ኮሮና ቫይረስ፡ ቻይና ኣብ ሸሞንተ መዓልቲ ዝሃነጸቶ ሆስፒታል ንኣገልግሎት ድልው ኮይኑ

ኣባላት ሰራዊት ቻይና ዝኾኑ፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብቲ ሆስፒታል ክዋፈሩ እዮም ለካቲት 2 2020

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ሰራዊት ቻይና ዝኾኑ፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብቲ ሆስፒታል ክዋፈሩ እዮም

ብኮሮና ቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ቁጽሪ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ቻይና፡ ኣብ ቀንዲ ማእከል ለበዳ እቲ ቫይረስ ኣብ ዝኾነት ከተማ ውሃን ኣብ ሸሞንተ መዓልቲ ዝሃነጸቶ ሆስፒታል፡ ሎሚ ሰኑይ ኣገልግሎቱ ከም ዝጅምር ተገሊጹ።

1,000 ዓራት ዘለዎ፡ ኣብ ሸሞንተ መዓልቲ ዝተዛዘመ ሆስፒታል ሆሼንሻን፤ ንለበዳ እቲ ቫይረስ ንምግታእ እዩ ተሃኒጹ።

1,400 ኣባላት ሰራዊት ቻይና ዝኾኑ፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ናብ ከተማ ውሃን ከም ዝኣተውን ናብቲ ሆስፒታል ይዋፈሩ ከም ዘለውን፡ መራኸቢ ብዙሓን ቻይና ጸብጺባ።

ካልእ ኣብ ከባቢ ለይሸንሻን ከተማ ውሃን ዝህነጽ ዘሎ ተመሳሳሊ ሆስፒታል'ውን፡ ረቡዕ ክዛዘም ምዃኑ ተፈሊጡ።

ነቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ትቃለስ ኣብ ዘላ ቻይና፡ ዛጊት 17,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለው፡ ቁጽሪ ምውታት 361 በጺሑ ኣሎ።

ካብ ቻይና ወጻኢ፡ በቲ ቫይረስ ዝሰዓበ ሞት ንፈለማ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ፊሊፒንስ ኣጋጢሙ።

እቲ ግዳይ ወዲ 44 ዓመት ቻይናዊ ኮይኑ፤ ካብ ውሃን እዩ ናብ ፊሊፕንስ ገይሹ።

ብዙሓት ሃገራት ካብ ቻይና ንዝመጹ ወጻእተኛታት ምእታው ክኽልክላ እንከለዋ፤ ንዜጋታተን ድማ ኣብ መወሸቢ ከም ዝጸንሑ ይገብራ ኣለዋ።

ካብ ሃገራዊ ኮምሽን ጥዕና ቻይና ብሰኑይ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ፡

  • 21,558 በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ዝተጠርጠሩ
  • 152,700 ሰባት ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ክትትል
  • 475 ሰባት ድማ ካብ ሆስፒታል ከም ዝወጹ የርእይ።

ኣብ ግዝኣት ሁቤ ዝርከቡ ሆስፒታላት ብብዝሒ ሕሙማት ኣዕለቕሊቐን ኣለዋ።

ብሰኑይ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ጥዕና ሆንግ ኮንግ፡ እቲ ምስ ቀንዲ መሬት ቻይና ዘራኽብ ዶባት ምሉእ ብምሉእ ክዕጾ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ሰብ-መዚ እታ ግዝኣት ግና ኣብ ዶባት ውድብ ጥዕና ዓለም ዝጠልቦ መመርመሪ ምግባር ከም ዝሓይሽ ብምግላጽ ነቲ ሕቶ ነጺገምዎ።

ዓለምለኻዊ ቁጽሪ ናይቶም ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ካብቲ ኣብ 2003 ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ለበዳ ሳርስ ክወዳደር ከሎ፡ ከም ዝበዝሕ ይግለጽ።

ቁጽሪ ምውታት ግና ዝተሓተ እዩ።