ኢራን፡ ነፋሪት ዩክረይን ክትህረም ከላ 'ብቪድዮ ዝሰነደ ሰብ' ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ንግዳያት ምሕምሻሽ ነፋሪት ዩክረይን ዝተገብረ ዝኽሪ 14 ጥሪ 2020

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ምህራም እታ ነፋሪት ምሕረት ዘይግበሮ ጌጋ ምዃኑ ፕረዚደንት ሩሓኒ ገሊጹ

ኢራን፡ ነፋሪት መጉዓዝያ ዩክረይን ብሚሳይል ክትህረም ከላ ብቪድዮ ዝሰነደ ሰብ ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወት ገሊጻ።

እቲ ሰብ ምስ ሃገራዊ ድሕነት ዝተኣሳሰር ክሲ ክቐርበሉ ከም ዝኽእል ይግለጽ።

ነፋሪት በረራ PS752፡ ብረቡዕ ካብ ቴህራን ምስ ተበገሰት ከይጸንሕት ብምሕምሻሻ ኣብኣ ዝነበሩ 176 ሰባት ሞይቶም እዮም።

እታ ነፋሪት ብጌጋ ከም ዝተሃረመትን ምስኡ ብዝተኣሳሰር ሓያሎ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተውን ኢራን ገሊጻ ነይራ።

እቲ ብክኢላታት እታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ መርመራ "ብፍሉይ ቤት ፍርዲ" ምክትታል ከም ዝግበረሉ፡ ፕረዚደንት ሓሰን ሩሓኒ ተዛሪቡ።

"እዚ ልሙድን ንቡርን ጉዳይ ኣይኮነን። ዓለም ብምልእታ ነዚ ቤት ፍርዲ ክትከታተሎ እያ" ኢሉ።

ፐረዚደንት ሩሓኒ፡ ወሲኹ፡ በቲ "ዘሕዝን ፍጻመ" ሓደ ውልቀሰብ ጥራይ ክውቀስ ከም ዘይብሉ ገሊጹ።

"እቲ ቃታ ስሒቡ ዝተኮሰ ሰብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካልኦት'ውን ሓላፍነት ክወስዱ ይግባእ" ኢሉ።

ኢራን ኣብ ፈለማ፡ እታ ነፋሪት ብሚሳይል ከም ዝተሃረመት ንዝገልጽ ሓበሬታ ነጺጋቶ ነይራ፡ ደሓር ግና፡ ብሓይልታት ምክልኻላ ከም ዝተሃረመት ኣሚና።

እቲ እታ ነፋሪት ክትህረም ከላ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ተዘርግሐ፡ ተንተንቲ እታ ነፋሪት ብሚሳይል ከም ዝተሃረመት ዘነጽር ምዃኑ ተዛሪቦም።

ኣባላት ሓለዋ ሰውራ ኢራን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እታ ነፋሪት ብሚሳይል ክትህረም ከላ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርግሐ ሰብ ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተውዎ መራኸቢ ብዙሓን ኢራን ጸብጺበን።

ነቲ ቪድዮ ፈለማ ዝጠቀዖ፡ ኣብ ለንደን ዝርከብ ኢራናዊ ጋዜጠኛ ግና ነቲ ቪድዮ ዝሰደደሉ ሰብ ስቱር ከም ዘሎን ሰብ መዚ ኢራን ካልእ ሰብ ከም ዝኣሰሩን ገሊጹ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post