ኣብ ወተሃደራዊ ቤት-ትምህርቲ ሊቢያ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ብዙሓት ሞይቶም

ኣብ ርእሰ ከተማ ሊብያ ትሪፖሊ፡ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ቤት-ትምህርቲ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ብውሑዱ 28 ሰባት ተቐቲሎም፤ ብዙሓት ድማ ከምዝቖሰሉ ሰብ-መዚ እታ ሃገር ገሊጾም።

ብዛዕባ እዚ መጥቃዕቲ እኹል ሓበሬታ ዋላ እኳ እንተዘየለ፡ ብጀነራል ከሊፋ ሓፍታር ዝምርሑ ሓይልታት ከምዝተፈጸመ ይግመት።

ብጀነራል ከሊፋ ሓፍታር ዝምርሑ ሓይልታት፡ ካብቲ ዓሪዶሙሉ ዘለው ምብራቓዊ ከባቢታት ናይታ ሃገር ተበጊሶም፡ ንከተማ ትሪፖሊ ንምቍጽጻር ይጽዕሩ ከምዘለው ይግለጽ።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተወስደ ምስሊ፡ ሬሳ ዝሞቱ ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ተዘርጊሑ ይረአ ነይሩ።

ሓይልታት ከሊፋ ሓፍታር ነቲ 'መንግስቲ ሃገራዊ ስምምዕ' ዝተባህለ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ከምዘለዎ ዝንገረሉ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምዕላው ይንቀሳቐሱ ምህላዎም'ዩ ዝግለጽ።

ወሃቢ-ቃል ሚኒስትሪ ጥዕና መንግስቲ ሃገራዊ ስምምዕ [GNA] ኣሚን ኣል-ሃሼማ፡ "ኣብ ትሪፖሊ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ቤት-ትምህርቲ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ነፈርቲ፡ 28 ተዓለምቲ ከምዝሞቱን፡ ብዙሓት ድማ ቆሲሎም" ክብል ሓቢሩ።

ኣብ 2011 ብኪዳን ሓይልታት ኣትላንቲክ ዝተደገፈ ህዝባዊ ተቓውሞ ንስርዓት መዓመር ቐዛፊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምዕላዉ፡ ሊብያ ድልዱል መንግስቲ ክትምስርት ኣይከኣለትን። ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይታ ሃገር ድማ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ክትሕቖን ጸኒሓ ኣላ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ጀነራል ካሊፋ ሓፍታር፡ ነዚ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ትሪፖሊ ካብ ስልጣን ንምእላይ ሓዲሽ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከምዝጀመረ ይዝከር።