ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ናይ ገያሾ መርከብ ተወሺቦም ዝርከቡ ክልተ ብሪጣንያውያን መንግስቶም ነቒፎም

ዴቪድ ኣቤል ምስ በዓልቲቤቱ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ዴቪድ ኣቤል ኣብ መንግስቱ ዘለዎ እምነት ሒደት ምዃኑ ይዛረብ

ኣብ ወደብ ዮኮሃማ ጃፓን ኣብ ናይ ገያሾ መርከብ ተወሺቦም ዝርከቡ ብሪጣንያውያን ሓገዝ ንኽግበረሎም ዝገበርዎ ጻውዒት መንግስቲ ብሪጣንያ ዕሽሽ ከም ዝበሎ ከሲሶም።

ኣሜሪካ ዜጋታታ ካብታ 285 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከም ዝተረኽቡላ ዝተገለጸ ዳይመንድ ፕሪንሰስ ዝተባህለት መርከብ ከተግዕዝ ምዃና ኣፍሊጣ እያ።

ዴቪድ ኣቤል ብፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ ሃገሩ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክተወስድ ተስፋ ጌሩ ምንባሩ ተዛሪቡ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ፡ ድሕነት ናይቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ዜጋታቱ ንምውሓስ ይጓየይ ምህላው፡ ኦብዘርቨር ንዝተብሃለ ማእከን ዜና ገሊጹ።

ዴቪድ ኣቤል ግና ኣብ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያን፡ ቦሪስ ጆንሰን እምነት ከም ዘይብሉ ሓቢሩ።

በቲ ዝዘርግሖ ቪድዮ ብዙሓት ተኸታተልቲ ኣጥርዩ ዘሎ ዴቪድ፡ ቢልዮነር ሪቻርድ ብራንሰን ሓገዙ ከበርክተሎም ተላብዩ።

እቲ ቫይረስ ዝተረኽቦም ገያሾ ናብ ሆስፒታላት ተወሲዶም ኣለው

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ገያሾ ኣብ መርከብ ተወሺቦም ኣለው

"ሪቻርድ ብራንሰን፡ ሓንቲ ሕቶ ክሓተካ፤ ንስኻን ስድራቤትካን ኣብዚ እንተ ትነብሩ፡ እንታይ ምገበርካ? ግና ህድእ በሉ ከይትብለኒ፤ ንሱ ኣይኮናን ክንሰምዕ ደሊና ዘሎና።

"ብሓንቲ ካብተን ንኣሽቱ ነፈርትኻ ጌርካ ነዞም ብሪጣንያውያን ንምድሓን ክንደይ ገንዘብ መድለየካ?"

"ናብ ብሪዝ ኖርተን ውሰደና፤ ብቐጥታ ናብ ሕክምና ውሰደና፤ ኣብኡ ቋንቋና ምስ ዝዛረቡ ሰባት ክንውሸብ ምእንቲ" ኢሉ።

ዴቪድ ወሲኹ፡ እቲ ዘቕረቦ ምህጽንታ መርኣያ ብዙሓት ካብቶም ገያሾ ክሳብ ክንደይ ተስፋ ቖሪጾም ምህላዎም ምዃኑ ሓቢሩ።

እቶም ሰብኣይን ሰበይትን እቲ ቫይረስ እንተ ዘይተረኺብዎም ካብታ መርከብ ወጻኢ ክውሸቡ ዝብል ኣማራጺ ተቐሪብሎም እኳ እንተነበረ፡ ኣብታ መርከብ ክጸንሑ ከም ዝመረጹ ይዛረቡ።

ትካል ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብቶም ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም ሕክምና ክግበረሎም ዝጸንሑ ትሽዓተ ሰባት ብዘይካ ሓደ ኩላቶም ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ከም ዝተፋነው ኣፍሊጡ።