እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ጎደናታት ሊቢያ ንጭውያ ተቓሊዖም ዘለው ስደተኛታት
ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ መዳጎኒ ማእከል ጣሪቕ ኣልሲቓ ተቐይዶም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ሶማላውያንን ሱዳናውያን ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታት፡ ቅድሚ ክልተ መዓልትታት ካብቲ መዳጎኒ ተሰጒጎም ኣብ ኣፍደገ ቤትጽሕፈት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉርጂ ተደርብዮም ምህላዎም ተገሊጹ።
ጣሪቕ-ኣልሲቃ ኣብ ትራቡሉስ ዝኸፍአ ቤት ማእሰርቲ ምዃኑ ዝገልጽ ኣብዱሰላም ኣብዱልወሃብ፡ ኣብ መዳጎኒ ኣቡሰላም፡ ንነዊሕ እዋን ብስእነት መሰረታዊ ቀረብ ክሳቀዩ ድሕሪ ምጽናሕ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ መዳጎኒ ራሕሪሖምዎ ካብ ዝወጹ ስደተኛታት ሓደ እዩ።
ንሳቶም ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ከባቢ እቲ ብዩኤንኤችሲኣር ዝካየድ ማእከል መሰጋገሪ ስደተኛታት፡ ጂዲኤፍ፡ ቀንፈዘው ድሕሪ ምባል ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ጀሚሮም ብምትሕብባር እቶም ፖሊስ ናብቲ ማእከል ክኣትዉ ከም እተፈቕደሎም ገሊጹ።
ኣብዱሰላም ብዛዕባ እቲ ዩኤንችሲኣር ነዞም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዝቐረብዎ መፍትሒ ክዛረብ ከሎ "እቲ 450 ዲናር [ንስደተኛታት ዝተወሃቦም] ዋላ ሓንቲ ትርኩም የብሉን። ገዛ ኽራይ ንባዓሉ 200 ወይ 300 እዩ። ምስ ትፈልጦም ተኣኻኪብካ ብምክራይ መሚኢቲ ኣዋጺኻ ኢኻ ትኸፍሎ" ይብል።
ገንዘብ ሒዝካ ክትንቀሳቐስ ከም ዘይከኣል ዝዛረብ ኣብዱሰላም፡ ጭውያ፣ ስርቂ፣ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዝፍጸም ጾታዊ መጥቃዕቲ ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣብዚ ሕጂ ዝርከቡሉ ማእከል ምስግጋር ስደተኛተት'ውን እንተኾነ መግቢ ከምዘይብሎም ሓቢሩ።
ናብራ ኣብ ጎደናታት ሊብያ
በዓልቲ ሞያ ሕጊን ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራውያን ብቐረባ እትከታተልን እትትሓጋገዝን ጁልያ ትራንኪና እቶም ስደተኛታት ንዳግማይ ጭውያ ዓመጽን ቅሉዓት ኮይኖም ምህላዎም ሓቢራ።
"ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ቤትጽሕፈት ዩኤንኤችሲኣር ሊብያ ንሓተትቲ ዑቕባን ንስደተኛታትን ኣገልግሎት ክህብ ኣይከኣለን። መጽለሊ ከዳልውሎም ኣይከኣሉን፤ 450 ናይ ሊበያ ዲናር እዮም ሂቦም ኣፋንዮምዎም" ትብል።
ነፍሰጾራት፣ ቆልዑን ኣካለ ስንኩልን ዝርከብዎም እቶም ስደተኛታት ኣብ ግዳም ኣብ ጎደናታት ትሪፖሊ ይድቅሱ ከም ዘለው ብምግላጽ "በዚ ድማ ንዳግመ ምጭዋይ፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ ስቓይን መሸጣን ተቓሊዖም ኣለው" ኢላ።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ ማእከል መሰጋገሪ መሊኡ፡ ቁጽሪ ስደተኛታት ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኮይኑዎ ምህላው ትገልጽ ጁልያ፡ እዚ ብሰንኪ እቲ ሃገራት ኤውሮጳ ዝቕበልኦ ኣዝዩ ትሑት ቁጽሪ ስደተኛተት ከም ዝተባኣኣሰ ሓቢራ።
እንታይ ክግበር ኣለዎ?
በዓልቲ ሞያ ሕጊን ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራውያን ብቐረባ እትከታተልን እትትሓጋገዝን ጁልያ ትራንኪና፡ እቲ ሓደ ክገብርዎ ዝኽእሉ ነቶም ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ሳልሳይ ሃገር ምስግጋር ከም ዝኾነ ትዛረብ።
"ነዚ ዕድል ዝረኽቡ ግና ሒደት እዮም። ምኽንያቱ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ነቶም ኣብ ባሕሪ ዝሓዝዎም ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ሊብያ እናመለሳ፡ ዝቕበልኦ ቁጽሪ ግና ኣዝዩ ሒደት እዩ። ስለዚ ኩነታት ዩኤንኤችሲኣር ኣብ ሊብያ ንጹር እዩ። ኣብቲ፡ ሰባት ብኸመይ ቀዳምነት ይወሃቦም ዝብል ግና ናይ ግሉጽነት ሕቶ ኣሎ" ክትብል ተረድእ።
ነዚ ኣመልኪትና ካብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሊብያ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይተዓወተን።