ውድብ ሕቡራት ሃገራት ደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር የግዕዝ

ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት 128 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ከም ዘግዓዘ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ብተመሳሳሊ 122 ስደተኛታት ናብ ኒጀር ከም ዝተወስዱ እቲ ትካል ዘውጽኦ ጸብጻብ ይገልጽ።

ካብ ሕዳር 2017 ጀሚሩ 1858 ስደተኛታት ናብ ኒጀር ክግዕዙ ከም ዝተገብረ፡ ጨንፈር ትካል ስደተኛታት እቲ ውድብ ኣብ ሊብያ ብመንገዲ ትውተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ምጥሓል ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ'ውን ይቐጽል ምህላዎም ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ 19 ሰነ ብዘጋጠመ ሓደጋ ሓንቲ እንተወሓደ 100 ስደተኛታት ጺዒና ዝነበረ ጃልባ ኣብ ማያት ሊብያ ድሕሪ ምግምጣላ፡ ብዘይካ 5 ሰባት ዝደሓነ ከም ዘየለ እቲ ትካል ሓቢሩ።

ኣብቲ መዓልቲ ብዘጋጠመ ተመሳሳሊ እውን፡ ሓንቲ 130 ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ተገምጢላ፡ ሂወት 70 ሰባት ክጥሕሉ እንከለዉ፡ 60 ብሓገዝ ገፈፍቲ ዓሳ ድሒኖም።

ንጽባሒቱ ረቡዕ 20 ሰነ'ውን ሂወት 50 ሰባት ዝቐዘፈ ሓደጋ ድሕሪ ምግጣሙ፡ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ነቶም ዝደሓኑ ናብ ሊብያ ከም ዝምለሱ ጌሮም።

ኣብቲ ብ12 ሰነ ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ሓደጋ'ውን እንተኾነ ሓደ ቆልዓን 15 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከብወን 76 ስደተኛታት ከም ዝጠሓሉ ውድብ ስደት ዓለም (ኣይ ኦ ኤም) ይጠቅስ።

ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ 41 ድማ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ስለዝረኸበቶም ብሂወት ክተርፉ ምኽኣሎምን ንኢጣልያ ከም ዝተወስዱን እቲ ሓበሬታ ገሊጹ።

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ወፍሪ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 1000 ስደተኛታት ካብ ባሕሪ ከም ዝመለሱ ጸብጻበት ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

እቶም በቶም ሓለዋ ባሕሪ ዝተታሕዙ ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ይተሓዙ ምህላዎምን፡ እቲ ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዝገብረሎምን'ውን ገሊጹ።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና፡ እቲ የማናዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ዝኾነን ማትዮ ሳልቪኒ፡ ምስ ሰብ መዚ ናይታ ጌና ዘይተረጋገአት ሊብያ ንምዝርራብ ሎሚ ኣብ ትሪፓሊ ኣትዩ።

ዕላማ ናይቲ ምብጻሕ ድማ፡ ነቶም ማእከላይ ባሕሪ እናቋረጹ ናብ ኣውሮጳ ዝውሕዙ ዘለዉ ስደተኛታት ንምግታእን፡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ መዓስከር ስደተኛታት ዝድኮነሉ ዕድላት ንምንዳይ ምዃኑ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ካብ ዝሓለፉ ሰሙናት ጀሚሩ፡ ስደተኛታት ዝጸዓና ናይ ሂወት ኣድሕን መራኽብ ናብ ኢጣልያ ከይኣትዋ ይኽልከላ ምህላወን ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብላይፍላይን እትጽዋዕ ናይ ሓደ ናይ ሂወት ኣድሕን ግብረሰናይ መርከብ፡ ነቶም ካብ ባሕሪ ዘድሓነቶም 230 ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ከይትወስዶም ተኸልኪላ'ያ። ማልታ ብወገና ከምዘይትቕበሎም ኣፍሊጣ ነይራ።

ቅድሚ'ዚ ድማ፡ ብሰንኪ'ዚ ተሪር ፓሊሲ፡ እታ ልዕሊ 600 ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ባሕሪ ዘድሓነት መርከብ ኣኳሬስ፡ ኢጥልያን ማልታን ናብ ወደባተን ክትጽጋዕ ድሕሪ ምኽልካለን፡ ድሕሪ ናይ መዓልታት ቀንፈዘው ናብ ስጳኛ ክትከይድ ተገዲዳ'ያ።

ዋላኳ፡ ኩነታት ሊብያ እናኸፍአ ይኸይድ እንተሎ፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ግን ይቕጽል ኣሎ። ሓያሎ ስደተኛታት'ውን ግዳያት ምጭዋይን፡ ሕማቕ ኣተሓሕዛ መዳጎኒታት ሊብያን ክኾኑ ይረኣዩ ኣለዉ።

ኣብ ሊብያ ዘሎ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት እናኸፍአ ብምዃዱ ስደተኛታት ናብ ጎረቤት ሃገር ኒጀር ከም ዝውሰዱ ክግበር ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።