ኣስያ ቢቢ፡ ንሞት ዝተፈርደት ኣማኒት ክርስትና ካብ ፓኪስታን ወጺኣ

ኣብ 2010 ንነቢይ መሓመድ ተጻሪፍኪ ተባሂላ ንሞት ተፈሪዳ ዝነበረት ፓኪስታናዊ ኣማኒት ክርስትና፡ ኣስያ ቢቢ፡ ናይ ሞት ፍርዳ ብላዕለዋይ ቤትፍርዲ ድሕሪ ምልዓሉ፡ ብገለ ኣኽረርቲ ምስልምና ብዝበጽሓ ዝነበረ ምፍርራሕ ካብ ፓኪስታን ምውጽኣ ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም፤ መዓስን ናበይን ከምዝኸደት ግና ኣይሓበሩን።
ኣስያ ቢቢ ብሞት እንተትቕጻዕ ነይራ፡ ብምምርሳሕ ነቢይ ሙሓመድ ንሞት ዝተፈርደት ቀዳመይቲ ፓኪስታናዊት ጓልንስተይቲ ምኾነት ነይራ።
እታ ብኣስያ ቢቢ እትፍለጥ፡ ኣስያ ኖሬን፡ ኣብ 2010 ምስ ጎረቤታ ኣብ ዝተግራጨወትሉ እዋን፡ ንነቢይ መሓመድ ጸሪፍኪ ተባሂላ ተኸሲሳ፡ ናይ ሞት ፍርዲ ድማ ተፈሪድዋ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ትሽዓተ ዓመታት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብዝነበረትሉ እዋን፡ ከምዘይኣበሰት ብቐጻሊ ክትገልጽ ጸኒሓ።
ዓሚ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፓኪስታን ነቲ ዝተዋህበ ናይ ሞት ብይን ምስ ኣልዓለላ፡ ብኣኽረርቲ ምስልምና ምፍርራሕ ይወርዳ ስለዝነበረ መንግስቲ ኣብ ስቱር ቦታ ኣቐሚጥዋ ጸኒሑ።
ሕጂ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ ካብ ፓኪስታን ከምዝወጸት ተፈሊጡ። ሰብ መዚ እታ ሃገር፡ ኣስያ መዓስን ናበይን ከምዝኸደት`ኳ እንተዘይሓበሩ፡ ጠበቕኣ ግና ናብ ካናዳ ከም ዘምርሐትን ምስ ክልተ ደቃ ከም ዝተራኸበትን ኣፍሊጡ።
እቲ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ፡ ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ ነቲ ዝተዋህባ ናይ ሞት ፍርዲ ምስ ኣልዓለላ፡ ኣኽረርትን ንነቢይ መሓመድ ዘመራስሐ ሰብ ብሞት ክፍረድ ዝድግፉ ሰባትን፡ ኣብታ ሃገር ጎነጽ ዝመልኦ ተቓውሞ ኣላዒሎም ነይሮም።
እቶም ነጻ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ክፋል ናይቲ ሕብረተሰብ ድማ ክትፍታሕ ክምሕጸኑ ጸኒሖም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







