‘ኣብ ገጸይ ብምውቃጠይ እጥዓስ’

ኬቨን ፓውል

ምንጪ ስእሊ, Kevin Paul

ኣብዚ እዋን ኣብ ሃገራት ምዕራብ ምውቃጥ ዳርጋ ቅቡል ባህሊ እናኾነ ክኸይድ ከሎ ከም ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ድማ እቲ ኣብ መበል 4ይ ክፍለ ዘመን ምስ ምስፍሕፋሕ ክርስትና ዝተኣታተወ ናይ ምውቃጥ ባህሊ እናሃሰሰ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ሃገራት ምዕራብ ምውቓጥ ጾታ ኣይፈልን።

ክልቲኡ ጾታታት ካብ ውሽጣዊ ክፍሊ ኣካላቶም ስጋብ ናብቲ ሰብ ኣብ ዝርእዮ ክፍሊ ኣካልቶም - ገጽ፡ የእዳው፡ ቅልጽም፡ ግንባር፡ ክሳድን ሸፋሽፍቲ ዓይንን ክውቀጡ ይርኣዩ ኣለው። ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ደቀንስትዮ ጥራይ ኢየን ዝውቀጣ ነይረን።

ኣብቲ ሰብ ዝርእዮ ክፍሊ ኣካላተን - ኣብ ግንባረን ናይ መስቀል ምልክት፡ ኣብ ምዕጉርተን ከም ቡሮት ዝምስል ውቃጦ፡ ኣብ ክሳውደን ድማ ወርቂ ሰንሰለት ዝመስል ውቃጦ ኢየን ዝገብራ ነይረን። እቲ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ባህላዊ ውቃጦ እናሃሰሰ ኣብዝኸደሉ ዘሎ እዋን እቲ ዘበን ኣምጽኦ ድማ ክትክኦ ይርአ።

ህቡብ ኣሜሪካዊ ደራፋይ ተልሃያይን ናይ ፊልም ተዋሳኣይን ክሪስ ብራውን ኣብ ኣካላቱ ዝተወቀጦ ስእልታት ኣብ ኢንስቴግራም (ማሕበራዊ መራኸቢታት) ንህዝቢ ተገሊጹ - ስርሓት ናይክ ዝኾነ ኤር ጆርዳን ዝተባህለ ናይ ስፖርት ሳእኒ ስእሊ ኣብ ምዕጉርቱ ተወቒጡ።

ኣብ ሎስ ኣንጄልስ ዝርከብ መወቀጢ ስቱድዮ እቲ ደራፋይ ኣብ ገጹ ናይ ዝተወቀጦ ሓድሽ ስእሊ ኣብ ኢንስቴግራም ጠቂዕዎ።

Skip Instagram post, 1
ንትሕዝቶ Instagram ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Instagram ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Instagram ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of Instagram post, 1

Presentational white space

ክሪስ ብራውን ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ገጹ ዝተወቐጠ ህቡብ ስነ ጥበበኛ። ኣምበር ሮሰ ዝተባህለት ሞዴልን ናይ ፊልም ተውሳኢትን እቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝተወቀጠቶ ውቃጦ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ጸኒሑ።

እቲ ኣብ ኢንስቴግራም ዝዘርግሐቶ ስእላ፡ ኣስማት ናይቶም ክልተ ደቃ- ባሽን ስላሽን - ኣብ ግንባራ ዝተወቀጠቶ የርኢ።

Skip Instagram post, 2
ንትሕዝቶ Instagram ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Instagram ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Instagram ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of Instagram post, 2

Presentational white space

ምስዚ ኣተሓሒዛ "መልክዕ በቲ ግዳማዊ ዘይኮነ በቲ ውሽጣዊ ኩነታትካ ኢዩ ክግለጽ ዘለዎ" ኢላ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ።

ክልቲኦም ስነ ጥበበኛታት በቲ ኣብ ገጾም ዝተወቐጥዎ ሓድሽ ውቃጦ ኣዝዮም ሕቡናት ኢዮም። ካልኦት ኣብ ክርአ ዝኽእል ቦታ ዝተወቀጡ ግና ድሕሪ ምውቃጦም ዝተሓዋወሰ ስምዒታት ኣሕዲሩሎም።

ሬድዮ 1 ኒውስቢት ካብቶም ኣብ ክርአ ዝኽእል ቦታ ዝተወቀጡ ሰባት፡ ኣብ ከምኡ ዓይነት ቦታ ንኽውቀጡ እንታይ ከምዘተባብዖምን፡ ድሕሪ ምውቃጦም'ከ ተጣዒሶም እንተኾይኖም ሓቲታቶም።

ኬቪን ፖል ናይ ምውቃጥ ክኢላ ኢዩ። መንእሰይ ከሎ ኣብ ገጹ ዝተወቀጦ ከምዘጣዕሶ ገሊጹ። ምስ ኒውስቢት ኣብዝገበሮ ቃለ ምልልስ ርግጽ ኣብ ኣጠማምታ ሰባት ዓቢ ድርኺት ኣለዎ ኢሉ።

"ኣብ ምዕጉርተይ ምስተወቀጥኩ፡ ሰባት ብኣሉታዊ መንገዲ ይፈርዱኒ ከምዝነበሩ ተረዲአ። ብዙሓት፡ ቀው ኢሎም ይጥምቱኻ" ኢሉ ኬቪን።

ጽቡቕ መንባብሮን ስራሕን እንተድኣ ኣሎካ፡ ኣብ ሂወትካ "ዓቢ ጽልዋ" ክህልዎ ይኽእል።

"ከም ፖስት ማሎን ዝኣመሰሉ ህቡባት ኣሜሪካውያን ደረፍቲ ኣብ ገጾም ይውቐጡ እዮም። ንኸምዚኦም ዝእመስሉ ሰባት ዳርጋ ቅቡል ኢዩ። ምኽንያቱ ህቡባት ደርፍቲ ጥራይ ዘይኮኑ ኣዝዮም ሃብታማ ስለዝኾኑ።"

ፖስት ማሎን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ከም ፖስት ማሎን ዝኣመሰሉ ህቡባት ኣሜሪካውያን ደረፍቲ ኣብ ገጾም ይውቐጡ እዮም

ኣብዚ ቀረባ እዋናት፡ ምውቃጥ ዳርጋ ዓቢ ዜና ኮይኑ ጸኒሑ። ብፍላይ ድሕሪ ወናኒ ትካል ኣፕሬንቲስ፡ ሎርድ ሹገር፡ ኣብቲ ምርኢት ተወዳዳርይ ንዝነበረ፡ ሊዊስ ኤሊስ፡ ኣብ ኣፍልቡን ቅልጽሙን ውቃጦ ስለዝነበሮ ካብቲ ውድድር ከምወጽእ ኣዚዝዎ።

ድሕሪ'ቲ ፍጻመ፡ ሊዊስ ኤሊስ ምስ ኒውስቢት ኣብዝገበሮ ቃለ ምልልስ ኣብ ውሽታዊ ኣካላትካ ምውቃጥ ግዚኡ ዘሕለፈ ፋሽን ኢዩ። እንተ ኣብ ገጽካን ቅልጽምካን ዝግበር ግና ምክፋእን ጠቐነን ይወርደካ ኢሉ።

"እዚ ድማ ኣዝዩ ዘሕፍር ተግባር ኢዩ። ምኽንያቱ፡ እንታይ ከምትኽደንን ከምትውቀጥን ንኻልኦት ሰባት ከገድሶም ኣይነበሮን" ኢሉ ሊዊስ።ጽቡቕ መንባብሮን ስራሕን እንተድኣ ኣሎካ፡ ኣብ ሂወትካ "ዓቢ ጽልዋ" ክህልዎ ይኽእል።

"ከም ኦስት ማሎን ዝኣመሰሉ ህቡባት ኣሜሪካውያን ደረፍቲ ኣብ ገጾም ክውቐጡ ኢዮም። ንኸምዚኦም ዝእመስሉ ሰባት ዳርጋ ቅቡል ኢዩ። ምኽንያቱ ህቡባት ደርፍቲ ጥራይ ዘይኮኑ ኣዝዮም ሃብታማ ስለዝኾኑ።"

ኣብዚ ቀረባ እዋናት፡ ምውቃጥ ዳርጋ ዓቢ ዜና ኮይኑ ጸኒሑ። ብፍላይ ድሕሪ ወናኒ ትካል ኣፕሬንቲስ፡ ሎርድ ሹገር፡ ኣብቲ ምርኢት ተወዳዳርይ ንዝነበረ፡ ሊዊስ ኤሊስ፡ ኣብ ኣፍልቡን ቅልጽሙን ውቃጦ ስለዝነበሮ ካብቲ ውድድር ከምወጽእ ኣዚዝዎ።

ድሕሪ'ቲ ፍጻመ፡ ሊዊስ ኤሊስ ምስ ኒውስቢት ኣብዝገበሮ ቃለ ምልልስ ኣብ ውሽታዊ ኣካላትካ ምውቃጥ ግዚኡ ዘሕለፈ ፋሽን ኢዩ። እንተ ኣብ ገጽካን ቅልጽምካን ዝግበር ግና ምክፋእን ጠቐነን ይወርደካ ኢሉ።

"እዚ ድማ ኣዝዩ ዘሕፍር ተግባር ኢዩ። ምኽንያቱ፡ እንታይ ከምትኽደንን ከምትውቀጥን ንኻልኦት ሰባት ከገድሶም ኣይነበሮን" ኢሉ ሊዊስ።

"ሰባት ብተግባራትካን ሞያ ወይ ድማ ስራሕካን ክፈርዱኻ ይግባእ።"

ቤን
መግለጺ ስእሊ, ቤን እቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ውቃጦ ኣብ ስርሑ ጽልዋ ከም ዝገበረሉ ይዛረብ

እብዚ እዋን ኩሎም ልዕሊ 18 ዓመት ዝኾኑ ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝኾነ ክፍሊ ኣካልቶም ክውቀጡ ናይቲ ሃገር ሕጊ የፍቅድ።

ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ግና፡ እቲ ሕጊ ነቶም ውቓጦ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ባቶም የሕልቖም ንዝወርዶም ኣድልዎ ኣይከላኸሎምን ኢዩ።

ቤን ዝተባህለ ኣባል ምክልኻል ሰራዊት ውቃጦ ስለዝነበሮ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ክፍሊ ካብ መሳርሕቱ ዝተሓዋወሰ ርእይቶ ይቐርበሉ ነይሩ። ንሱ ከምዝበሎ፡ ስጋብ'ቲ ውቃጦ ጽዩፍ ዝየኮነ ክውቐጥ ከምዝተፈቕደሉ ገሊጹ።

ናብ ሓይሊ ኣየር ንኽቕየር ምስኣመልከተ ግና እቲ ኩነታት ዝተፈልየ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ኣብ ሓይሊ ኣየር ካብ ጉንቦ ኢድ ንታሕቲ ውቃጦ ኣይፍቀድን ነይሩ።"ካብ ሓደ ክፍሊ ናብ ካልእ ክፍሊ ናይቲ ሰራዊት ምዝውዋር ቀሊል መስርሕ ኢዩ ነይሩ። ንዓይ ግና እቲ ውቃጡይ ጸገማት ፈጢሩለይ።"

"መብዛሕትኡ ግዜ መንእሰያት ኣብ የእዳዎም ኢዮም ዝውቀጡ፡ ውቃጦ ድማ ኣካል ስነ ጥበብ ኢዩ። መግለጺ ናይ ስምዒታት ስለዝኾነ ድማ ንመጻኢ ሞያኻ ክጸልዎ ኣይግባእን።"

ሓይሊ ኣየር ኣብዚ ቀረባ ነቲ ኣብ ውቓጦ ዝነበሮ ፖሊሲ ቀይርዎ ኢዩ። ኣባላት እቲ ክፍሊ ሃገሮም እናኣገልገሉ ከለው ኣብቲ ክርአ ዝኽእል ክፍሊ ኣካላቶም ክውቀጡ የፍቅድ።

እቲ ሕጂ ዝወጸ ሕጊ፡ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ዋላ ኣብ ሽፋሽፍቲ ዓይኖም፡ ክሳዶም የእዳዎም ክውቀጡ የፍቅድ። እቲ ኣብ ኣጻብዕትኻ ዝግበር ውቃጦ ግና በቲ ቀለቤትካ ክሽፈን ዝኽእል እንተኾይኑ ጥራይ ኢዩ ዝፍቀድ።

ግሬስ

ምንጪ ስእሊ, Grace

መግለጺ ስእሊ, ግሬስ ኣብ ኢዳ ውቃጦ ኣለዋ

ግሬስ ዝተባህለት ጓል 28 ዓመት መንእሰይ ድማ እቲ ኣብ ኢዳ ዝተወቀጠቶ ውቃጦ ስራሕ ንምርካብ "ኣዝዩ ኣሸጊሩኒ" ኢላ።

"ጓል 24 ዓመት ኮለኹ ከም ኣሻያጢት [ሴልስ] ኣፋውስ ኮይነ ክሰርሕ ዕድል ረኺበ። ዳሕራይ ውቃጦ ከምዘሎኒ ምስፈለጡ ግና ነቲ ስራሕ ብቕዕቲ ኣይኮንክን ተነጊረ።"

ካብኡ ንድሓር፡ ስራሕ ብፍላይ ናይቲ ዝፈትዎ ናይ ኣሻያጢት ስራሕ ክረክብ ኣይከኣልኩን። "ብድሕሪኡ፡ ውቃጦ በቲ ሕብረተሰብ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ተሰሚዑኒ።"እቲ ናይ ብሪጣንያ ናይ ወቀጥቲ ማሕበር እቲ መንግስቲ ብዛዕባ ኣብ ገጽን የእዳውን ዝግበር ውቃጡ ዝምልከት ተወሳኺ ሕጊ ከውጽእ ጠሊቡ።ሊ ክሊሜንትስ፡ ኣፈኛ ናይ ወቀጥቲ ማሕበር፡ ንኒውስቢት ከምዝሓበሮ፡ ነቶም ኣብ ኢድን ገጽን ክውቐጡ ዝደልዩ ሰባት ዝያዳ ሓበሬታ ክውሃቦም ይግባእ። ብፍላይ ስራሕ ኣብ ምድላይ ክሕግዞም ዝኽእል ዞም ዝኽእል ተወሳኺ ሓበሬታ የድልዮም።"መብዛሕትኡ ግዜ መንእሰያት ናይቶም ዝፈትውዎም ህቡባት ደረፍቲ ወይ ድማ ተጻወቲ ኩዕሶ ውቃጦ ብምርእይ ኢዮም ዝውቀጡ።""እቶም ክኢላታት ወቃጦ፡ ዓማዊሎም፡ ብፍላይ ድማ መንእሰያት ኣብ ገጾም ክውቀጡ ኣብዝመጽሉ እዋን ክምዕድዎም ሞራላዊ ግዴታ ኣለዎም ይመስለኒ" ኢሉ ሊ ክሊሜንትስ።

ናይ ክሳድ ውቃጦ ሎዊስ ጀምስ

ምንጪ ስእሊ, Louis James

መግለጺ ስእሊ, ናይ ክሳድ ውቃጦ ሎዊስ ጀምስ

እቲ ናይ ውቃጢ ክኢላ፡ ኬቪን ምስዚ ናይ ሊ ክሌንትስ ርእይቶ ከምዝሰማማዕ ገሊጹ።እቲ ኣብ ገጹ ክውቀጥ ዝወሰዶ ስጉምቲ "ብስለት ዝጎደሎ" ኢዩ ነይሩ ኢሉ ኬቪን።"ኣብ ዕስራታት፡ ብዛዕባ'ቲ ሽዑ ተሕልፎ ሂወት ጥራይ ኢኻ ትሓስብ።"ኣብዚ እዋን ዝግበር ውቃጦ ንሰባት ከሕጉሱ ኢዮም ዝውቀጡ ኢሉ ኬቪን።ስለዝኾነ ድማ እቲ ደረት ዕድመ ናይቶም ክውቀጡ ዝግብኦም ካብ 18 ናብ 21 ምስዝድይብ ጽቡቕ ክኸውን ከምዝኽእል ርእይትኡ ሂቡ።"ብዝኾነ፡ ኩለንተናኻ ኣብቲ ተካይዶ ስራሕ ዝኾነ ሳዕቤን ክህልዎ የብሉን። እቲ ተካይዶ ስራሕ ኣብ ብቕዓትካ ጥራይ ክምርኮስ ኣለዎ" ኢሉ ውቃጦ ዘለዎ ሉዊስ ጀምስ።

line