐፌታ እዩ ዝበጽሖ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኢድንበርግ ፕሮፌሰር ዓለምለኸ ጥዕና ሕብረሰተብ ድቪ ስሪድሃር፡ "ቻይና መጀመርታ እዚ ቫይረስ ክርአ እንከሎ ቐልጢፋ ዓለም ክፈልጦ ኣይገበረትን፤ ርኡይ ምዝንጋዕ ነይሩዎ እዩ። ኣብ መጀመርታ መዓልታት ከስተናዕቑዎ እዮም ፈቲኖም" ትብል።

ፕሮፌሰር ስሪድሃር ኣስዒባ፡ "ነዚ ለበዳ ዝምክት ስራሕ ንምስራሕ ከበድቲ ሚዛናዊ ስጉምታት ሃገራት ብምውካል ኩለን ሃገራት ናብ ሓደ ዓይነት ደረጃ ንክመጽኣ ንዝጽዕር ዘሎ ውድብ ጥዕና ዓለም ተጋግዩ'ዩ ምባል ግን ክኸብድ እዩ" ኢላ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኩለን ሃገራት ንዝኽሰት ለበዳ ከመይ ይኣልይኦ ዝብል ኣብ ናይ ባዕለን ድልውነት ዝምርኮዝ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ዝወሃብ ሓበሬታ ክቕበላ ኣየገድደንን፤ ቀንዲ ዕማም እቲ ትካል፡ ዲፕሎማሲ እዩ።

ፕሮፌሰር ስሪድሃር፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንቻይና ዝኹንን ከቢድ መግለጺ እንተዘውጽእ ነይሩ ውድብ ጥዕና ዓለም "ናይ ሓሙሽተ ደቒቕ ህቡብነት" ምረኸበ ነይሩ ትብል።

ግን ድማ ከምዚ ዓይነት ርኢይቶ ብቐጻሊ ኮቪድ-19 ኣብ ምክልኻል ንዝግበር ወፍሪ ዘሰናኽል ምኽንያት ክኸውን ነይሩ'ዩ ኢላ።

"ግን ድማ ከምኡ ብምባሉ እንታይ ኣዐዊቱ? ሕጂ'ውን ተመሊሱ ቻይና እቲ ሓቃዊ መረዳእታ ከተምጽእ ክሓታ ኣለዎ"።

ትካል ጥዕና ዓለም፡ እዚ ለበዳ ኣብ ዝተኸሰተሎም ናይ መጀመርታ መዓልታት ቻይና ክትቆጻጸሮ ጸቕጢ ከም ዝገበረ ትኣምን፤ ግን ድማ ውሽጣ ውሽጢ እዩ ትብል።

"ኣብ ሞንጎ ሚዲያ ተጠቒምኻ እትሰርሖ ናይ ዲፕሎማሲ ስራሕን ነገራት ለውጢ ንከምጽኡ ብውልቂ እትገብሮ ደገፍን ዓብዪ ኣፈላላይ ዘሎ ይመስለኒ"።

ቅድሚ ሕጂ ለበዳታት እንተጋጥሙ እንታይ ተሰሪሑ?

ትካል ጥዕና ዓለም፡ ነቐፌታ ክበጽሖ ሕጂ መጀመርትኡ ኣይኮነን።

እዚ ትካል፡ ኣብ 2014 ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ንዝተርኣየ ለበዳ ኢቦላ ዝዘንግዐ ምላሽ እዩ ሂቡ ተባሂሉ ይንቀፍ።

እዚ ቫይረስ መጀመርታ ኣብ ጊኒ ምስ ተርኣየ፡ ዓለምለኻዊ ሓደጋ ምዃኑ ንምእዋጅ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ስለ ዝወሰደ፡ በዚ ኣይንኣድን።

ኣብ 2009 ግን፡ ብኣንጻሩ ንዘጋጠመ ስዋይ ፍሉ ቐልጢፉ ዓለማዊ ለበዳ ኢሉ ብምእዋጁ ከቢድ ተቓውሞ ገጢሙዎ።

ዝሓለፈ ሰሙን ፕሬዝደንት ትራምፕ ሃገሩ ነዚ ትካል እትገብሮ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ደው ከብሎ ይኽእል'የ ዝብል ርኢይቶ ክህብ እንከሎ፡ ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ፡ ሃገራት "እዚ ቫይረስ ፖለቲካዊ" መልክዕ ከትሕዝኦ የብለንን ኢሉ።

ወሲኹ'ውን፡ "ካብ ስሕተትናን ጥንካረናን ተማሂርና ንቕድሚት ክንስጉም ስለ እንደሊ" ውድብ ጥዕና ዓለም ነዚ ለበዳ ዝህቦ ዘሎ ምላሽ ዳግም ክኽልሶ ይኽእል እዩ ኢሉ።

ሕጂ ግን እቲ ትኹረት "እዚ ቫይረስ ኣብ ምቅላስ" ክኸውን ኣለዎ ምባሉ ይዝከር።

ስጉምቲ ትራምፕ ዝፈጥሮ ጽልዋ እንታይ ክኸውን ይኽእል?

ኣሜሪካ እታ ዓባይ መዋሊት እዚ ትካል እያ። እዚ ካብ ኣባል ሃገራት እቲ ውድብ ዝርከብ ፋይናንሳዊ ደገፍ 2.2 ቢሊዮን ዶላር ዓመታዊ በጀት እቲ ውድብ ይሕዝ።

ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣሜሪካ ልዕሊ 400 ሚሊዮን ዶላር ገንዘብ ሂባ።

ዳይሬክተር ብሪጣኒያዊ ትካል 'ዌልካም ትረስት' ዶክተር ጀርሚ ፋራር፡ ትካል ጥዕና ዓለም እዚ ለበዳ ንምምካት "ተወሳኺ ዓቕሚ" ከም ዘድልዮ ይዛረብ።

"ኣብ ህይወትና ኣዝዩ ፈታኒ ዝኾነ ነገር እዩ ኣጋጢሙና ዘሎ፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ትካል ይገብሮ ንዘሎ ዕማማት ክሰርሕ ዝኽእል ካልእ ትካል የለን። እዚ እንተሓባበረሉ እምበር እንከፋፈለሉ ግዘ ኣይኮነን" ኢሉ።

ፕሮፌሰር ስሪድሃር ብወገና፡ ኣሜሪካ "መልክዓ ንከተበላሹ ኣፍንጭኣ ትቖርጽ ኣላ" ትብል።

"ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ዝገብሮ ዘሎ ስራሕ በዚ ዝተዓናቐፍ እንተኾይኑ፡ ኣብ ዙርያ ዓሶ፣ ዓባይ ሰዓልን ፖሊዮን ዝሰርሖም ስራሕቲ'ውን'ዮም ክተዓናቐፉ። ሓሊፎም'ዮም እንብሎም ሕማማት ተመሊሶም ክመጽኡ ክንርኢ ኢና"።