እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጉዕዞ ዘይሕጋዊ ስደት ወትሩ ሞትን ስቓይን እዩ!
ካብ ሶማል ናብ የመን ክሰግሩ ዝፈተኑ ልዕሊ 46 ኢትዮጵያውያን ተጓዓዝቲ፤ ጃልብኦም ብማዕበል ብምግምጣላ ከምዝጠሓሉን ካልኦት 16 ድማ ዛጊት ሃለዋቶም ከም ዘይተፈለጠን፤ ሰብ መዚ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጦም።
እቶም ብህይወት ዝደሓኑ ከም ዝገለጽዎ፡ እታ ተሳፊሮማ ዝነበሩ ጃልባ ብዉሕዱ 100 ዝኾኑ ኣብ የመንን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ስራሕ ክደልዩ ንዝተበገሱ ሰባት ጽዒና ነይራ።
እቶም ተጓዓዝቲ ብምልኦም ኢትዮጵያዉያን ምንባሮም እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት (IOM)፡ ካብቶም ረቡዕ ንግሆ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ዝጠሓሉ ግዳያት፡ 37 ደቀተባዕትዮን ትሽዓተ ደቀንስትዮን ምንባሮም ሓቢሩ።
"ወርሓዊ ልዕሊ 7,000 ስደተኛታት በዚ ሓደገኛ መገዲ ይጓዓዙ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ከባቢ 100,000 በዚ መገዲ ተጓዒዞም" ይብል በዓል መዚዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት መሓመድ ኣብዲከድር።
የመን ንቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘለዋ ቅርበት" ከም ኣፍደገ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ኤውሮጳን ስለእተረአ ንዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ስደተኛታት በዚ መገዲ'ዚ ክጎዓዙ ጸኒሖም ኣለዉ።
እንተኾነ እታ ሃገር ብሰንኪ ኲናት ሓድሕድ ጸንኩር ሰብኣዊ ቅልዉላዉን ኣጋጢሙዋ ይርከብ።