ኤርትራዉያን ስደተኛታት፡ መወዳእታ ዘይብሉ ትጽቢት ስደተኛታት ኣብ ሊብያ

ምዕሩይ ፖለቲካዊ ሃዋህዉ ዘይብላ ግን ድማ: ናይ ኣሽሓት ስደተኛታት መሰጋገሪትን መዕቖቢትን ክትኾኖም ዝረግጹዋ ሊቢያ፡ ልዕሊ ሰደድ ሓዊ ዝልብልብ ህይወት እዩ ዝጥጅአላ።

ከም ኣቕሓ ምሻጥ ምልዋጥ፣ ማህረምትን ዓመጽን፡ ዕጫ ኣብ ኢድ ዘይሕጋዉን ኣስገርቲ ሰባት ዝወደቐት ህይወት ነፍሲ ወከፍ ስደተኛ'ያ።

ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ኣይ ህይወት ኣይ ሞት ኮይኖም መዓልታት ዘሕልፉ ዘለዉ 250 ኤርትራዉያን ዝርከቡዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያዉያን፣ ሶማሊያዉያን፣ ናይጀሪያዉያንን ካልኦት ኣፍሪቃዉያንን ስደተኛታት ኣብ ኣብ ሓጊግ ተቐርቂሮም ይርከቡ።

ኣብ ጭንቅን ጸበባን ኾይኑ ብስልኪ ዘዘራረበና ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ትራብሎስ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣብ ዘሎ ካምፕ ዓይኒ ዛራ፡ ማእለያ ዘይብሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸሞም ከምዘሎ ሓቢሩ።

"ትሕቲ ክልተ ዓመት ቆልዑት ሓዊሱ ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ኣለዉና። ጾታዊ ዓመጽ ዝበጽሐን ዘሎ ደቂ ኣንስትዮ'ዉን ኣለዋ። ኣተሓሕዛና ኣዝዩ ከቢድ'ዩ። ማህረምቲ ኣሎ፡ መሲሕ እናበልካ ማዕተብና ምብታኽ ኣሎ። እንታይሞ፡ ብኣና ክጻወቱ'ዮም ዝዉዕሉ" ክብል ተስፋ ብዝቖረጸ መንፈስ ይዛረብ።

ኣብቲ ዘይሕጋዉያን ስደተኛታት ዝተሓዝሉ ዝበሃል ቦታ ካብ ዝኣትዉ ሽዱሽተ ወርሒ ከምዝገበሩ ዝዛረቡ እዞም ስደተኛታት፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ወጺኦም ከይመለሱዎም ዝተረፉ ከምዘለዉ ይገልጹ።

"መቕጻዕቲ እናበሉ ኣብ ጋራጅ የስርሑና። ሕክምና ኢሎም ይወስዱዎ ኣበይ ኣሎ እንተበልኻዮም ኣብ ካልእ መዓስከር ኣሎ እንተበልካዮም፡ ሃዲሙ ይብሉኻ። ብኸመይ ንፈልጥ? ንሕክምና ኢሎም ዝወሰዱዎም ግን ክኣ ከይተመለሱ ኣርባዕተ ወርሒ ዝገበሩ ኣለዉ" ይብል እቲ ሽሙ ክቃላሕ ዘይደለየ ስደተኛ።

"ድላዮም ክገብሩ፡ ኣዋልድ ይወስዱ"

ኣብዚ መሓዩር ስደት፡ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከይተረፈ'ዮም ነዚ ናይ ጸላም ሂወት ዝሓልፉ ዘለዉ። ደቂ ኣንስትዮሞ፡ ማዓሙቕ ልበን ይፍለጦ።

"ኣደ ቖልዑት ኣለና። ህጻናትን ትሕቲ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ'ዉን ኣለዉና። ቅድሚ ሕጂ እናተጉዓዝና ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ገጢሙና ናብዚ ምስመለሱና፡ ቑሊሕ ኢሎምና ኣይፈልጡን። ተሓይርና'ዉን ብሃይማኖት ክፈላልዩና ይጅምሩ" እትብል ሓንቲ ካብተን ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ሕስረትን ግፍዕን ጸይረን ይሓልፋ ምህላወን ተዛሪባ።

"ክብሪ ስኢንና፡ ድላዮም ክገብሩ ኣዋልድ እናወሰዱ ይዕምጹ። ለይቲ ነቶም ኣሕዋትና እናዓጸዩ ንዓና ከፊቶምና ይሓድሩ" ክትብል ትገልጽ።

እዛ ስደተኛታት፡ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክሰግሩላ ዝረገጹዋ ሃገር ሊቢያ፡ ጉዳይ ማእሰርቲ ወይ ምንግልታዕ ስደተኛታት ዝዕዘብን ስርዓት የብላን።

ሊቢያ፡ ምሻጥ ምልዋጥ መዓልታዊ ህይወት ስደተኛታት

ጋዜጠኛን ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት እሱራት ስደተኛታት ሜሮን እስጢፋኖስ፡ ኩነታት እዞም ስደተኛታት ክትገልጽ እንከላ፡ ኣብ ናይ ስደተኛታት መዳጎኒታት ዝተዓጸዩ ብዙሓት ስደተኛታት ኣለዉ'ያ ትብል።

ኣብታ ሃገር ሕጋዉን ዘይሕጋዉን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ ከምዘሎ እትገልጽ ሜሮን፡ እቲ ሕጋዊ፡ ብዓለምለኻዊ ትካላት ዝፍለጥ ምኻኑ ትሕብር።

"እቲ ሕጋዊ ዝበሃል፡ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃራትን ኣይ.ኦ.ኤምን ዝፈልጥዎ፡ እቲ እሱር ስደተኛ ድዩ ኣይኮነን ኣጻርዮም ናብ ሳልሳይ ሃገር ክኸይድ ይጽዕሩሉ፤ ተቐባልነት ዘይብሉ ስደተኛ እንተኾይኑ ድማ ናብ ሃገሩ ይመልስዎም"።

ኣብዝሓ ግህሰት፣ ማህረምቲ፣ ምሻጥን ምልዋጥን ካልኦት ግፍዒታትን ዝፍጸመሉ ዘይሕጋዊ ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ግና፡ እቶም ዘይሕጋዉያን ስደተኛታት ብቶም ዝሓዙዎም ሰባት መዓልታዊ ዝሓልፉዎ ህይወት'ዩ።

"ኣብቲ ዘይሕጋዊ ቤት ማእሰርቲ ዝበሃል እቶም ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ንኣውሮጳ ዝሰግሩ ይመልስዎም። ሕጂ ከኣ ኣውሮጳዊ ሕብረት ምስ መንግስቲ ሊብያ ተሰማሚዖም፡ እቲ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ንከይኣትዉ ነቶም ናይ ሊብያ ሓለዋ ባሕሪ ኣብ ባይታ እናተዓዘብዎም ደዉ የብልዎም" ክትብል እያ ትገልጽ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት እሱራት ስደተኛታት ሜሮን እስጢፋኖስ።

ኣብዞም መዳጎኒታት ዝርከቡ ስደተኛታት፡ መግቢ ኾነ ሕክምና ክረኽቡ ኣጸጋሚ'ዩ። ጽሬት ዝበሃል ነገር ዳርጋ የለን። ብዙሕ ቑጽሪ ዘለዎም ሰባት ኣብ ሓደ ተዳጕኖም ስለዝቕመጡ ድማ፡ ንዝተፈላለዩ ናይ ጥዕና ጸገማት ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ሰፊሕ ከምዝኾነ'ዮም ዝገልጹ።

ነዚ ኩነታት ብተደጋጋሚ ናብ ዓለምለኻዊ ትካላትን ማሕበረሰብ ዓለምን ከምዘቃልሐት እትገልጽ ሜሮን፡ "ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊኤን ዓመጽ ኣሎ። ደቂ ተባዕትዮ ከይተረፈ ግዳያት'ዮም" ኢላ።

እቶም ዝተጨውዩ መሳኪን ኣብ ትሕቲ መሬት'ዮም ተዓጽዮም ይቕጥቐጡ'ዮም ዘለዉ ክትብል እትገልጽ እታ ተሓላቒት መሰላት እሱራት ስደተኛታት፡ እቲ ኣተሓሕዛ ልክዕ ከምቲ ናይ ሲናይ'ዩ ምባል ይከኣል ትብል።

"እቶም ኣሰጋገርቲ ባዕሎም፡ ብዙሕ ግፍዕታት ስለዝወርዶም ከፊልካሎም ኣይፍንውዎምን እዮም። ሓሙሽተ፡ ሽዱሽተ ግዘ ከፊልና ሓውና ክሳብ ሕጂ ኣየውጽኡልናን ዝበሉኒ ኣለዉ። ሕሉፍ ሓሊፎም ንክእስሩኻ 4 ሽሕ ዶላር በጺሑ" ብምባል እቲ ኩነታት ኣዝዩ ኽፉእ ከምዝኾነ ትሕብር።

ህዝባዊ ጸቕቲ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል'ዩ

እቲ ብዛዕባ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)፡ ብቐረባ ይከታተለና የለን'ዮም ዝብሉ እቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ስደተኛታት።

"ካልእ ተሪፉ ዩኤንኤች ሲኣር እኮ እዩ ክምዝግበና ዘይኽኣለ" እትብል ብዛዕባ እቲ ኩነታት ሓበሬታ ዝሃበትና ኣደ ቖልዓ ስደተኛ፡ "ቁሩብ ተስፋ እንተኾነናስ ዩኤንኤች ሲኣር ክምዝግበና እንዶ ይገበር" ብምባል ተማሒጽና።

"መዓልታዊ፡ ኣብ ትሕቲ ዩኤንኤች ሲኣር ኢኹም ዘለኹም'ዮም ዝብሉና። ኮይኑ ግና እቲ ኤጀንሲ ዝኾነ ነገር ገይሩልና ኣይፈልጥን" ድማ ይብል እቲ ሽሙ ክቃላሕ ዘይደለየ ኤርትራዊ ስደተኛ።

ተጣባቒት መሰላት እሱራት ስደተኛታት ሜሮን እስጢፋኖስ፡ እዚ ኣብ ሊቢያ ዘሎ ጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ብስእልን ካልእ መረዳእታን ብምድጋፍ ናብ መራሕቲ ሃገራት ኤዉሮጳን ትካላትን ኣቤት'ኳ እንተተብሃለ፡ ክሳብ ሕጂ ግና ዝመጽአ ለዉጢኡ ግና የለን እያ ትብል።

"ተዛሪብካ ማለት ፍታሕ ይመጽእ'ዩ ማለት ኣይኮነን። ዩኤን ኤች ሲኣር ስራሕና ምምዝጋብ'ዩ ይብለካ። ኩነታቶም ዝምልከት ግና ምስ መንግስቲ ሊቢያ ተዘራረቡ ይብሉኻ። ኣብ ሊቢያ፡ ምስ ኣየናይ መንግስቲ ኢኻ ክትዘራረብ?" ብምባል ትሓትት።

ኮይኑ ግና፡ ዉሕሉል ህዝባዊ ጸቕጢ ብምግባር ለዉጢ ክመጽእ ከምዝኽእል ሓቢራ።

መዓልታዊ ሂወት እዞም መዋጽኦን ራህዋን ክረኽቡ ሃንቀው ዝብሉ ስደተኛታት ብስቓይ ዝተመልአ'ዩ።

ሎሚ ከመይ ኢላ ትሕለፍ ርእሱ ዝኸኣለ ቃልሲ'ዩ? እታ ጸማም እዝኒ ሂባትና ዝብሉዋ ዓለም ሓደ መዓልቲ ክትርድኦም በቲ እናማህመነ ዝኸይድ ዘሎ ተስፍኦም ኣብ ትጽቢት ይርከቡ- መወዳእታ ዘይብሉ ትጽቢት!