ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኩርኩር ኣንበሳ ሓቚፉ ክንቀሳቐስ ዝተራእየ ህበይ

ኩርኩር ኣንበሳ ዝከናኸን ህበይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, Kurt Safari

መግለጺ ስእሊ, ልሙድ ዘይኮነ ተፈጥሮኣዊ ክስተት ዝምድና ክልተ ተጻባእቲ እንስሳታት

ሓደ ኩርኩር ኣንበሳ ሓቚፉ ክንቀሳቐስ ዝተራእየ ህበይ፡ ንካልኣይ ግዜ ደሃዩ ከም ዘይተረኽበ፡ ሓደ በጻሕቲ ዝመርሕ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሓቢሩ።

እቲ ስእልታት ናይቶም ክልተ እንስሳታት ዝወሰደ፡ ከርት ሹልዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብቲ ብዕብየቱ ዝፍለጥ ተፈጥሮኣዊ ሃገራዊ ሕዛእቲ ክሩገር (ክሩገር ናሽናል ፓርክ) እቲ ኣጋጣሚ ከም ዘጓነፎ ተዛሪቡ።

ዝናብ ዝሃርመሉ ወቕቲ ብምዃኑ፡ ካልኣይ ግዜ ክረኽቦም ከም ዘይካለ'ውን ይገልጽ።

"ሕጂ ኣብ ክሩገር ማይ ዝሃርመሉ ወቕቲ'ዩ፡ ስለዚ፡ እቲ ኣቑጽልቲ ዝሰፍሕሉን፡ ሳዕሪ ዝነውሓሉነ'እዩ። እቶም ኣህባይ ካብቲ ጽርግያ ናብቲ ሳዕሪ ምስ ኣተዉ፡ ክትርእዮም ኣጸጋሚ'ዩ።"

ስእሊ ናይቶም እንስሳታት ምስ ተዘርግሐ ኣቓልቦ ብዙሓት ስሒቡ ነይሩ። ገለ ሰባት'ውን ነቲ ኩነታት፡ ምስቲ 'ራፊኪን ሲምባን' ዝብሉ ገጸባህርያት ዘለውዋ 'ላዮን ኪንግ' ዘርእስታ ናይ 'ኣኒሜሽን' ህብብቲ ፊልም ከመሳስልዎ ተሰሚዖም።

ኩርኩር ኣንበሳ ዝከናኸን ህበይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, Kurt Safari

ከርት ሹልዝ፡ ከም ዝብሎ፡ እቲ ተሓቚፉ ዝነበረ ኩርኩር ኣንበሳ፡ ተጎዲኡ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምት።

"እቲ ተባዕታይ ህበይ፡ ንነዊሕ ግዜ ነቲ ኩርኩር ኣንበሳ ሓቚፉ እናተኸናኸነ ካብ ገረብ ናብ ገረብ ይሰጋገር ነይሩ። እቲ ኩርኩር፡ ዋላ'ኳ ብዓይኒ ዝረአ መቑሰልቲ እንተዘይነበሮ፡ ዝደኸመ ይመስል ነይሩ፡ ውሽጣዊ ጉድኣት በጺሕዎ ክኸውን ይኽእል'ዩ።"

ንሱ ከም ዝብሎ፡ እቲ ትርኢት ልሙድ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ኣህባይ ንኮራኹር ኣንበሳን ነብሪን ከም ዝቐትሉ'ዩ ዝፍለጥ።

ይኹን እምበር፡ እቶም እንስሳታት ንካልኣይ ግዜ ኣይተራእዩን።