ኬኒያ፡ ኣብ ደዳብ ብዘጋጠመ ውሑጅ ስደተኛታት ኣብ ፀገም ከም ዘለዉ ገሊፆም

ምንጪ ስእሊ, TONY KARUMBA
ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ዳዳብ ኬንያ ዝወቕዐ ሓያል ዝናብ ብዝተፈጠረ ዕልቕልቕ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጉድኣት በፂሑ።
በቲ ሓደጋ ሓደ ህጻን ብውሑጅ ክውሰድ እንከሎ፡ ብሓፈሻ ስደተኛታት ኣብ ፀገም ከም ዝርከቡ ድማ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
70 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ዝርከብሉ መዕቆቢ ስደተኛታት ደጋህለ ብዘጋጠመ ዕልቕልቕ ልዕሊ 500 ቴንዳታት መዕቆቢ ስደተኛታት ብውሑጅ ከም ዝተወሰዱ ዝገለጹ እዞም ስደተኛታት፡ ሕዚ ኣብ ፀገም ከም ዝወደቑ ሓቢሮም።
ነባሪ እቲ መዓስከር ዝኾነ ኣቶ ታሪኩ፡ መንበሪ ስደተኛታትን ቤተ-ክርስትያንን ከም ዝፈረሰን ኣብ ጸገም ከም ዝርከቡን ሓቢሩ።
"ሕዚ ንባዕሉ ገዛና ብውሑጅ ስለ ዝመልአ ኣብ ደገ ኢና ዘለና። እቲ ቦታ ዓሙቕ ብምዃኑ ብኹሉ ኣንፈት እዩ ውሑጅ ዝመጽአና። ክሳብ ሕዚ ዝተገብረልና ሓገዝ ድማ የለን። ኣዝማድ ዘለዎም ሰባት ሃዲሞም ናብ ኣዝማዶም ከይዶም፤ ዘይብልና ድማ ኣብዚ ኮፍ ኢልና ኢና ዕድልና ንጽበ ዘለና" ይብል።
ኣቦ ወንበር መዓስከር ስደተኛታት ደጋህለ ኣቶ ዓብዱላሂ ጌድዎ በቲ ውሑጅ እቲ መዕቆቢ ስደተኛታት ምፍራሱ ኣረጋጊጹ።
"ትማሊ ምሸት ብርክት ዝበሉ ገዛውቲ ብምፍራሶም፡ ብዙሓት ኣብ ቅልውላው'ዮም ዝርከቡ። ክሳብ ሕዚ ሓደ ወዲ 11 ወርሒ ህፃን ብውሑጅ ተወሲዱ ሞይቱ ኣሎ። እቲ ገዛ ብውሑጅ እንክፈርስ ኣባላት እቲ ስድራ እንክወፅኡ፡ እቲ ህፃን ግና ብውሑጅ ተወሲዱ" ኢሉ።
በቲ ውሑጅ ብርክት ዝበሉ ዓይነ ምድርትታት ብምፍራሶም ድማ፡ ስደተኛታት ብሸሮክ ከይጥቅዑ ኣብ ስግኣት ምህላዎም ዝገለጸ ኣቶ ዓብዱላሂ፡ ናብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጨንፈር ኬንያ'ኳ እንተሓበሩ ዛጊት ዝረኸብዎ ሓገዝ ከም ዘየሎ ይዛረብ።
"እቲ ቀፅሪ ኩሉ ብውሑጅ ኣዕለቕሊቑ'ዩ ። ልዕሊ 7000 ናይ ስደተኛ ዓይነ ምድርታት እውን በቲ ውሑጅ ፈሪሶም እዮም። ኣብዚ መዓስከር ናይ ሸሮኽ ተርእዮ ስለ ዘሎ ኣብ ስግኣት ኢና ዘለና። ገለ ሰባት ካብቲ መዓስከር ወጺኦም ኣብ ደገ እዮም ዝነብሩ ዘለዉ"።
ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጨንፈር ኬንያ ደዊልና።
ምክትል ሓላፊ ዝምድናታት ወፃኢ ዩኤንኤችሲኣር ደዳብ ኣቶ ዓሳድ ዶላ፡ ሎሚ ንጉሆ ኣብቲ መዓስከር ምፅራይ ከም ዝገበሩ ብምሕባር፡ ቁጽሪ እቶም ዝፈረሱ መዕቆቢ ቦታታት ግና 68 ጥራሕ ከም ዝኾነ ተዛሪቡ።
"ክሳብ ሕዚ ግዳያት ንዝኾኑ ስደተኛታት ብህፁፅ ናብ ክልተ መባእታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣግዒዝናዮም ኣለና። ንካልኦት ድማ መፅለሊ ንምስራሕ ቴንዳታት ኣቕሪብናሎም ኣለና። እዚ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚርና ንገብሮ ዘለና እዩ" ብምባል ሓገዞም ከም ዝቕፅል ኣብሪሁ።
ኣቶ ኣሳድ፡ ሓደጋ ውሑጅ እንከጋጥም፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሕማም ሸሮክ ምርኣይ ልሙድ ከም ዝኾነ ብምሕባር፡ ሕዚ ዝተመዝገበ ሓድሽ ተርእዮ ሕማም ሸሮኽ ከም ዘየለን እቲ ትካል ጉጅለ ምክልኻል ሕማም ሸሮክ ብምውዳድ፡ ኣገልግሎት ጥዕናን ሕክምናን ከም ዝህብ ኣረዲኡ።
ኣይተ ዓብዱላሂ ግና ፡ ኣብ 2017 ተመሳሳሊ ሓደጋ ውሑጅ እንከጋጥም፡ እቲ ትካል ዝገበሮ ሓገዝ ከም ዘየለ ብምዝካር፡ ሓሳብ ኣይተ ዓሳድ ኣብ ባይታ የለን ዝብል እምነት እዩ ዘለዎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







