ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ 'ሚግ-23 እምበር ሚግ-21 ኣይነበረቶን'

ምንጪ ስእሊ, SM
ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጽምብል ምስረታ መበል 90 ዓመት ሓይሊ ኣየር ሃገሩ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ብስም ከይጠቐሰ፡ ኣብ "ሚግ-21 ደው ኢለን ዘለዋ ሃገራት..." ክብል ተሰሚዑ።
እዚ ድማ ብቐጥታ ነታ ምስ ሃገሩ ኣብ ከቢድ ወጥሪ እትርከብ ኤርትራ ዘነጻጸረ እዩ ብምባል ኤርትራውያን ክቝጥዑን ዝተፈላለየ ግብረመልሲ ክህብሉን ይስምዑ ኣለዉ።
ቢቢሲ ኣብ ዙርያ እዚ ጉዳይ ዳህሳስ ብምግባርን ንሓደ ንኣስታት 20 ዓመታት ካፕተን ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኰይኑ ዘገልገለን ኤርትራዊ ኣዘራሪቡ'ሎ።
እቲ ካፕተን፡ "ዘረባ ኣቢይ ብቐጥታ ንሓይሊ ኣየር ኤርትራ ዘነጻጸረ እዩ ዝብል ግምት የብለይን፣ ምኽንያቱ ንትሕዝቶ እቲ ሓይሊ ኣየር ዝገልጽ ስለ ዘይኰነ፡" እዩ ዝብል።
ንሱ ነዚ ከብርህ እንከሎ፡ ሚግ-21 ነፈርቲ ውግእ ብመሰረቱ ኣብ እዋን ደርግ እየን ነይረ፣ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝተመስረተ ውልዶ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ዝጸንሐት ሓንቲ ሚግ-23 እያ ነይራ፣ ካልኦት መምሃሪ ነፈርቲ ድማ ነይረን፡" ኢሉ እዩ ዘረድእ።
እቲ ኤርትራዊ ካፕተን ኣብ ዘረባኡ፡ እዛ ሚግ-23 ብዙሕ ግዜ ብኣዛዚ እቲ ሓይሊ ኣየር ዝነበረ ሃብተጽዮን ሓድጉ ትበርር ምንባራ ብዙሕ ሰብ ዝዝክሮ ኢሉ ይጠቅስ።
"ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ተወሊዑ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻመን፡ ሃብተጽዮን ተላዒሉ ግብረመልሲ ዝሃበላ ነፋሪት እዛ ሚግ-23 እያ፡" ኢሉ ይቕጽል፤ "ስለዚ ኣብ እዋን ምስረታ እቲ ሓይሊ ኣየር ቅድሚ 30 ዓመታት እውን ሚግ-23 እምበር ሚግ-21 ዝበሃላ'ውን ኤርትራ ኣይነበራኣን፡" ኢሉ የብርህ።
ኣቢይ ኣብ መደረኡ፡ ኢትዮጵያ ኣዝየን ምዕቡላት ነፈርቲ ውግእ ዓጢቓ ከም ዘላን ንቐጻሊ ምዕባለ ትግስግስ ከም ዘላን ሓቢሩ እዩ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ "እቶም ኣብ ግዜ ተዓኒድኩም ንቕድሚት ክትስጕሙ ዘይትኽእሉን [ከም] SU 30: J-10C ወይ ልዕሊኡ ምዕቡላት ነፈርቲ ውግእ እንታይ ምዃነን ዝድንጽወኩም ግን ከኣ ክሳብ ሕጂ ምስ ሚግ-21 ትቃለሱ ዘለኹም፡ ብተደጋጋሚ ክትሓስቡን ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ ተደሪታ ዘላ ሃገር ከም ዘይኰነት ክትግንዘቡን ይግባእ፡" እዩ ኢሉ።
ንሓፈሻዊ ትሕዝቶ ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኣመልኪቱ፡ እቲ ካፕተን "እቲ ሓበሬታ እኮ ዝተመስጠረ ኣይኰነን፣ ኤርትራ ካብ መን እንታይ ገዚኣ ማንም ሰብ ክርእዮ ዝኽእል እዩ፡" ይብል እሞ፡ "ኣብቲ እዋን ኲናት ካብ ሩስያ ዝተዓደገተን ሚግ-29 ነይረን፣ ደሓር ካብ ዩክረይን ዝተዓደጋ ሱኸይ-27 እውን ነይረን፡" ክብል የነጽር።

ምንጪ ስእሊ, Eri-tv
ነዚ ዝምልከት ኣብ ዝተፈላለየ መርበብ ሓበሬታ ዝተዘርግሐ መረዳእታታት ከም ዘመልክቶ፡ ኤርትራ ኣብ እዋን ኲናት 1998፡ ሚግ-29 ካብ ሩስያ ከም ዝዓደገትን፣ ዝተወሰና ድማ ኣብቲ ኲናት ከም ዝተሃርማ፣ ንዕአን ንምክሕሓስ ድማ ኣብ 2003 ካብ ዩክረይን ክልተ - ሱኸይ-27፡ ሱኸይ-27ዩቢ ከም ዝዓደገት፤ ብድሕሪኡ በብእዋኑ ዝተሓደሳን ዘገልገላ ነፈርትን ሄሊኮፕተራን ድሮናትን ከም ዝዓደገት ዝገልጽ ሓበሬታ ተዘርጊሑ ይርከብ።
ሕጂ ኣብ ወጻኢ ሃገር ውልቃዊ ህይወቱ ዝመርሕ ዘሎ እቲ ካፕተን ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ነበር፡ ሕጂ ንዘሎ ትሕዝቶ ነፈርቲን ስርዓተ መከላኸልን እንታይ ከም ዝመስል ጭቡጥ ሓበሬታ ከም ዘይብሉ ግን ኣይሓብአን።
እዘን ሕጂ እትዮጵያ ዓጢቐየን እትብለን ዘላ ነፈርቲ፡ "ብርግጽ ቀለልቲ ኣይኰናን - ሓቂ እዩ 90 ዓመት ዝገበረ ትካል እዩ፣ ግን ድማ ምስዚ ቴክኖሎጂ ነፈርቲ በጺሕዎ ዘሎ፡ ምዕባለ ድሮናትን ክነጻጸር፣ ብኽንድዚ ቃና ትጀሃረሉ ኣይኰነን - ኣብ ርእሲኡ ንሓይሊ ኣየር ሓይሊ ዝህቦ ካልእ ብዙሕ ረቛሒታት ኣሎ፡" ክብል ኣብሪሁ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ዝርከብዎም ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናትን፡ ብተደጋጋሚ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1991 ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ዝሰኣንሉ፡ "ዘይፍትሓዊ ክሳራ" ዝበልዎ ተበጻሕነት ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ክተዃቱዅ ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ኤርትራ "መርዛም ኣጀንዳ ግዝኣታዊ ምስፍሕፋሕ" ብምባል ክትኵንኖ ጸኒሓ እያ።
ነዚ ሕጂ ብቐዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ዝተሰምዐ መግለጺ ግን ዛጊት ብወገን ኤርትራ ዝተዋህቦ ምላሽ የሎን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







