ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን እሱራት ኣብ ሊቢያ ፈተነ መጭወይቲ ተኻይዱልና ይብሉ

ትማሊ 05 ነሓሰ ሰዓት ሽዱሽተን ዓሰርተን ድሕሪ ቐትሪ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ታሪክ ኣል መጠር ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን እሱራት ስደተኛታት ንቢቢሲ ስልኪ ደዊሎም ዕጡቓት "ብብረትን ተኹስን ክጨውዩና ይፍትኑ ኣለዉ" ብምባል፡ ንዝምልከቶ ንማሕበረ ሰብ ዓለም ክሕብረሎም ሓቲቶም።

እቲ ኣብ እዋን ዝርርብ ዝቐረጽናዮ ተኹሲ ብረትን ኣውያትን ንእለቱ ኣብ ፈይስ ቡክ ቢቢሲ ትግርኛ ተዘርጊሑ ኣሎ። ጸኒሖም እውን በቲ ዝተሰንደወሎም ቦምባ ትኪ ናይ ዝተሃርመ ሰብ ስእሊ ሊኢኾሙልና ኣለው።

ብወገንና፡ ንሓንቲ ኣብ ሊብያ እትርከብ ሓላፊት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ተወኪስናያ ዝሃበትና መልሲ፡ ኣብቲ መዳጎኒ ልዕሊ 1000 ዝኾኑ ስደተኛታት ተታሒዞም ምህላዎምን፡ ልዕሊ ዓቕሙ ከም ዝመልአን ብምጥቃስ፡ ሰብ መዚ ነዚ ንምቅላል ገለ ስደተኛታት ናብ ኣቡ ሳሊም ዝተባህለ ካልእ መዓስከር ከም ዝተሰጋገሩ ሓበሬታ ከም ዝሃብዋ ገሊጻትልና። ነቲ ሓበሬታ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ከረጋግጽዎ ከም ዝፍትኑ ሓቢራ።

ብዛዕባ'ቲ ዝተጠቕሰ ተዂስን ናይ ጭውያ ፈተነን ግን፡ ከረጋግጽዎ ከም ዘይከኣሉን "ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት'ዩ" ዘሎ ክትብል ገሊጻ'ላ።

እቲ ትካል ናይ ሕክምናን ካልእ ሰብኣዊ ሓገዛት ይገብሩሎም ምህላዎም'ውን ጠቒሳ። ብዛዕባ ናብ ካልእ ሃገር ናይ ምውሳድ ዝምልከት ግን፡ ንኹሉ ሰብ ዝኸውን ዕድል ስለዘይብሎም፡ ነቶም ቀንዲ ተነቀፍቲ ዝኾኑ ስደተኛታት ቀዳምነት ከም ዝወሃብ ገሊጻ።

ቅድሚኡ ግን ትማሊ ሰዓት ሽዱሽተ ብተዂሲ ዝተሰነየ ፈተነ ጭውያ ተኻይዱ'ሎ፡ ዕጫን ዕድልን እቶም ኣሰታት 1500 ዝኾኑ ኣብ ሓደ ገለርያ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ግዳያት፡ ቢቢሲ ደሃይ ኣብ ዝረኸበሉ እዋን ከቕርቦ ምዃኑ እናሓበረ፡ ንኩነታት እቶም ግዳያት ብውክልና ሓደ ሰብ ይዝንቶ እነሆ።

ንስለ ድሕነቱ ኣብዚ ዛንታ ብዮናስ ዝጽዋዕ ዘሎ መንእሰይ፡ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣብ ትሕቲ ኮቦረታ ተሸፊኑ'ዩ የዘራርበኒ ከም ዘሎ ኒ።

ክዛረብ እንከሎ፡ ሓያሎ ካብቶም መተኣስርቱ ዓጒጎሞ ምንባሮም በቲ እናመንጎዉ ዝህቡዎ ዝነበሩ ርእይቶ ይፍለጥ።

ኣብታ ዘለዋ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣስታት 1500 ዝኾኑ ዜጋታት ሶማል፡ ኤርትራን፡ ኢትዮጵውን ካልኦት ሃገራትን ከምዝርከቡ ይሕብር።

ጉዕዞ ካብ ኤርትራ ናብ ሊብያ

እዚ ግዳይ ተደጋጋሚ መሸጣ ደቂ ሰባት ዝኾነ ኤርትራዊ መንእሰይ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ብንውሓት ግዜ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተማሪሩ ብጽኑዕ ብዝሕሎ ድፋዓት ኢትዮ-ኤርትራ ዶብ ሰጊሩ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ። እንተኾነ ኣብ ኢትዮጵያ እውን ምንም ተስፋ ኣይረኸበን።

እቲ ህይወት፡ ብዘይ ዕዮን ትምህርት ዘይብሉ፡ ብዘይ ናጻ ምንቅስቓስን ብሓለዋ ኣብ ዝተኸበ ቐጽሪ ምንባር ምስ ኮኖ፡ ካብ ኣብ ደንበ ስደት ጎደቦ ምንባር፡ ዝሓሸ መጻእን ራህዋን ከናዲ፡ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ፡ ብሓገዝ ደላሎ (ኣሰጋገርቲ ሰባት) ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ሰጊሩ።

ብዛዕባ ሱዳን ጥዑም ወረ ስለዘይነበሮ ኣብ ኢድ ነጋዶ ደቂ ሰባት ከይወድቕ'ሞ ዝኸፍአ ሓደጋ ከየጋጥሞ እናጸለየ እዩ ተጓዒዙ። ኩሉ ዘይሕጋዊ መገዲ ስደት ምቹእ ስለዘይኮነ፡ ምረቱ ደኣ ይፈላለ፡ ይኸብድን ይፈኩስን እምበር ጸገም ክህሉ ከምዝኽእል ስለዝተረደኦ ብመጠኑስ ንነብሱ ኣዳልዩዋ እዩ።

"ኩሉ ብፍቓድ ኣምላኽ እዩ!" ዝብል ዮናስ፡ ተስፍኡ እግዚሄር ጥራሕ እዩ። ፈጣሪ ጉዕዞኦ ከቕንዓሉ፡ ካብ ኢድ ጎሓሉን ሸፋቱን ከድሕኖ ጸሎት ኣየቋረጸን።

ከም እምነቱ ከኣ ፈጣሪ ኣጽሊሉዎ፡ ከቢድ ዝበሃል ጭንቂ ከይረኣየ ብደሓነ ሰላም ንሱዳን ኣትዩ።

እንተኾነ መዓልቦ ስደቱ ሱዳን ስለዘይኮነ፡ ኣብ ሱዳን እውን ኣይቀሰነን።

ንናጽነት ምንቅስቓስን ሕልናዊ ሩፍታን ካብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ዝሓይሽ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ሱዳን እውን ካልእ ስክፍታን ሻቕሎትን ኣሎ። ሃንደበታዊ ግፋ ብመንግስቲ ሱዳን፡ ጭውያ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ፡ ካብኡ ዝኸፍአ ከኣ ክርደና ሸፋቱ ነጋዶ ደቂ ሰባት።

ኣብ ሱዳን ንዝተወሰነ ግዜ ብኸቢድ ሻቕሎት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ከምቶም ኣጻምእ ሰሃራን ባሕርን ብደሓነ ሰላም ሰጊሮም ኤውሮጳ ዝኣተዉ ዕድለኛታት ክኸውን እናተመነየ ምስ መሰልቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት $3500 ዶላር ከፊሉ ንሰሃራ ነቒሉ።

ኣብ ጉዕዞኡ፡ ዛንታ ብዙሓት እቶም ቅድሚኡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓመታት ዝተጓዕዙ፡ መማህርቱ፡ መተዓብይቱ፡ መተዓልምቱ፡ ደቂ ኣሃድኡ፡ ዝሰምዖ ዘሰምብድ ወረ ብዓይነ ሕልናኡ እናተራእዮ ዕጭኡ ከልዕል ጉዕዞ ጀሚሩ።

እቲ ልዕሊ ክልተ ሰሙን ዝወሰደሉ፡ ጽምእን ጭንቅን፡ ቃንዛን ስቅያትን ዝነበሮ ጉዕዞ ሰሃራ፡ ኣብ ኢድ ነጋዶ ደቂ ሰባት እንተዘይኣትዩ፡ ክሓልፎ ከምዘለዎ ንቡር መስርሕ ስለዝረኣዮ እምብዛ ኣይተጨነቐን።

ነቲ ኣብ ናእሽቱ መካይን ከም ዕንጸይቲ ተጸፋጺፍካ ምጒዓዝ፡ ጎሮሮኻ ክሳብ ዝልከት ብጽምኢ ማይ ምንቃጽ፡ ብኩርማጅን በትርን ኣሰጋግረቲ ምድሳቕ፡ ብህይወት ኣብ ዝብጻሕ ምስ በጻሕካ ራህዋ ስለዝህሉ ብተስፋ እዩ ተጓዒዙዎ።

ድሕሪ ናይ ኣስታት ክልተ ሰሙን ጉዕዞ፡ ደጊም ዓዲ ሰብ ቀሪብና ኢና፤ "ሊብያ ክንኣቱ ኢና!" ኢሉ ብተስፋ እናተጸበየ ግን ካብ ዝፈርሖ ከይወጽአ ኣብ ኢድ ነጋዶ ደቂ ሰባት ወዲቑ።

ኣብ መገዲ ምሕረት ዘይብሎም ጨካናት ዕጡቓት ከቲሮም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር አእትዮሞ። "ድሕሪ ደጊም ንብረተይ ኢኹም!" ኢሉዎም ሓደ ሓያል - ብመኪና ወሲዱ ከኣ ኣብ ሓደ ገዛ ዓጽይዎም።

ተሸይጥና ኢና ማለት ድዩ? ንነብሱ ሓቲቱዋ፡ እቲ ንእለቱ ካብ ሰባት ናብ ኣቕሓ ዝተቐየሮም ኣተሓሕዛን ምፍርራሕን ከኣ ናይ ብሓቂ ከምእተሸጡ ኣረጋገጸሎም።

ህይወት ኣብ ሊብያ

ካብዚ ቦታ ክወጽእ ዝደሊ $5000 ዶላር ይሓውል ትእዛዝ ተዋህቦም። ሰብ ኣሎኒ ዝብል ተስፋ ዝገበረ ኣብ ወጻኢ ናብ ዝርከቡ መቕርብ ክደዋውል ጀመረ።

እቲ ሰብ የብለይን ዝበለ ከኣ ብበትሩ እናተገርፈ መሰምበድ እቶም ሰብ ኣሎና ዝብሉ ኮነ። እቲ ህይወት ገሃነብ እዩ።

እቶም ነጋዶ ሰባት፡ ሓንቲ ጽብቕቲ ነገር ነይራቶም። ኣየጥምዩኻን እዮም ይብል ዮናስ። ክሳብ እተን ዝደልዩወን ገንዘብ ኣብ ኢዶም ዝኣትዋ ከይትሞቶም የብልዑኻ። "እናተገረፍካ ትበልዕ! እናበላዕካ ትግረፍ! ሓውል - ገንዘብ ውለድ ትብሃል" ብማለት ብምረት የስተንትን።

ዮናስ ዝሕግዞ መቕርብ ስለዘይነበሮ፡ ክኸፍል ስለዘይከኣለ ሰለስተ ግዜ ተሸይጡ። ብስቅያት ነንሓድሕዱ ኣብ ዝበላለጽ መኽዘን ንግድ ሰባት ከኣ ንዓመታት ተሳቕዩ።

ሓደ መዓልቲ እቲ ዝነበረሉ መኽዘን ሰባት ብዕጡቓት ሸፋቱ ተወሪሩ። ተዅስን ዕግርግርን ምስ ኮነ ህደም ህደም ኮይኑ፡ ኣብ ቅድሚኡ ክልተ ሰባት ብጥይት ተሃሪሞም ወዲቖም። ካልኦት ዓሰርተ ሸውዓተ ከአ ብኸቢድ ተወጊኦም ንሕክምና ከይዶም።

ኣብቲ ዕግርግር እንደገና ብፖሊስ ተታሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም።

ወኪል ላዕለዋይ ተጸዋዒ ኮሚሽን ስደተኛታት (UNHCR) መጺኡ ምስ መዝገቦም ተስፋ ገይሮም - ደጊም እንቋዕ ጉዳይና ዝምልከቶ ኣካል ፈለጦ ኢሎም ተስፋ ገይሮም፤ እንተኾነ እቲ ቤት ማእሰርቲ ካብ ኩሉቲ ኣብ መኽዘን ነጋዶ ደቂ ሰባት ዘሕለፎ ዝኸፍአ ኮይኑዎ።

ዮናስን ብጾቱን ተኣሲሮሙሉ ዘለዉ ቦታ ታሪክ ኣል መጠር ይበሃል። ኣብ ሓደ ጸቢብ ገለርያ 1500 ሰባት ተጸቓቒጦም፡ ብሃሩር ዓቕሎም ጸቢቡዎም ኣብ ደንደስ ሞት ይርከቡ።

ኣብቲ ገዛ ብሕጽረት መግብን ማይን፡ ብጉድለት ጽሬት፡ ብሕማም ቲቢን ሕጽረት ትንፋስን ዳርጋ መዓልታዊ እዩ ሰብ ዝመውት።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ መዓልታት እኳ ሰለስተ ሰባት ከምዝሞቱዎም ይገልጽ ዮናስ።

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት መዝጊቡና እዩ ኢሎም ተስፋ ዝገበሩ እዞም ስደተኛታት ትማሊ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ምሽት፡ ዕጡቓት ብተኹስን ቦምባ ትክን ክጨውዩዎም ምስፈተኑ ክጨናነቑ ዘርኢ ቪድዮ እውን ናብ ኩሉ መርበባት ሓበሬታ ዘርጊሖሞ ኣለው።

እዚ እዋን እዚ ንዕኦም ናይ ህይወት ኣድሕን እዋን እዩ። ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ረድኤትን ደገፍን ንጽበ ኣሎና እዮም ዝብሉ።

ዝምልከቶ ኣካል ላዕለዋይ ተጸዋዒ ኮሚሽን ስደተኛታት (UNHCR) ደሃዮም ክገብርን ካብዚ ዝርከቡዎ ጸበባ ከውጽኦምን እዮም ዝሓቱ ዘለው።

ቢቢሲ ንዝምልከቶም ኣካላት ዩኤንኤችሲኣር ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጦን ግን ከኣ ደጋጊሙ ደሃይ ንምርካብ ኣይከቋርጽን እዩ።