ዚምባብወ፡ ኣብ ጉድጓድ ዕደና ብዘጋጠመ ምህማም 20 ሰባት መውጽኢ ስኢኖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዚምባብወ፡ ዕደና ወርቂ ኣብ ዝካየደሉ ጉድጓድ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት ክልተ ሰባት እንትሞቱ፡ 20 ሰባት መውጽኢ ስኢኖም ኣብቲ ጉድጓድ ከምዘለዉ ተገሊጹ።
እቶም ሰባት ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ሃራሬ 200 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ክዌክዌ ዘይሕጋዊ ዕደና እንተካይዱ እዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢምዎም።
ዛጊድ ግን ዕላዊ ዝኾነ ነቶም ሰባት ናይ ምድሓን ስራሕቲ ኣይተጀመረን።
እቲ 'ግሎብ ኤንድ ፎኒክስ' ዝተብሃለ ማእከል ዕደና ወርቂ፡ ብምኽሪ በዓል ስልጣን ሓለዋ ከባቢ ኣብ 2007 ዓምፈ ክዕጸ ተገይሩ ነይሩ።
ኣብቲ ዕደና ካብ ዝተዋፈሩ ሰባት ሓደ፡ ረቡዕ ምሸት ኣብ ስራሕ እናሃለዉ፡ ናይቲ ዕደና ማሽን ወርወር ብምስባሩ ክልተ ብጾቱ ተጸቒጦም ከምዝሞቱን ካልኦት ዕስራ ድማ ኣብቲ ጉድጓድ መውጽኢ ስኢኖም ተዓጽኦም ከምዘለዉን፡ ንመራኸቢ ሓፋሽ ዚምባብወ ገሊጹ።
ኣብቲ ከባቢ ቅድሚ ሓደ ዓመት ብተመሳሳሊ 22 ሰባት ሞይቶም እዮም።
ፖሊስ ዚምባብወ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብመዐደኒ ቦታ ዝተጓነጹ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዘይሕጋውያን ዓደንቲ ምእሳሩ ይዝከር።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







