ኤርትራ ዘይተሳተፈቶ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ

ኣብ ዋዕላ ኣዲስ ኣበባ ዝሳተፉ ዘለዉ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ

ምንጪ ስእሊ, Office of the Prime Minister-Ethiopia/Twitter

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዋዕላ ኣዲስ ኣበባ ዝሳተፉ ዘለዉ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ

ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ ብኣአንጋድነት ኣቦ-መንበር ናይቲ ውድብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ፡ መራሕቲ ኡጋንዳ፡ ሶማልያ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ጂቡቲን ይሳተፉ ኣለዉ። ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ብላዕለዎት ሰብስልጣኑ ተወኪሉ'ሎ።

እታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ኣባል ሃገራት ዝምድናኣ ዘመሓየሸት ኤርትራ ግን ኣብቲ ኣኼባ ኣይተሳተፈትን።

ኣብ ሚያዝያ 2007 ብሰንኪ'ቲ ምስ ኢትዮጵያን ዝነበራ ግርጭትን ጉዳይ ሶማልያን፡ ኤርትራ ካብቲ ውድብ ወጺኣ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2011 ተመሊሳ ነይራ።

ኣብ ነሓሰ 2011፡ ሓደ ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ኣኼባ ናይቲ ውድብ ክሳተፍ ኣብ ዝፈተነሉ፡ ብሓይሊ ከም ዝወጽእ ተጌሩ። ድሕሪ'ቲ ፍጻመ ድማ፡ ኤርትራ ኣብ ኣኼባታት ናይቲ ውድብ ኣይተሳተፈትን።

ሃገራት ኢጋድ፡ ኤርትራ ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ትፈጥር ኣላ ብምባል፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ማዕቀባት ክገብረላ ጸዊዑ ምንባሩ ይፍለጥ።

ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ውዕል ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ግን፡ ናብቲ ውድብ ክትምለስ ሰብመዚ'ቲ ውድብ ከተባብዑ ጸኒሖም ኣለዉ። ስለምንታይ ክትምለስ ከም ዘይደለየት ዛጊት ብንጹር ኣይገለጸትን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ግጭታት ኣብ ምፍታሕን ተጻብኦታት ኣብ ምቁራጽን ሃገራት ናይቲ ዞባ ኣብ ቀረባ እዋን ዘርኣይኦ ገስጋስ ንኢዱ።

"ኣብ ሰላምን ልምዓትን ናይቲ ዞባ ንምርግጋጽ ዝገበርኦ ጻዕርታት'ውን ኣመጒሱ" ክብል ቤት ጽሕፈቱ ገሊጹ።

ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ነቲ ውድብ ከም ዝመርሓቶ ይፍለጥ። ዋና-ጸሓፊ ናይቲ ውድብ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነበር ዶ/ር ወርቅነሕ ገበየሁ እዩ።

እቲ በይነመነግስታዊ ብዓልመዚ ንልምዓት፡ ዝተባህለ ዞባዊ ውድብ ኣብ መጋቢት 1996 ኣብ ናይሮቢ ዝተመስረተ ኾይኑ፡ ንሰላም፡ ብልጽግናን፡ ውህደትን ናይቲ ዞባ ክሰርሕ ዝቖመ'ዩ።