ኩባንያ ኣይፎን: ንኮሮናቫይረስ ዝከላኸል ማስኬራ ምፍራይ ክጅምር እዩ

ምንጪ ስእሊ, Foxconn
ዓብይ ኩባንያ ኤሌክትሮኒክስ ፎክስኮን፡ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዘኽእል ማስኬራ ወይድማ ኣብ ግዘ መጥባሕቲ ዝግበር ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ከምዘፍርይ ኣፍሊጡ።
ካብ ኤሌክትሮኒክስ ብተወሳኺ ተንቀሳቐስቲ ስልክታት ኣይፎን ዘፍርይ ኩባንያ ፎክስኮን፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ቻይና ዝዓፀዎ መፍረይ ትካሉ ንምኽፋት ይፅዕር ኣሎ።
ኮሮናቫይረስ ምኽሳቱ ስዒቡ፡ ኣብ መላእ ዓለም ሕፅረት መሸፈኒ ማስኬራ (ማስክ) ኣጋጢሙ ይርከብ።
ከም ሓበሬታ ፎክስኮን ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ እዚ፡ ኣብ መዓልቲ ክልተ ሚልየን ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ማስኬራ ከፍርይ እዩ።
እቲ ትካል "ነዚ ለበዳ እዚ እንትንምክት፡ ሕድሕድ ሰከንድ ትርጉም ኣለዋ እዩ" ክብል ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ 'ዊቻት' ሓቢሩ።
"ናይ ምክልኻል ስጉምቲ፡ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምግታእ የኽእል። ህይወት ሰባት ምድሓን ማለት ድማ፡ ብፍጥነት ነዚ ቫይረስ ምምካት ማለት እዩ" ኢሉ መፍረይ ኣይፎን፡ ኩባንያ ፎክስፎን።
እዚ ኣብ ዓለም ገዚፍ መፍረይ ኤሌከትሮኒክስ ዝኾነ ኩባንያ፡ ካብ ኣይፎን ብተወሳኺ፡ ኣይፓድ የፍርይ።
እቲ ኩባንያ ፈለማ ዘፍርዮም ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒታት ንሰራሕተኛታቱ ከምዝዕድልን፡ ደሓር ድማ ፍርያቱ ናብ ዕዳጋ ዓለም ከምዘቕርብን ኣፍሊጡ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







