እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ሰባት ማዕቀብ ኣዊጁ
ኣብዚ እዋን ክሳብ 700 ሺሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ናይቶም ኣሰጋገርቲ ሰባት ከምዝርከቡ ሕብረት ኣፍሪቃ ገሊጹ።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ ኣብ ሊብያ ዝነጥፉ መራሕቲ ስርዓተ-መርበብ ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ሰባት ማዕቀብ ደንጊጉ።
ኣስማት ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ሰባት ኣብ ዝርዝር ኣህጉራዊ ማዕቀብ ከአትዉ ንመጀመርታ እዋን ኢዩ።
እቶም ኣብ ጸሊም መዝገብ ዝሰፈሩ ሰባት ሽዱሽተ ክኾኑ ከለው፡ ኣርባዕተ ሊብያውያንን ክልተ ኤርትራውያንን ኢዮም።
ካብቶም ኣርባዕተ ሊብያውያን እቲ ሓደ መራሒ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ`ቲ ዞባ ኢዩ።
እቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት ነቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ውሕስነት ዘይብሉ ፖለቲካዊ ኩነታት ብምምዝማዝ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ብባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ኣሰጋጊሮም ኢዮም።
ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ናይቶም ኣሰጋገርቲ ብምውዳቖም ኣደዳ ማህረምትን ካልእ ስቅያትን ኮይኖም ኢዮም።
እቲ ዝተደንገገ ማዕቀብ እገዳ ዓለማዊ ምንቅስቓስን ምድስካል ርእሰ-ማሎምን ዘጠቓለለ ኮይኑ ውጽኢት ናይ መንግስቲ ሆላንድ እማመ ኢዩ።
ፈለማ እቲ እማመ ብ1 ግንቦት ኢዩ ቀሪቡ ነይሩ፡ ዳሕራይ ግና መንግስቲ ሩስያ ነቲ ኣንጻር`ቶም ሽዱሽተ ዝቐረበ ጭብጥታት ከጽንዕ ስለዝበለት ስጋብ ሕጂ ከይተተግበረ ጸኒሑ።
እቲ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ማዕቀብ ድሕሪ`ቲ ኣብ 2017 ህዝቢ ዓለም ዘቖጠዐ መደበር ቴሌቪዥን ሲ ኤን ኤን ገለ ካብቶም ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ከም ጊላታት ብጨረታ ክሽየጡ ዘርኢ ዶክዩሜንቴሪ ድሕሪ ምትሕልላፋ ኢዩ ተኣዊጁ።
``ዝሓለፈ ቀውዒ [ኣብ ወርሒ መስከረም]፡ነቲ ምስሊ ናይቶም ኣብ ሊብያ ከም ጊላታት ዝተሸጡ ስደተኛታት ምስረአና፡ ኣሰንቢዱናን ሕልናና ተንኪፍዎን፡ ሽዑ ኢዩ ድማ ባይቶ ጸጥታ ነቲ ስጉምቲ ክወስድ ዝወሰነ`` ኢላ ኒኪ ሄሊ፡ ኣማባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት።
``እዚ ሎሚ ዝተወሰነ ማዕቀብ ማሕበረሰብ ዓለም ኣንጻር`ቶም ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ሰባት ከምዝሰመረ ዘርኢ ሓያል መልእኽቲ ኢዩ ዘመሓላልፍ፡ ድሕሪ ደጊም ኣብ ዓለምና ኸምዚ ዝኣመሰለ መሰልን ክብረትን ወዲ ሰብ ዝግህስ በደል ዝፍጸመሉ ቦታ ጨሪሱ ኣይክህሉን ኢዩ``ድማ ኢላ።
ካብቶም ማዕቀብ ዝተወሰነሎም ሽዱሽተ ሰባት፡ እቲ ሕቡራት ሃገራት ``ሓደ ካብቶም ቀንዲ ኣብ ሊብያ ኮይኑ ኣብቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዘተዋፈረ`` [ኤርትራዊ] ኤርምያስ ግርማይ ይርከቦም።
ሊብያ ከምሃገር እታ ቀንዲ ባብ ናይቶም ናብ ኤውሮጳ ክኸዱ ዝደልዩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኢያ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ዝሓለፈ ታሕሳስ ከምዝበሎ ካብ 400,000 ስጋብ 700,000 ዝኮኑ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ዝርከባ ልዕሊ 40 ኣብዝኾና መዳጎኒ ቦታታት ሰብኣውነት ኣብ ዝጎዶሎ ቦታ ተሓይሮም ከምዝርከቡ ገሊጹ።
ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት [International Organization of Migration] ከምዝበሎ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 3,100 ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ከለው ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ከምዝሞቱ ገሊጹ።