እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ብልዕቱ ዝቘረጸ መንእሰይ ዕዉት ዳግመ-ተኸላ ተገይሩሉ
ኣብ ኢትዮጵያ፡ 7 ሰዓታት ብዝወሰደ መጥባሕቲ ዝተቘርጸ ብልዕቲ ሓደ መንእሰይ ብዓወት ዳግመ-ተኸላ ተገይሩሉ።
እቲ ብቀዳም 9 ጥሪ 2018 (ግ) ኣብ ገዛእ ርእሱ መጕዳእቲ ዘብጽሐ መንእሰይ፡ ኣብታ ለይቲ እቲኣ ዕውት መጥባሕቲ ከምዝገበረሉ ኣብ ሆስፒታል ኣለርት ሓላፊ ክፍሊ መጥባሕቲ ዶክተር ዓብዱረዛቕ ዓሊ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"እቲ መትሎኡ ዝተቘረጸሉ ሰዓት ኣብ ግምት ብምእታው፡ መሊሱ እንተተኺሉ ክሰርሕ ይኽእል እዩ ኢልና ወሲንና" ይብል ዶክተር ዓብዱረዛቕ።
መትሎ እቲ መንኧሰይ ምሉእ ብምሉእ ስለዝተቘርጸ ዑደት ደሙ ከምዝተቛረጸን ቅድሚ ናብ ሆስፒታል ምብጽሑ ን9 ሰዓታት ኦክስጅን ይረክብ ከምዘይነበረን ገሊጹ።
እንተዀነ፡ "ብዙሕ መድመይቲ ኣይነበረን፤ እቲ ቃንዛ ቅልል ዝበለ እዩ ነይሩ" ብምባል ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ኵነታቱ ኣዝዩ ኣሰካፊ ከምዘይነበረ ገሊጹ።
እቲ መንእሰይ ብልዕቱ ምስተቘረጸ ድሕሪ ሰዓታት ናብ ሆስፒታል እኳ እንተ ተወስደ፡ 5 ሴንቲ ሜተር ዝቝመቱ ቍራጽ ብልዕቱ ኣብ በረድ ተገይሩ ናብ ሆስፒታል ስለዝተወስደ እቲ ሕክምና ክቐልል ከምዝገበሮ ዶክተር ዓብዱረዛቕ ገሊጹ።
ኣብ ኢትዮጵያ ከምዚ ዓይነት መጥባሕቲ ክፍጸም እዚ ንመጀመርያ ግዜ ከምዝዀነ እቲ ዶክተር ይዛረብ።
ቅድሚ ሕጂ ዋላ'ኳ ምሉእ ብምሉእ ዕዉት እንተዘይኮነ፡ ንዝተቘርጸ ብልዕቲ ዳግመ-ተኸላ ተፈቲኑ ነይሩ እዩ።
ይዅን እምበር፡ እቲ ሽንቲን ደገፍቲ መዋቕራትን ጥራይ እዩ ዳግማይ ክተሓሓዙ ክኢሎም። ስለዝዀነ ድማ፡ እቲ ሕክምና ብዓቢኡ ውጽኢታዊ ኣይነበረን።
እዚ ዳሕረዋይ ዕዉት መጥባሕቲ፡ ሰራውር ደምን መትኒታትን ብልዕቲ ዳግማይ ብምትእስሳርን ናብቲ መበገሲኡ ብምምላስን፡ "ፈላማይ" እዩ ይብል እቲ ዶክተር።
"መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ድሕሪ ምቝራጽ መትኒን ሰራውር ደምን፡ ኣብ ብልዕቲ ጭዋዳ ስለዘየለ፡ ክሳብ 16 ሰዓታት ከይሞቱ ክጸንሑ ይኽእሉ እዮም። ጭዋዳ ዝርከበሉ ከባቢ ንኣርባዕተ ሰዓታት ጥራይ'ዩ ክጸንሕ ዝኽእል" ይብል።
እቲ ዝተቘርጸ ብልዕቲ ናይቲ መንእሰይ ድማ፡ ካብ ዝተረፈ ኣካሉ ን9 ሰዓታት ጥራይ እዩ ተፈልዩ ጸኒሑ። ስለዝዀነ ድማ እቲ መስርሕ ሕክምና ክዕወት ክኢሉ ኣሎ።
እቲ መጥባሕቲ ኣብ ምጽራይ፡ ምትዕርራይ ዝተፈላለዩ ኣቃውማታት ሻምብቆ ሽንቲን ደገፍቲ ኣካላትን ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ክፋል እቲ መጥባሕቲ ድማ ኣብ ምትእስሳር መትኒታትን ሰራውር ደምን ዘጠቓለለ ከምዝነበረ ዶክተር ዓብዱረዛቕ ይገልጽ።
ኣብ መወዳእታ 20ታት ዕድመ ዝርከብ እቲ መንእሰይ፡ ስለምንታይ ነቲ ሓደገኛ ተግባር ኣብ ገዛእ ርእሱ ከምዝፈጸመ ኣይተፈልጠን።
"ሻምብቆ ሽንቲ ተገጢሙሉ ኣሎ። ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ክሽይን ትጽቢት ንግበር" ይብል ዶክተር ዓብዱረዛቕ።
እንተዀነ ግና ስጋዊ ርክብ ንኽፍጽም እንተወሓደ ሰለስተ ወርሒ ክወስድ እዩ፤ ናብ ንቡር ኵነታት ናይ ምምላስ ዕድሉ እውን ልዑል ምዃኑ እቲ ዶክተር ይጠቅስ።
"ብልዕቱ ክውጠር እንከሎ እቲ ዝተጸገነ መትኒ ክጎድእ ስለ ዝኽእል ክሳብ ሰለስተ ወርሒ ጾታዊ ርክብ ክገብር ኣይፍቀደሉን።"
ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምሉእ ብምሉእ ዝተቘርጹ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ኣካላት ናብ ንቡር ቦታኦም ክምለሱን ንጥፈታቶም ክቕጽሉን ዘኽእሉ ዕዉታት መጥባሕቲ ከም ዝተኻየዱ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብሓደጋ ምሉእ ብምሉእ ዝተቖርጸ ቅልጽም ሓደ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ብመጥባሕቲ ዳግማይ ዕውት ተኸላ ተገይርሉ መዘራረቢ ኰይኑ ነይሩ።
እቲ መጥባሕቲ ክሳብ ክንደይ ዕዉት ክኸውን ይኽእል?
ኣብ ዓለም ንመጀመርታ ግዜ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ዕዉት መጥባሕቲ ቅድሚ 10 ዓመት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እዩ። እቲ ተሓካሚ ድማ ጥዑይ ናብራ ክነብርን ቈልዑ ከይተረፈ ክወልድን ክኢሉ።
ዝተቘርጸ ብልዕቲ ዳግመ-ተኸላ ምግባር ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ረቂቕን ኣገባብ እዩ። ንደቀቕቲ ሰራውር ደምን መትኒታትን ብማይክሮሰርጀሪ ዝበሃል መስርሕ ዳግማይ ክተኣሳሰሩ ምግባር የጠቓልል።
ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተገብሩ ተመሳሳሊ መጥባሕቲታት፡ ተሓከምቲ ብግቡእ ክሽኑን ጾታዊ ርክብ ክገብሩ፡ ኢሉ'ውን ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ክወልዱ ከምዝኸኣሉን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ዕዉት መጥባሕቲ ዝተገብረሎም ተሓከምቲ ምሉእ ብምሉእ ክሓውዩ ካብ ኣዋርሕ ክሳብ ክልተ ዓመት ክወስድ ከምዝኽእል ክኢላታት ይገልጹ።
ብልዕቲ ምስተቘረጸ ብቕልጡፍ መጥባሕቲ እንተ ተገይሩ፡ እቲ ብልዕቲ እውን ካብ 18 ክሳብ 24 ሰዓታት ኣብ ዝሑል መቐመጢ ወይ በረድ እንተጸኒሑ፡ ብዕዉት መጥባሕታዊ ናብ ንቡር ክምለስ ተኽእሎ ኣሎ።
ይዅን እምበር እቲ መጥባሕቲ ክፈሽል ዝገብሩ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣለዉ።
ከም ሞት ዋህዮታት ቆርበት፡ ምጽባብ ሻምብቆ ሽንቲ፡ ምዕጻው ሰራውር ደምን ዝኣመሰሉ ጸገማት ከጋጥሙ ይኽእሉ እዮም።