ኣወስትራልያ ኣሸሓት ኣግማል ትቐትል ምህላዋ ንሶማላውያን ኣቖጢዑ

ኣግማል በረኻ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣግማል ናብ ኣውስትራልያ ብ 19 ክፍለዘበን ዝኣተዉ ኮይኖም፡ ካብ ሽዑ ጀሚሮም ኣብ በረኻ (መሮር) እዮም ዝነብሩ

ሓያል ዋዒን ድርቅን ዘጥቀዖም ኣግማል በረኻ ኣውስትራልያ፡ ማይ ደልዮም ናብቲ ሰብ ዝነብረሉ ከባቢታት ክኣትዉ ብምጅማሮም ብኣሸሓት ክቕተሉ ስለዝተወሰነ ብሄሊኮፕተራት ብጥይት ይቕተሉ ኣለዉ።

እቶም ኣግማል፡ ኣብ መነባብሮ ናይቶም ኣብ ደቡብ ኣወስትራልያ ዝነብሩ ሕብረተሰብ ኣቦርጂን "ጸቕጢ ይፈጥሩ" ከምዘለዉ እዩ ዝግለጽ።

እዞም ናይ በረኻ ኣግማል፡ ሓጹር የፍርሱ፣ ናይ ሕርሻ መሳርሕታት የዕንዉን ነቲ ሰብ ዝሰትዮ ማይ ይሻመዩን ብምህላዎም'ዩ ክቕተሉ ተወሲኑ።

ንኣግማል ልዑል ክብሪ ዝህቡ ሶማላውያን ድማ፡ እዚ ናይ ኣውስትራልያ ውሳነ ባህ ኣይበሎምን። 'ነዞም ኣግማል ናባና ስደዱዎም ንሕና ክነናብዮም ኢና' ይብሉ ኣለዉ።

ገሊኦም ድማ 'ቀደሙ እውን እቶም ኣብ ኣውስትራልያ ዘለዉ ናይ በረኻ ኣግማል ካብ ሶማልያ ዝተወሰዱ ስለዝኾኑ ንዓዶም ምለሱዎም' ኢሎም።

ግመል በረኻ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘበን፡ ብሪጣንያ ንሶማልያን ንኣወስትራልያን ብባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ እተመሓድረሉ ዘበን፡ እዞም ኣግማል ናብ ኣውስትራልያ ከምዝተወሰዱ ዝኣምኑ ሶማላውያን ኣለዉ።

ካልኦት ድማ፡ እቶም ኣብ ኣውስትራልያ ዘለዉ ኣግማል በረኻ፡ ብሪጣናውያን ካብ ህንዲ፣ ኣፍጋኒስታንን ማእከላይ ምብራቕን ዘእተውዎም ምዃኖም ይገልጹ።

ሶማላውያን ንኣግማል ዘለዎም ፍቕርን ክብርን ልዑል እዩ። ኣብ ሕብረተሰብ ሶማል፡ ክብሪ ሓደ ሰብ ዝምዘን ብዝውንኖም ብዝሒ ኣግማል እምበር ብዘለዎ ብዝሒ ገንዘብ ኣይኮነን።

'ንግመል ብኽብሪ ዝበልጾ ሰብ ጥራይ እዩ' እዮም ዝብሉ። ነዚ ድማ እዮም ብቅትለት ኣግማል ኣውስትራልያ ቁጠዐኦም ዝገልጹ ዘለዉ።