እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብኮሮናቫይርስ ዝሞቱ ዝሓጽባ ወለንታውያን
ቆም ኣብ እትብሃል ከተማ ኢራን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ሰብ ሞያ ፈሪሖም ክገብርዎ ዘይከኣሉ ምሕጻብ ሬሳ ግዳያት ኮሮናቫይረስ፡ ነቲ እስላማዊ ባህሊ ተኸቲልን ብወለንተአን ይፍጽምኦ ኣለዋ።
ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ዝበዝሕ ሞት ኣመዝጊባ ዘላ ሃገር እያ።
ዋላ'ኳ ካብታ ሃገር ጥሉል ሓበሬታ ምርካብ ዘጸግም እንተኾነ፡ ገለ ገለ ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታ ከም ዘርእዮ፡ መዐቀቢ ኣስክሬን እታ ሃገር ልዕሊ ዓቕሙ ሬሳታት ሒዙ ከም ዘሎ'ዩ ዝግለጽ።
ሓደ ኣብ ኢንተርኔት ዝተዘርግሐ ቪድዪ፡ ሬሳ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ተደራሪቡ የርእይ፤ እቲ ሬሳ ንክሕጸብ፡ ካብ 5 ክሳብ 6 መዓልታት ኣብቲ ክፍሊ ከም ዝጸንሐ ነቲ ቪድዮ ዝስእል ዝነበረ ሰብ ክዛረብ ይስማዕ።
ድሕሪ እዚ፡ እቲ ነቲ ቪድዮ ዝዘርገሐ ሰብ ከም ዝተኣሰረን፡ እቲ ሬሳታት ቅጥዒ እምነት ከየማለአ ሓመድ ከም ዝተደበየ ዝሕበሩ ነቐፌታዊ ሓበሬታ ክወጽኡ ጀሚሮም።
ከም ውጽኢቱ፡ እተን ንሬሳ ብወለንተአን ክሓጽባ ዝተዳለዋ ደቂ ኣንስተዮ ኣፍልጦ ተዋሂብወን ኣብ ዝተፈላለያ መርበብ ሓበሬታት እታ ሃገር "ሓርበኛታት" እናተብሃላ ክዝረበለን ጀሚሩ።
ኣብ ዝባነን "ትብዓት ኣንበሳ እንተዘይብልካ፡ ጉዕዞ ፍቅሪ ክትዛዝሞ ኣይትኽእልን ኢኻ" ዝብል ጭርሖ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ ነቲ 'ጎሲል ኣል ማይት' ዝብሃል ንምውት ዝግበር ናይ ስንብት ባህሊ ይትግብራ ኣለዋ።
ብመሰረት ሕጊ ሸሪዓ፡ ዝሞተ ሰብ ሽዑን ንሽዑን'ዩ ክቕበር ኣለዎ፡ ቅድሚኤ ግን እቲ ሬሳ ሰለስተ ግዜ ብማይ ክሕጸብ ኣለዎ።
እዚ ሃይማኖታዊ ባህሊ እዚ ኸኣ 'ጎሲል ኣል ማይት' ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ኣብ እዋን ኮሮናቫይረስ ነዚ ምግባር ክሳብ ክንደይ ውሑስ እዩ?
ነቐፌታት ምስ ተላዓለ፡ ኣብ ኢራንን ኣብ መላእ ዓለምን ብዙሕ ዝተገማመዐ ሓሳባት'ዩ ውሒዙ።
መንግስቲ ነቲ ሬሳ ብማይ ምሕጻብ ከም ዘየድሊ እዩ ማዕድኡ ለጊሱ።
ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ግን ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን፡ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ኩሉ ወግዕታት ምሕጻብን ምግናዝን ሬሳ ክማልኣሎም ከም ዘለዎ ጥቡቕ ውሳነ ኣሕሊፉ።
ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን፡ እቶም ኣብ ቀብርን ጸሎትን ዝሳተፉ ሰባት ኸኣ ነቲ ንነብስኻ ካብ ኮሮናቫይረስ ንምኽልኻል ዝወጽኡ መምርሒታት ከተግብርዎም'ውን ሓቢሩ።
እቲ መምርሒታትከ እንታይ'ዩ ዝብል?
ኮሮናቫይረስ ካብ ሬሳ ክመሓላለፍ ይክእል'ዩ ዝብል ሓሳብ እኳ እንተዘይሃለወ፡ ወድብ ጥዕና ዓለም ግን ብዛዕባ እዚ ቫይረስ ብዙሕ ዘይተፈለጠ ነገራት ስለ ዘሎ ጥንቃቀ ክግበር'ዩ ዝምዕድ።
ካብዚ ብምብጋስ ከኣ እቶም ኣብ ምግናዝን ምጉዕዓዝን ሬሳ ዝሰርሑ ሰባት ምሉእ መከላኸሊ ኣልባሳት ክገብሩ ይምዕድ።
ንኣብነት ኣብ ዓዲ ጣልያን እቲ ቫይረስ ኣብ ክዳን'ውን ክጸንሕ ስለ ዝኽእል፡ መቅርብ መዋቲ ናብ ሬሳ መቅርቦም ክጽግዑ ኣይፍቀዶምን'ዩ።
ኣብ ምሕጻብ ሬሳ ዝተዋፈራ ወለንታውያን ኢራናውያን ግን ይሰርሓ ኣለዋ።
ኣብ ኢራን ግን እዘን ጉጅለ ጥራይ ኣይኮናን ኣብ ምሕጻብ ሬሳ ተጸሚደን ዘለዋ፤ ኣብ ማሻዳድ'ውን ተመሃሮ ኣብ ናይ ምሳሕ ሰዓተን ሬሳ ይሓጽባ እየን።
ኣብ ቁጽሪ ዘሎ ፍርሕን ጥርጣረን
ኣብ 8 ሚያዝያ ዝወጽኡ ጸብጻባት መንግሰስቲ ኢራን፡ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 60 ሽሕ፤ ዝሞቱ ድማ 4 ሽሕ ምዃኖም'ዮም ዝሕብሩ።
ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ጉጅለ ተመራመርቲ ግን እቲ ቁጽሪ ካብቲ ብሰብ መዚ ኢራን ዝግለጽ ኣዝዩ ዝተዓጻጸፈ ክኸውን ከም ዝኽእል'ዪም ዝሕብሩ።
እዞም ተመራመርቲ ኣብ 20 መጋቢት ዝሃብዎ ገምጋም፡ ኣብ ኢራን ልዕሊ 15 ሽሕ ምውታትን ልዕሊ 1 ሚልዪን ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉን ክህልዉ ከም ዝኽእሉ የመላኽቱ።