እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ እስራኤል ስደተኛታት ናይ ምስጓግ ሓሳቡ ገዲፍዎ
መንግስቲ እስራኤል፡ ኣብ ሃገሩ ዘለዉ ስደተኛታት ብኣስገዳድ ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ናይ ምስግጋር ሓሳቡ ከምዝገደፎ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ገሊጹሉ።
መንግስቲ እስራኤል ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኤርትራን ሱዳንን ብዘይድሌቶም ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንምስጓግ ክሰርሕ ጸኒሑ እዩ።
መጻኢ ዕድል እቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ልዕሊ ሰላሳ ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ከዘራርብ ምጽንሑ ዝፍለጥ'ዩ።
እቶም ስደተኛታት፡ እስራኤል ምስ ግብጺ ኣብ ዘዳውባ በረኻታት ሓጹር ቅድሚ ምሕጻራ ዝኣተዉ'ዮም።
እቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ምሕደራን ፖለቲካዊ ሃዋህውን ናብ ዓዶም ክምለሱ ከምዘይኽእሉ ብተደጋጋሚ ክገልጹ እኳ እንተጸንሑ መንግስቲ እታ ሃገር ግን ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ምዃኖም ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ።