ንክላገጽ ኮሮናቫይረስ ከምዝሓዞ ዘምሰለ ሩስያዊ፡ ማእሰርቲ ሓሙሽተ ዓመት ከምዝጽበዮ ተሓቢሩ

ኣፉን ኣፍንጭኡን ዝዓበሰ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓደ ሩስያዊ፡ ኣብ ባቡር፡ ንክላገጽ (ፕራንክ) ኢሉ፡ ኮሮናቫይረስ ዝሓዞ መሲሉ ወዲቑ ብምንፍርፋሩ ብፖሊስ ተቐይዱ።

ሓደ ኣፉን ኣፍንጭኡን ዝሸፈነ ተሳፋራይ፡ ኣብ ውሽጢ ባቡር ደርገፍገፍ ኢሉ ክወድቕን፡ ሰባት ከልዕልዎ ሸበድበድ ክበሉን ዘርኢ ቪድዮ ፊልም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ።

እቲ ተላጋጺ፡ ወዲቑ፡ ብሓይሊ ምንፍርፋር ምስቀጸለ እቶም ክሕግዙዎ ዝፈተኑ ሰባት ፈሪሖም ክሃድሙ ተራእዮም።

እቲ ብምትላል ኣብ ቁጽጽር ውዒሉ ዘሎ ሩስያዊ፡ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ይጽበዮ።

እቲ ሩስያዊ ኣብ ቀይዲ ከምዘሎ ዘረጋገጸ ሚኒስተር ውሽጢ ዓዲ ሩስያ፡ ኣብቲ ቪድዮ ኮሮና ቫይረስ ከምዝሓዞ ኣምሲሎም ዝዛረቡ ካልኦት ክልተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ኣለሻ ይካየድ ከምዘሎ ተዛሪቡ።

ወሃቢት ቃል ናይቲ ሚኒስትሪ ኢርና ቮልክ፡ "ነቶም ተሳፈርቲ ንምድንጋጽ፡ እቲ ሰብኣይ በቲ ሓደገኛ ኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዘ ብዓውታ ይዛረቡ ነይሮም" ኢላ።

ሓደ ናይ ሩስያ መርበብ ሓበሬታ (ዌብሳይት)፡ ነቲ ኩነታት "ንላግጺ (ፕራንክ) ዝተሓሰበ፡ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ" ክብል ገሊጽዎ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

Presentational white space

ጠበቓ ናይቲ ተኸሳሲ፡ ዓሚሉ ኣዐርዩ ከምዝሰንበደን ንፖሊስ ብዝገበሮ ምትሕብባር ናጻ ክስደድ ከምዘለዎን ተዛሪቡ።

ኣብ ሩስያ ዛጊድ ክልተ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙን፡ በቲ ሕማም ዝተጠርጠሩ 144 ሰባት ተፈልዮም ምርመራ ይግበረሎም ከምዘሎን ተገሊጹ ኣሎ።

በቲ ሕማም ሓደ ሽሕ ሰባት ዝሞቱ ኮይኖም፡ እቲ ቫይረስ ናብ ልዕሊ 20 ሃገራት ተላቢዑ ይርከብ።