ንልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ ኬንያ ዝፀንሑ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ክምለሱ እዮም

ዳዳብ መዓስከር ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, TONY KARUMBA

ን40 ዓመታት ኣብ ኬንያ ዝፀንሑ ዝርከብዎም፡ ልዕሊ 2,000 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብፍቓዶም ናብ ሃገሮም ከም ዝምለሱ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ገሊፁ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ኣይተ መለስ ኣለም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እዞም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዳዳብን ካኩማን ዝፀንሑ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ድጋፍን ምድላውን ይግበር ኣሎ ኢሉ።

ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ተሰዲዶም ንነዊሕ ዓመታት ኣብዘን መዓስከራት ዝነበሩ እዞም ኢትዮጵያውያን፡ ካብ ሞንጎኦም ንልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ ስደት ዝነብሩ ከምዝርከብዎም እቲ ኣምባሳደር ሓቢሩ።

ጉዳይ እዞም ስደተኛታት ንምክትታልን ዘድልይ ምድላው ንምግባርን ናብ መዓስከር ስደተኛታት ዳዳብን ካኩማን ከይዱ ከምዝነበረ ዝገለፀ ኣምባሳደር መለስ፡ "እዚ ስደተኛታት ናይ ምምላስ ስራሕ፡ ብዘይ ገለ ፀቕጢ፡ ብፍቓዶም ዝፍፀም እዩ" ኢሉ።

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዳዳብን ካኩማን፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ብዝነበረ ፖለቲካዊ ሃውሁን ፀገም ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰልን ሃገሮም ራሕሪሖም ዝተሰደዱ ኢትዮጵያውያን ከምዘለዉ ይግለፅ።

ናብ ሃገሮም ክምለሱ ድልየት ንዘለዎም ድማ፡ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኬንያን ብምትሕብባር፡ ንምሕጋዝ ይስራሕ ከምዘሎ እቲ ኤምባሲ ገሊፁ።

ካብ ሞንጎ እቶም ናብ ኢትዮጵያ ንምምላስ ድልየት ዘለዎም ስደተኛታት፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን እዚ ንክምለሱ ተተሊሙ ኣሎ።

ኣብ ፈላማይ ዙር 85፡ ኣብ ካልኣይ ዙር ድማ ልዕሊ 2,000 ስደተኛታት ንምምላስ ምድላው ይግበር ከምዘሎ እቲ ኣምባሳደር ገሊፁ።

ኣምባሳደር መለስ ኣለም

ካብ ሞንጎ እዚኦም ትሕቲ ሸውዓተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህፃናት ከምዝርከብዎም ተገሊፁ።

እዞም ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ቅድሚ ሕዚ ይነብርሉ ናብ ዝነበሩ ከባቢን ናብርኦምን ንክምለሱ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዓለም-ለኸ ትካላትን ዘድልይ ሓገዝ ክገብር እዩ።

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ብወገኑ፡ናብ ሃገሮም ክምለሱ ድልየት ንዘለዎም ኢትዮጵያውያን ዘድልዩ ሰነዳት ጉዕዞ ከምዘዳለወ ተጠቒሱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ኬንያ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝነብሩ ስደተኛታት ብፍቓዶም ንምምላስ ዘኽእል ውዕል ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ተፈራሪሙ ነይሩ።

እዚ ኣብ ኬንያ ካብ ዝርከባ መዓስከራት፡ ስደተኛታት ናይ ምምላስ ስራሕ ድማ፡ ነዚ ስምምዕ ስዒቡን ብመሰረት ድልየት ናይቶም ኣብቲ መዓስከር ዘለዉን ስደተኛታትን ዝፍፀም ከምዝኾነ ተገሊፁ።