እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"እቲ ብባሕሪ ዝኸይድ ኤርትራዊ ገንዘቡ ከፊሉ ይመውት ኣሎ"
ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ቀጽሪ ናይቶም ኣብ ማእከል ምእካብን ምፍናውን ዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ንምጉዳል ክሰርሕ ምጽንሑ ገሊጹ።
ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግን ቆላሕታ ዝገብረሎም ኣካል ከምዘየለን፡ ኣብ ሕሱም ጸገም፡ ኣደዳ ስርቅን ግዳይ ኵናትን ይኾኑ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሮም።
ኤርትራዊት ሚልዮን የማነ፡ ኣብ ሊብያ ከም ስደተኛታት ምንባር ካብ ትጅምር ክልተ ዓመታት ገይራ ኣላ።
"እቲ ብባሕሪ ክኸይድ ዝኽእል ኤርትራዊ ገንዘቡ ከፊሉ ይመውት ኣሎ" ትብል ሚልዮን፡ እቲ ብባሕሪ ዘይከኣለን ጥዕና ዘይብሉን ድማ፡ ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዝርከብ ትዛረብ።
ቅድሚ ሕጂ ምስ ካልኦት ስደተኛታት ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝጸንሐት ሚልዮን፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ገርጋርሽ ብጉጅለ ገዛ ተካርያ ትነብር። ኣብዚ ንክትነብር ዝተገደደትሉ ምኽንያት ክትገልጽ እንከላ ድማ፡
"ሓንሳብ ኣብ ካምፕ ይኣቱ፡ ሓንሳብ ኣብ ገለ ይኣቱ፤ ግን ብኹሉ ክሰልጠኒ ኣይከኣለን። ኣብ ኩሉ ግፍዕን ጭካነን ዘለዎ ህይወት እዩ። ክሳብ እዛ ሕጂ ሰዓት ከኣ ተስፋ ዘይብሉ ህይወት እነብር ኣለኹ" ትብል።
ኣብ ሻሪዕ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ብዘይ ምግብን ማይን ንክንነብር ተገዲድና ትብል ሚልዮን፡ ነብሰጾራትን ካልእ ጥዕናዊ ጸገማትን ዘለወን ስደተኛታት ደቂኣንሰትዮ ንተወሳኺ ጸገም ከምዝተቃልዓን፡ ዝተገበረሎም ሓገዝ ከምዘይነበረን ተዛሪባ።
"ኣብ ሻሪዕ ኣርባዕተ መዓልቲ፡ ብዘይ መግብን ማይን ኣብ ቁሪ ተደርቢና፤ ባዕልኻ ንህይወትካ ክተጥፍኣሉ ትኽእል ግዜ በጺሕና ነይርና። ክሳብ 11 ቆልዑትን ነብሰጸራትን ነይሮምና፤ ዝበዛሕና ደቂኣንስትዮ ኢና ነይርና። ጸገማትና ርእዩ ብደገ ዝሕግዘና እንተዘይኮይኑ፡ ዩኤንኤችሲኣር ዝሃበና መግቢ ኮነ ማይ ኣይነበረን" ብምባል ነቲ ከቢድ ዝበለቶ ናይ ሓደ ሰሙን ናይ ሻሪዕ ጻኒሕታ ትገልጽ።
ቁጽሪ ስደተኛታት ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ከምዝኾኑ ዝገልጽ ዩኤንኤችሲኣር ግና፡ ንሓደጋ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ቀዳምነት ብምሃብ፡ ናብ ውሑስ ከባቢ ክሰግሩ ይገብር ከምዘሎ ይሕብር።
ወሃቢ-ቃል ከባቢ ማእከላይ ባሕርን ኣፍሪቃን ቻርለስ ያስሊ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ትሪፖሊ ዝገደደ ኲናት ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ስደተኛታት ሓገዝ ከምዘድልዮም ይዛረብ።
"ኣብ ስደተኛታት ዘሎ ሻቕሎትን ካብዚ ኩነታት ንምውጻእ ዘለዎም ሃንቀውታን ይርደአና እዩ። ኣብዚ እዋን እታ ዘላትና ማእኸል መበገስን መፋነውን እውን ብሰብ የዕለቕሊቑ'ዩ ዘሎ። ነዞም ስደተኛታት ውዑይን ሓይሊ ዝህቡ ምግብታት ንህቦም ነይርና ኢና። እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ መዕረፊን ንምንባር ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራትን እውን ክንህቦም ጸኒሕና ኢና" ብምባል ኣብዚ እዋን ኣብ ሊብያ ኣስታት 40 ሽሕ ዝተመዝገቡ ስደተኛታት ከምዘለዉ ይሕብር።
ዩኤንኤችሲኣር ንስደተኛታት ገንዘብ ብምሃብ ኣብ ትሪፖሊ ገዛ ተኻርዮም ንክነብሩ ጸቅጢ ከምዝገበረሎም እትዛረብ ሚልዮን ግና፡ በተን ዝተውሃብኦም ገንዘብ ኣብ ገርጋርሽ ገዛ እንተተኻረዩ'ውን፡ ኣብዚ ሰሙን ግዳያት እቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ኲናት ንኸውን ኣለና ኢላ።
"ካብቲ ንሕና ዝነብርናዮ፡ ኣሕዋት ኣለውና ኢለን ዝኸዳ ኣብቲ ዝተካረየኦ ቦታ ደብዳብ ኣጋጢሙ፡ ሓንቲ ጓል ብሰንኪ እቲ ደብዳብ ዝሰዓበ ስንባደ ክትዛረብ ኣብ ዘይትኽእለሉ ኩነታት እያ በጺሓ ነያራ" ትብል።
እዚ ብስደተኛታት ዝለዓል ምረት "ዘይቃዶ እዩ" ዝብለ ወሃቢ ቃል ከባቢ ማእከላይ ባሕርን ኣፍሪቃን ቻርለስ ያስሊ፡ ንስደተኛታት ኣማራጺ ከምዘቕረብሎም የብርህ።
"እቲ ኣብ ትሪፖሊ ንክጸንሑ ኣማራጺ ካብ ምሃብ ብተወሳኺ፡ ስደተኛታት ካብ ሊቢያ ንክወጽኡ፣ ስደተኛታት ፈለማ ከም ስደተኛታት ናብ ዝተመዝገቡለን ሃገራት ንክምለሱ፡ ንኣብነት፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ሊቢያ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ውሑሳት ኮይኖም ንክነብሩ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ዝነበሩሉ መዓስከራት ንክምለሱ ኣማራጺ ሂብናዮም ኢና" ብምባል "ኣብ ሊቢያ ካብ ዝጸንሑ፡ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ውሕስነት ክስመዖም ንዝኽእል ኤርትራውያን ድማ ብፍቓዶም፡ ናብ ኤርትራ ክምለሱ እንተድኣ ዝደልዩ ኮይኖም ከምንሕግዞም ነጊርናዮም ኢና። ካልኦት ርትዓዊ ሕቶ ዑቕባ ንዘይብሎም ስደተኛታት ከኣ፡ ካብ ሊብያ ወጺኦም ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ኣይኦኤም ይከታተሎ ኣሎ እዩ" ኢሉ።
ኣብ 2016 ናብ ኤርትራ ተመሊሳ ዝነበረት ሚልዮን ግና፡ ዳግማይ ናብ ኤርትራ ምምላስ ብዝብል ሓሳብ ዩኤንኤቺሲኣር ኣይትሰማማዓሉን'ያ።
"ኣብ ኤርትራ ጽቡቕ ስለዘየጓነፈኒ፡ ንኤርትራ ክምለስ ኣይደልይን'የ። ሞት ንሞቱ ብባሕሪ እፍትን ዝብል'ምበር፡ ንድሕሪት ዝምለስ ውሑድ እዩ" ብምባል እቲ ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ስቓይ ዝተሸመመምሉ ህሉዊ ኩነታት ስደተኛታት ኣብ ሊቢያ ኣውጊዓትና።