ኣሜሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም እትህቦ ዝነበረት ገንዘብ ብምቁራጻ ዝገጥማ ዘሎ ተቓውሞታት

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣሜሪካ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንወድብ ጥዕና ዓለም እትገብሮ ዝነበረት ምወላ ደዉ ከተብሎ ምውሳኑ ካብ ብዙሓት ነቀፌታ ይበጽሖ ኣሎ።

ሓደ ካብቶም ቀንዲ መወልቲ ወድብ ጥዕና ዓለም ዝኾነ ፍላንትሮፒስ ቢል ጌትስ ንውሳነ ትራምፕ "ኣዝዩ ሓደገኛ ውሳነ" ክብል ነቂፍዎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ውደብ ጥዕና ዓለም "እቶም ክገብሮም ዝግብኦ መሰረታውያን ነገራት ኣብ ምግባር ቦኺሩ" ክብል እዩ ገሊጽዎ።

ዳይሬክተር ጀነራል ወድብ ጥዕና ዓለም ግን ሓደን ቀንድን ዕላማ እቲ ውድብ ነዚ ለበዳ ደው ምባል ምዃኑ ገሊጹ።

ዳይሬክተር ጀነራል ወድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጽሓፎ እውን "ዝባኽን ግዜ የብልና" ብምባል'ዩ ንውሳነ ትራምፕ መሊስሉ።

ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት'ውን፡ ኣሜሪካ ዘወሰነቶ ውሳነ ነቲ ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ንድሕሪት ዝጎትት'ዩ ድሕሪ ምባል "ግዚኡ ዘይሓለወ" ኢልዎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ሞት ዘስዓበ ጌጋ ከም ዝፈጸመ ብምኽሳስ፡ እቲ ውድብ ኣብ ልዕሊ ቻይና ዓቐኑ ዝሓለፈ እምነት ምንባሩ'ውን ጠቒሱ።

ትራምፕ ንጋዜጤኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ንምምሕዳረይ፡ እቲ ንውድብ ጥዕና ዓለም ዝገብርዎ ምወላ ደው ከብልዎ ኣዚዘዮም ኣለኹ። ጎና ኒወድብ ጥዕና ዓለም ነዚ ለበዳ ኣብ ምቁጽጻር ዘለዎ ብቅዓትን ዝተኸተሎ ዘይዉርዙይ ምሕደራን ክጻረ መምርሒ ሂበ ኣለኹ" ኢሉ።

ትራምፕ ንሱ ኣብ ተሓሕዛ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተኸተሎ 'ሸለልትነት' ካብ ብዙሓት ዘይተኣደነ ነቐፌታ'ዩ ዝበጽሖ ዘሎ።

ነቲ ንሱ ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ነቲ ቫይረስ ናብ ሃገሩ ንኸይእቱ፡ ቻይናውያን ናይ ሃገሩ ከይእትዉ ብዘንበሮ እገዳ፡ ብዙሓት ስለ ዝነቕፉዎ ነዚ ናብ ካልእ ኣካል ንምልሓም'ዩ ንውደብ ጥዕና ዓለም ዝነቕፍ ዘሎ ዝብሉ'ውን ኣይተሳኣኑን፤ ምክንያቱ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብቲ ግዜ እቲ ንውሳነ ትራምፕ ብትሪ ነቂፍዎ ነይሩ እዩ።

ኣሜሪካ እታ ዝበዘሐ ንውድብ ጥዕና ዓለም እትምውል ሃገር ኮይና፡ ኣብ 2019 ነቲ ውድብ ልዕሊ 400 ዶላር መዊላቶ ነይራ።

እቲ ንምርምርን ክታበትን ሕክምና ኮቪድ'19 ዝምውል ዘሎ 'ቢል ኤንድ መሊንዳ ፋውንደሽን'፡ ድሕሪ ኣሜሪካ ዝበዝሐ ዝምውል ትካል እዩ።

ኣሜሪካ ነዚ ሕጂ ወሲናቶ ዘላ ውሳነ ከሊሳ ዳግማይ ናብ ምወላ ክትምለስን ዘይክትምለስን ንኽትውስን ግን ካብ 60 ክሳብ 90 መዓልታት ክወስደላ እዩ።

ውሳነ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ብዙሓት ሃገራት ነፌታ ይወርዶ ኣሎ?

  • ወሃቢ ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብርጣንያ " ወደብ ጥዕና ዓለም ኣብ መኸተ ኣንጻር ኮሮናቫረስ ግቡእ መሪሕነት ይኽተል ኣሎ" ኢሉ።
  • ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ሃይኮ ሚስ'ው "ነዚ ትሑት ምወላ ዘለዎ ውድብ ምምዋል እቲ ዝለዓለ ወፍሪ'ዩ ከኸውን ነይርዎ" ኢሉ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
  • ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዝዎ ሊጃን ወሳነ ኣሜሪካ " ንዓለምለኻዊ ውህደት ዘነኣእስ'ዩ" ኢልዎም
  • ማሕበር ሰብ ሞያ ሕክምና ኣሜሪካ "ናብ ጌጋ ዘምርሕ ሓደገኛ ወሳነ" እንክብሉዎ
  • ኣብ ሕብረት ኣወሮጳ ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊሲታት ወጻኢ ጆሴፍ ቦረል " ውድብ ጥዕና ዓለም ልዕሊ ዝኾነ እዋን ኣብ ዘድለየሉ ከምዚ ዓይነት ውሳነ መመኻነዪ'ውን ዝርከቦ ኣይኮነን" ክብል ቒፉዎ።

ውድብ ጥዕና ዓለም መን'ዩ መንከ ይምውሎ?

  • ኣብ 1948 ተመስሪቱ፡ ኣብ ጀኒቫ ስዊዘርላንድ'ዩ መደበሩ፡ ኣብ ትሕቲ ህቡራት ሃገራት ኮይኑ ንዓለማዊ ህዝባዊ ጥዕና ይከታተል።
  • 194 ኣባላት ሃገራት ኣለወኦ፡ " ጥዕናዊ ጉዳይት የተባብዕ፡ ድሕነት ዓለም የውሕስ፡ ንሕማም ንዝተቃልዑ ኸኣ የገልግል።
  • ኣብ ጎስጓሳት ክታበት፡ ጥዕና ቀዳምነት ሰሪዑ ይነጥፍ፡ ቀዳምነት ሓገዘ ንዘድልየን ሃገራት ከኣ ይድግፍ።
  • ካብ ሃብታማት ኣባላት ሃገራትን ብውልቆም ዝሕግዙ ትካላትን ይምወል።
  • ኣሜሪካ ኣብ 2018-2019 ነዚ ወደብ 400 ሚልዮን ዶላር ብምምዋል 15 ሚኢታዊት ካብ ባጀቱ ዓጽያትሉ።
  • ቻይና ኣብ 2018-2019 ነዚ ወድብ 86 ሚልዮን ዶላር መዊላቶ።