ፓኪስታን፡ ብክሕደት ሃገር ዝተኸሰሰ መራሒ ፓኪስታን ነበር ንሕልፈት ተፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኢዝላማባድ ኣብ ዝወዓለ ፍሉይ መጋብኣያ ቤት ፍርዲ፡ ወተሃደራዊ መራሒ ፓኪስታን ነበር ጀነራል ፐርቬዝ ሙሽሃራፍ ንሕልፈት ተፈሪዱ።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ ካብ 2013 ጀሚሩ ብዝቐረበ: ክሲ ከቢድ ክሕደት'ዩ ንሕልፈት ፈሪዱዎ።
ብ1999 ብዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ናብ ስልጣን ዝደየበ ጀነራል ፐርቬዝ ሙሽሃራፍ፡ ካብ 2001 ክሳብ 2008 ፕሬዝደንት ሃገር ኮይኑ መሪሑ።
ኣብ 2016፤ ንሕክምና ካብ ሃገር ክወጽእ ብመሰረት ዝተውሃቦ ፍቓድ ሕጂ ኣብ ዱባይ'ዩ ዝርከብ።
እቲ ጀነራል ዝቐረበሉ ኽሲ፡ ኣብ 2007 ዕምሪ መሪሕነቱ ንምንዋሕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ ብምእዋጅ ቅዋም እታ ሃገር ወንዚፉ ምስ ዝብል ዝተሓሓዝ'ዩ።
ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዝዘርግሖ ኣብ ሆስፒታል ዝተቐድሐ መልእኽቲ ምስሊ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ኽሲ "ሰረትኣልቦ" ክብል ገሊጹዎ።
ኣብ ፓኪስታን፤ ጀነራል ሙሽሃራፍ ቅዋም ብምውዛፍ ናብ ፍርዲ ዝቐረበ ፈላማይ ወተሃደራዊ መራሒ'ዩ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ጀነራል ዝተመሓላለፈ ውሳነ ቤት ፍርዲ፤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ መጋብኣያ ካብ ዝነበሩ ሰለስተ ዳያኑ እቶም ክልተ ስለ ዝደገፉዎ'ዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







