ትግራይ፡ ሓድሽ ግጭት ኣብ ዘንጸላለወሉ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራታቱ ሰሪዙ

ኣብ ዝተወሰነ ከባቢታት ትግራይ ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት መንግስቲ ፈደራልን ግጭት ከም ዝተኻየደ ኣብ ዝስምዓሉን፣ ስግኣት ሓድሽ ግጭት ኣብ ዘንጸላልወሉን እዋን፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ከተማታት ትግራይ ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ካብ ሓሙስ 21 ጥሪ [ግ] ከምዝሰረዘ ተፈሊጡ።

ቢቢሲ ትግርኛ፡ እቶም ብሓሙስ ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባን ትግራይን ክካየዱ መደብ ዝተትሓዘሎም በረራታት ከም ዝተሰረዙ ካብ ዝተፈላለዩ ተገልግልቲ ብዝረኸቦ ሓበሬታ እዩ ኣቐዲሙ ኣረጋጊጹ።

ብመሰረት እቲ ናብ ገያሾ ዝበጽሐ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ፡ በረራኦም ከምዝተሰረዘ ዝገልጽ ኰይኑ፡ ምኽንያቱ ድማ 'ዘይተሓሰበ ኵነታት' ክብል ጥራይ የመልክት።

እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ጸለምቲ ከባቢ ማይ ደጉሻ ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ፌደራልን ግጭት ከምዘጋጠመ ክስማዕ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ልሙዕን ሃብታምን ከባቢታት ምዕራብ ትግራይ፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ብሓይልታት ኣምሓራ ተታሒዙ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ድማ ናቲ ዝነበሮ ኵነታት ቅድመ-ኲናት ክምለስ ስለዘይከኣለ ክሳብ ሕጂ ጠንቂ ምስሕሓብን ወጥሪን ኰይኑ ከምዘሎ ይፍለጥ።

መንግስቲ፡ እዚ ጉዳይ ብረፈረንደም ከም ዝፍታሕ'ኳ ክገለጽ እንተጸንሐ፡ እቶም ኣብ እዋን እቲ ኲናት ሃዲሞም ዝተፈናቐሉ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ኣብ መላእ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ግዝያዊ መዓስከራት ኣብ ሕማቕ ኵነታት ዝርከቡ ኰይኖም፣ ድምጺ ክህቡ ድዮም ኣይህቡን ንጹር ኣይኰነን።

እዚ ከምዚ'ሉ እናሃለወ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ደቡብ ትግራይ ሓደስቲ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ከምዝተራእየን እዚ ድማ ስክፍታታት ሓድሽ ግጭት ፈጢሩ ከም ዘሎን ምንጭታት ይሕብሩ።

ምስራዝ በረታታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዓርቢ'ውን ከም ዝቐጸለ ይንገር ዘሎ ኰይኑ፡ በዚ መሰረት፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ [8]፡ ሑመራ [1] ፡ ሽረ-እንዳስላሰ [3] ኣክሱምን [2]፡ ካብን ናብን እተን መዓርፎ ነፈርቲ ዝግበሩ ዝነበሩ 14 በረራታት ተሰሪዞም ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሪፖርተር ቢቢሲ ትግርኛ፡ እቶም ካብ ናብን ኣዲስ ኣበባ - ትግራይ ዝግበሩ በረራታት ከምዝተሰረዙ ካብ ኣብ መቐለ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ትኬት እቲ መንገዲ ኣየር እውን ተፈሊጡ'ሎ።

ከምኡ'ውን፡ ኣብ መቐለ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት እቲ መንገዲ ኣየርን መዓርፎ ነፈረትን፡ ሓሙስ ከዕርፉን ናብ ስራሕ ከይኣትዉን ተሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር፣ እዚ'ውን ቀጺሉ ከምዘሎ ቢቢሲ ካብቶም ሰራሕተኛታት ዝረኸቦ ተወሳኺ ሓበሬታ የመልክት።

ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሰራሕተኛ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናብ ትግራይ ዝግበር ዝነበረ በረራታት ከምዝተሰረዘ ብምርግጋጽ፡ "ንሎሚ [ሓሙስ] ጥራይ እዩ በረራታት ተሰሪዙ ዘሎ፤ ይዅን እምበር፡ ንዝቕጽሉ መዓልታት ዝግበር በረራታት ኣብቲ ኵነታት ዝምርኮስ ይኸውን" ብምባል፡ ምኽንያት ናይዚ ሃንደበታዊ ውሳነ ግን ክገልጽ ኣይደለይን።

ሓለፊ ቢሮ ትራንስፖርት ትግራይ፡ ኣቶ ታደለ መንግስቱ፡ ናይቶም በራራት ምስራዝ ከምዝሰምዐ፡ ምኽንያቱ ግን ከም ዘይተገልጸሎምን ከምዘይፈልጡን ንቢቢሲ ትግርኛ ተዛሪቡ።

ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ይዅን መንግስታዊ ኣካላት ዛጊድ ዝሃብዎ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።