መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዘካይዶም በረራታት ሰሪዙ

ኣብ ጸሓይ ዕራርቦ ለጠቕ ኢላ ትበርር ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, ETHIOPIAN/FB

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝተፈላለዩ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መዓርፎ ነፈርቲ ዘካይዶም በራራታት ከም ዝሰረዘ ተፈሊጡ።

ቢቢሲ ትግርኛ፡ ንሎሚ ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባን ትግራይን ክካየዱ መደብ ዝተትሓዘሎም በረራታት ከምዝተሰረዙ ካብ ዝተፈላለዩ ተገልግልቲ ኣረጋጊጹ።

ብመሰረት እቶም ተገልገልቲ ዝበፅሖም ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ፡ በረራኦም ከምዝተሰረዘ ክፈልጡ ዝተገብሩ ዀይኖም፡ ምኽንያቱ ድማ 'ዘይተሓሰበ ኵነታት' ምዃኑ እቲ ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ ይገልፅ።

ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ

በዚ መሰረት፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ [8]፡ ሑመራ [1] ፡ ሽረ-እንዳስላሰ [3] ኣክሱምን [2]፡ ካብን ናብን እተን መዓርፎ ነፈርቲ ንሎሚ ክካየዱ መደብ ተታሒዙሎም ዝነበሩ 14 በረራታት ተሰሪዞም ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሪፖርተር ቢቢሲ ትግርኛ፡ እቶም ካብ ናብን ኣዲስ ኣበባ - ትግራይ ዝግበሩ በረራታት ከምዝተሰረዙ ካብ ኣብ መቐለ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ትኬት እቲ መንገዲ ኣየር ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ከምኡ'ውን፡ ኣብ መቐለ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት እቲ መንገዲ ኣየርን መዓርፎ ነፈረትን፡ ሎሚ ሓሙስ ከዕርፉን ናብ ስራሕ ከይኣትዉን ክፈልጡ ከም ዝተገብሩን ቢቢሲ ካብቶም ሰራሕተኛታት ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ሓለፊ ቢሮ ትራንስፖርት ትግራይ፡ ኣቶ ታደለ መንግስቱ፡ ናይቶም በራራት ምስራዝ ከምዝሰምዐ፡ ምኽንያቱ ግን ከምዝየተገልፀሎምን ከምዘይፈልጡን ንቢቢሲ ትግርኛ ተዛሪቡ።

እንተዀነ፡ ካብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ይዅን ካብ መንግስታዊ ኣካል ብዛዕባ እዚ ዛጊድ ዝተወሃበ ዕላዊ መብርሂ የለን።

ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሰራሕተኛ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናብ ትግራይ ዝግበር ዝነበረ በረራታት ከምዝተሰረዘ ኣረጋጊጹ። እቲ ሰራሕተኛ እቲ መንገዲ ኣየር፡ "ንሎሚ [ሓሙስ] ጥራይ እዩ በረራታት ተሰሪዙ ዘሎ፤ ይኹን እምበር፡ ንዝቕጽሉ መዓልታት ዝግበር በረራታት ኣብቲ ኩነታት ዝምርኮስ ይኸውን" ዝበለ ዀይኑ፡ ምኽንያት ናይዚ ሃንደበታዊ ውሳነ ግን ካብ ምግላፅ ተቘጢቡ።