ሕቡራት ሃገራት፡ 4.1 ሚልዮን ዝጠመዩ ዙምባብያውያን ሓገዝ ምግቢ ክረኽቡ እዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዚምባብዌ ብዘጋጠመ ጥምየት ሓደ ርብዒ ህዝቢ እታ ሃገር ሓገዝ ከም ዘድልዮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ትካል መግቢ ዓለም ከም ዝበሎ፡ 4.1 ሚልዮም ዚምባብያውያን ናይ እኽልን ዘይትን ሓገዝ ክግበሎም ምዃኑ ሓቢሩ።
ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ጥምየት ኣንጸላልይዎ ከም ዘሎን፤ ከባቢ 7.7 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ኣብ ዝኸፍአ ሓደጋ ጥምየት ከም ዘሎ ይዝረብ።
ትካል መግቢ ዓለም፡ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥምየት ንምክልኻል 240 ሽሕ ሜትሪክ ቶን እኽሊ ከቕርብ እዩ።
እቲ ኣብ ዝመጽእ ሚያዝያ ክዘንብ እዩ ተባሂሉ ዝተተምበየ ውሑድ መጠን ዝናብ ነቲ ሓደጋ ከጋድዶ ከም ዝኽእል'ውን ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ደቪድ በስለይ ተዛሪቡ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብኣፍራይነት ምህርቲ እትፍለጥ ዝነበረት ዚምባብዌ፡ ኣብዚ እዋን ብድርቅን ዝቕባበ ባጤራን ትሕመስ እያ ዘላ።
ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ብዘሎ ሕጽረት መተዓዳደጊ ባጤራ፡ ሰባት መግቢ ክዕድጉ ብዘይ ምኽኣሎም እቲ ኩነታት ተጋዲዱ ይርከብ።
ፕረዚደንት ኢመርሰን ምናንጋግዋ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ከልዕሎ ተሊሙ ዝነበረ ድጎማ ጥረምረ፡ ከም ዝገደፎ ገሊጹ ኣሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







