ክርዮ፡ ኣፍሪቃውያን ገላዩ ነበር ኣብ ኣፍሪቃ ባህሊ ብሪጣንያ ክዝርግሑ ይሕተቱ ነይሮም

ኣፍሪቃዊ ካህን እናባረኸ

ምንጪ ስእሊ, Museum of London

ገለ ክፋል ናይ ዓሌት ክርዮ ናይ ሴራልዮን ሓረግ/ዘርኢ ናይ'ቶም ነጻ ንኽልቀቑ ብዝተኣትወሎም መብጽዓ ኣብ ጎኒ ብሪጣኒያ ተሰሊፎም ኣብ ኲናት ኣሜሪካ ንናጽነት ዝተዋግኡ ኣፍሪቃውያን'ዮም።

እቲ ኲናት፡ ኣብ 1783 ብዓወት ኣሜሪካውያን ምስ ኣብቀዐ ግን፡ ካብ ሰራዊት ብሪጣንያ ሃዲሞም ናብ ክፍለሃገር ኖቫ ስኮሺያ ናይ ካናዳ ሃዲሞም ከይዶም። ካብ'ኡ ድማ ናብ'ታ ሽዑ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብሪጣኒያ ዝነበረት ሴራለዮን ተላኢኾም።

እዛ ሃገር'ዚኣ፡ ንግዲ ጊልያታት ኣብ 1807 ቅድሚ ምእጋዱ ነጻ ዝተለቐቑ ጊልያታት ክነብሩላ ዝተደኮነት'ያ።

እቶም ካልኦት ንክርዮ ዘቖሙ ሕብረሰተሰብ ድማ ሓረግ ናይ'ቶም ጸለምቲ ለንዶናውያንን ማሮኒታትን [black Londoners and Maroons] ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣብ ጃማይካ ኣንጻር ብሪጣንያ ድሕሪ ምውጋኦም ዝሃደሙን፡ እቶም ኣብ ውቅያኖስ ኣትላንቲክ ጊልያታት ጽዒነን ዝኸዳ ይጓዓዛ ካብ ዝነበራ መራኽብ ተለቒቖም ናብ ርእስ ከተማ ሴራለዮን ፍሪታውን ዝተላእኩ ጊልያታት'ዮም።

ገለ ካብ'ቶም ንእገዳ ንግዲ ጊልያታት ደጊፎም መሪሕ ተራ ዝተጻወቱ ብሪጣናውያን፡ እቶም ድሮ ንባህሊ ብሪጣንያን ሃይማኖት ክርስትናን ተሳጢሖም ዝነበሩ ነጻ ዝተለቐቑ ጊልያታት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ከይዶም ነቲ ባህልን ሃይማኖትን ከስፋሕፍሕዎ'ዮም ኢሎም ተስፋ ገይሮም ነይሮም።

ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ሕብረተሰብ ክርዮ ንኽልተ ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ሴራልዮን ኣቚሞም ይርከቡ። ዋላ'ኳ ሓያል ጽልዋ ናይ ብሪጣንያ ኣንተሃለወ፡ ናይ ባዕሎም ፍሉይ መለለዪ ኣለዎም።

እቲ ብመብዛሕትኦም ሴራለዮናውያን ዝዝረበሉ ቋንቋ ክርዮ፡ ኣብ እንግሊዝኛን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣፍሪቃውያን ቋንቋታትን ዝተመርኮሰ'ዩ።

ንኣልባሳት፣ ስነ-ህንጻን ኣነባብራን ሕብረተሰብ ክርዮ ዘርእይ "እቶም ክርዮ ናይ ሴራለዮን" [The Krios of Sierra Leone] ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ቤተ-መዘክር ለንደን ዶክላንድ ሓደ ምርኢት ይካየድ ኣሎ።

ኣብ 1825 ካርታ ናይ ግዝኣት ሲራልዮን

ምንጪ ስእሊ, Museum of London

Presentational white space

እዛ ኣብ ላዕሊ እትርአ፡ ኣብ 1825 ብሓደ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ብሪጣንያ ዝተሳእለት ካርታ ነተን በቶም ጸኒሖም ክርዮ ተባሂሎም ዝተጸውዑ ሕብረተሰብ ዝተመስረታ ዓዲታት ተርእይ።

ደቂ ኣንስትዮ እናተምሃራ

ምንጪ ስእሊ, Museum of London

Presentational white space

ብሪጣናውያን ኣመሓደርቲ ሴራለዮን፡ እቶም ተመለስቲ ንክርስትያናዊ ባህሊ ብሪጣንያ ክርዕሙ ብሂጎም ነይሮም። ነዚ ንምትግባር ድማ ቤተ-ክስቲያናትን ኣብያተ-ትምህርትን ዘቑሙ ሚሲዮናውያን መልሚሎም።

እቶም በዚ መንገዲ'ዚ ዝሰልጠኑ ሰባት ድማ መማህራን፣ ካህናትን ሚሲዮናውያንን ኮይኖም ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ክዝርግሑ ተስፋ ተገይሩ ነይሩ።

እዛ ኣብ ላዕሊ እትረአ ምስሊ ክሳብ ሕጂ ኣገልግሎት ትህብ ንዘላ ቤት ትምህርቲ ኣዋልድ ተርኢ። እዛ ቤትምህርቲ'ዚኣ ሓንቲ ኣብ ሴራለዮን ካብ ዘለዋ ውሩያት ኣብያተ-ትምህርቲ'ያ።

ክዳን ክርዮ

ምንጪ ስእሊ, Museum of London

Presentational white space

እዚ ብደቂ-ኣንስትዮ ክርዮ ዝልበስ ልሙድ ናይ ርክያሞ ልብሲ'ዩ። ነዊሕ እጅገ፣ ቁልፊ/ቅናትን ታንቴላ ዘለዎ ቀምሽ ውሽጥን ኣለዎ። ምስ ነጸላን መሸንቆቓ ዘለዎ ሳልጥ/ቦርሳ ድማ ይልበስ።

እዞም ናይ ዘመነ ንግስቲ ቪክቶርያ [Victorian] ፈኮስቲ ጫማ ዚኦም ድማ ህቡባት'ዮም። እቲ ፍሉይ ስርሓት ርክያሞ ዝኾነ ክትሞ ድማ ማርኪን ካርፔት [marking carpet] ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ብፈትሊ ዝሰርሐ ጫማ

ምንጪ ስእሊ, Private collection of Iyamide Thomas

Presentational white space

እዚ ፍሉይ ክትሞ ድማ ደበና [cloud] ይበሃል፡ "ዳያመንድ [ኣልማዝ]" ወይ "ዓይኒርግቢ" ዝበሃሉ ካልኦት'ውን ኣለዉ።

እዛ ብብሩር ዝተሰርሐት ሸሓኒ፡ ነቲ ኣብ 1831 ጸሓፊ ግዝኣት ብሪጣኒያ ኣብ ሴራለዮን ንዝነበረ ቶማስ ኮል ብህያብ መልክዕ ተዋሂባቶ።

ንሱ ነቶም ካብ'ተን ጊልያታት ጽዒነን ዝነበራ መራኸብ ተፈቲሖም ዝተመልሱ ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት ነይርዎ።

ንቶማስ ኮል ዝተውሃበ ካብ ብሩር ዝተሰርሐ ሽሓኒ

ምንጪ ስእሊ, Charles Stuart Dudley Cole

Presentational white space

እዛ ኣብ 1800 ዝተሰርሐት ናይ ጽርበት ዕንጸይቲ ግላዕ ምልክት ኣርማ ናይ ሴረልዮናዊት ኩባንያ ተርእይ። እታ ኩባንያ ኣብ 1792 ኣብ ሴራለዮን ግዝኣት ተመስሪታ፡ ጸኒሓ ስለዝጠፈሸት ግን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ብሪጣኒያ ወዲቓ።

እታ ሃገር ኣብ 1808 እያ ብወግዒ ባዕዳዊ ግዛኣት ብሪጣኒያ ኮይና።

ኣብ ሎንዶን ዝርከብ ብዕንጨይቲ ዝተሰርሐ ቅርጻ

ምንጪ ስእሊ, Museum of London

Presentational white space

ሳሙኤል ኣጃይ ክራውዘር፡ ኣብ'ታ በቶም ሸየጥቲ ገላዩ ዝተማረኹላ ናይጀሪያ'ዩ ተወሊዱ።

ሓንቲ መርከብ ኲናት ብሪጣንያ ነታ ንሱ ዝነበራ ገላዩ ዝጸዓት መርከብ ምስዓገተታ፡ ከም ወዲ 13 ዓመት ኮይኑ ከም "ነጻ ዝወጸ ኣፍሪቃዊ" ናብ ፍሪታውን ተወሲዱ።

ንሱ ናይ ፈለማ ተማሃራይ ናይ ፎራ በይ ኮሌጅ [Fourah Bay College] ነይሩ። ኣብ 1843 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክህነት ድሕሪ ምውሳዱ፡ ኣብ 1864 ናይ ፈለማ ጳጳስ ቤተ-ክርስቲያን እንግሊዝ ኣብ ኣፍሪቃ ኮይኑ ተቐቢኡ።

ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ሓደ ካብ ቀንዲ ቋንቋታት ናይ ናይጀሪያ ዝኾነ ዮሩባ ብምትርጓሙ'ውን ይፍለጥ። ምትእትታው ብሪጣንያ ኣብ ሴራልዮን ኣብ 1670ታት'ዩ ብመንገዲ ሮያል ኣፍሪቃዊ ኩባንያ ጀሚሩ።

እቲ ኩባንያ ናይ ፈለማ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሰረተን ኣብ ፈለግ ሴራልዮን ኣብ እትርከብ ደሴት ባንስ ናይ ንግዲ ነቑጣኡ ዘደልደለን ትካል'ዩ።

ሊቀ ጰጳስ ሳሙኤል ኣጃዪ ግሮወዘር

ምንጪ ስእሊ, Church Mission Society archives, Oxford

መግለጺ ስእሊ, ሊቀ ጰጳስ ሳሙኤል ኣጃዪ ግሮወዘር
Presentational white space

ኣብ 1807 ንግዲ ጊልያታት ቅድሚ ምእጋዱ፡ ደሴት ባንስ "ፋብሪካ ጊላታት" ተባሂላ'ያ ትፍለጥ ነይራ።

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ምዕራብ ኣፍሪቃውያን ድማ ንኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ሰጊሮም ክሳብ ዝውሰዱ፡ ኣብታ ደሴት ይተሓዙ ነይሮም።

ደሴት ቡንስ

ምንጪ ስእሊ, Peter C Andersen

መግለጺ ስእሊ, ደሴት ቡንስ
Presentational white space

ጆን ሄንሪ ስሚዝ፡ ኣብ ፍሪታውን ተወሊዱ ኣብ ሰራዊት ሴራልዮን ዘገልገለ ሰብ'ዩ ነይሩ። ኣብ 1939 ኲናት ምስ ተኣወጀ ንንጉሳዊ ሓይሊ ኣየር ብሪጣንያ ከገልግል ብወለንታኡ ተመልሚሉ፡ ዳህሳሳይ [ናቪገይተር ኦፊሰር] ክኸውን ድማ ሰልጢኑ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ዳህሳሳይ ተኳሲት ጉጅለ [ስኳድሮን] ኮይኑ፡ ጸኒሑ ድማ ኣብራሪ ኮይኑ ተሸይሙ።

ስሚዝ፡ ኣብ ጀርመንን ጥልያንን ኣብ 27 ናይ ደብዳብ ተልእኾታት ተሳቲፉ።

ኣብ 1943፡ ነፋሪቱ ብናይ ጸላኢ ነፈርቲ ተወቒዓ ምስ ወደቐት ተማሪኹ።

ን18 ኣዋርሕ ድማ ኣብ ናይ ጀርመን ናይ ምሩኻት መዓስከር ተዳጒኑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 1945 ሰራዊት ሩስያ ነቲ መዓስከር ምስ ሓዝዎ፡ ነጻ ወጺኡ።

እቲ ኲናት ምስ ኣብቀዐ፡ ስሚዝ ኣብ ሓይሊ ኣየር ብሪጣንያ የገልግሉ ንዝነበሩ ምዕራብ ህንዳውያን ንምምላስ ሓጊዙ፡ ጸኒሑ ድማ ጠበቓ ኮይኑ።

ጆሆኒ ስማይዝ

ምንጪ ስእሊ, Museum of London

መግለጺ ስእሊ, ጆሆኒ ስማይዝ
Presentational white space

እዞም ብእምኒ ዝተሰረቱን ናይ ሉሕ ናህሲ ዘለዎን ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ኣሜሪካ ዝርከቡ ኣባይቲ በቶም ኖቫ ስኮሺያ ዝበሃሉ ኣብ እዋን ሰውራ ኣሜሪካ ድሕሪ ስዕረት ሰራዊት ብሪጣኒያ ብመንገዲ ካናዳ ናብ ሴራልዮን ዝተመልሱ ገላዩ ተቐዲሖም ዝተሃንጹ'ዮም።

ጸኒሖም፡ እቶም ኣባይቲ ብቋንቋ ክርዮ ናይ ጣውላ ገዛውቲ (board houses) ተባሂሎም ተጸዊዖም።

ድሕሪ 1940 ግን ባርዕ ንምክልኻል ተባሂሉ ከም'ዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣባይቲ ገዛውቲ ምስራሕ ተኣጊዱ'ዩ። ድሮ ግን ብእምኒ ዝስርሑ ኣባይቲ እዋናዊ ቅዲ እናኾኑ መጽኦም ስለዝነበሩ፡ ከምኣ'ቶም ዓይነት ኣባይቲ ምስራሕ እናንቆልቆለ መጺኡ ነይሩ'ዩ።

ኣብ ኣሜሪካ ብዕንጨቲ ዝተሰርሐ ገዛ

ምንጪ ስእሊ, Melbourne Garber

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣሜሪካ ብዕንጨቲ ዝተሰርሐ ገዛ