ኢትዮጵያ፡ ዝተቘርጸ ኢድ ዳግማይ ንምትካል ዝተገብረ ዕውት መስርሕ

ኣብ ኢትዮጵያ ብሓደጋ ምሉእ ብምሉእ ዝተቘርጸ ኢድ ዳግማይ ብዕውት መንገዲ ከምዝተተኸለ ተገሊጹ።

ኣብታ ሃገር ከምዚ ዝበለ ዕዉት መስርሕ ሕክምና ክፍጸም "ንመጀመርታ ግዜ" ክኸውን ከምዝኽእል ዳይረክተር ማእከል መብጣሕቲ ሳምራዊያን ዶክተር ኣንተነህ ካኽሉ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ቅልጽሙ ኣብ ማሽን ዕንጸይቲ እናሰርሐ እንከሎ ብዘጋጠሞ ሓደጋ እዩ ተቘሪጹ።

"ኣብ ቅልጽሙ ማለት ካብ ኩርናዕ ኢዱ ቅሩብ ልዕል ኢልካ እዩ ተቘሪጹ፣ በቃ ምሉእ ብምሉእ ኢዱ ተፈላልዩ እዩ መጺኡና" ይብል ዶክተር ኣንተነህ።

"ፈለማ እቲ ሓደጋ ዘጋጠሞ ተሓካሚ እዩ መጺኡ፣ ጸኒሑ ድማ እታ ዝተቘርጸት ኢዱ ኣብ በረድ ገይሮም ናባና ኣምጺኦማ።"

እታ ዝተቘርጸት ኢድ ኣብ በረድ ገይሮም እንተዘየምጽእዋ ነይሮም፡ እቲ መብጣሕቲ ናይ ምዕዋት ዕድሉ ትሑት ምዀነ ነይሩ።

"ብዙሕ ርግጸኛ እኳ እንተዘይኰንኩ በቲ ዘለኒ ሓበሬታ ግን ኣብ ሃገርና ንመጀምርያ ግዜ እዩ ከምዚ ዓይነት ዕውት ሕክምናዊ ኢንፕላንት ኦፐሬሽን ተኻይዱ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

"ናባና ድሕሪ ምምጽኡ ቀዳማይ ረዲኤት ተጌሩ፣ ብርቱዕ ምፍሳስ ደም ስለዝነበሮ ፈለማ እቲ ደም ኢና ጠጠው ኣቢልናዮ" ብምባል ኣብቲ መስርሕ ሕክምና ብዙሓት ሰብ ሞያ ከምዝተሳተፉ ሓቢሩ።

ድሕሪ እቲ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ናብ ሕክምናዊ ትካል ዝተወስደ እቲ መንእሰይ፡ ኢዱ ዳግማይ ንምትካል ዝተግበረ መስርሕ ኣዝዩ ከቢድን ዝተሓላለኸን ከምዝነበረ እውን ጠቒሱ።

ናይ ፕላስቲክ ሰርጀሪ ስፔሻሊስት፡ ናይ ዓጸሚ፡ ሰራውር ደምን መደንዘዚን ሓካይም ኣብቲ መስርሕ ተሳቲፎም እዮም።

"ብቀንዱ ግን እቲ መብጣሕቲ 4 ስፐሻሊስት ሓካይም እዮም ኣካይዶሞ። ናይ ዓጽሚ ሓኪም፡ ቫስኩላር ሰርጀና፡ ፕላስቲክ ሰርጀን፡ ናይ መደንዘዚ ስፐሻሊስት ብሓባር ትልሚ ኣውጺኦም" ይብል ዶክተር ኣንተነህ።

እቲ ኦፕሬሽን ኣብ ክልተ እብረ እዩ ተኻይዱ።

እቲ ቀዳማይ ከባቢ 6 ሰዓታት ወሲዱ። ድሕሪ ክልተ ሰሙን ድማ እቲ ካልኣይ መብጣሕቲ ተኸይዱ።

ዶክተር ኣንተነህ እቲ ካልኣይ መስርሕ እውን 6 ሰዓት ከምዝወሰደን ናይ መወዳእታ እዩ ኢሎም ከምዝኣምኑን ይዛረብ።

ኣብ እዋን መብጣሕቲ "ቀዳምነት ንዓጽምን ሰራውር ደምን ተዋሂቡ፣ እቲ ዝተቘርጸ መሓውር ንኸይመውት ድማ ሰራውር ደም ዳግማይ ክተኣሳሰር ተገይሩ። ሰራውር ደምን ዓጽምን ኣብ ቦታኦም ምስ ተመልሱ፡ እቶም መትኒታትን ልጋማትን ግዜ ክወሃቦምን እቲ መብጣሕቲ ብደረጃታት ክካየድን ወሲኖም" ኢሉ።

ዝተቘርጸ ዓጽሚ ዳግማይ ብምትካል ክሓዊ ምግባር ከምዝኽእል ዝገለጸ ዶክተር ኣንተነህ፡ እቲ ዝተቘርጸ ክፋል መግቢ ምእንቲ ክረክብ፡ ሰራውር ደም ዳግማይ ክተኣሳሰሩ ከምዘለዎም ገሊጹ።

"ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኢዱ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት እዩ ዘሎ። ይኵን እምበር ኣእዳዉ ንምንቅስቓስ ፊዝዮ ተራፒን ካልኦት ሕክምናዊ ክንክንን ከድልዮ እዩ።ንሕናውን ውጽኢታዊ መፈጸምታ እና ንጽበ።"

ዶክተር ኣንተነህ፡ ከም ምንቅስቓስ ዝኣመሰለ ፊዚዮቴራፒ (ሕክምና ተሃድሶ) ድሕሪ ምግባር፡ ኢድ እቲ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ጽቡቕ ምንቅስቓስ ክገብር ከምዝኽእል ይዛረብ።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ኣካላት ወዲ ሰብ ዝተኣልየ ክፍሊ ኣካላት ዳግማይ ብምትካልን ናብ ንቡር ምምላስ ዘጠቓልል ሕክምና ቅድሚ ሕጂ ከምዝተገብረ ዘመልክት ሓበሬታ የለን።

እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መስርሕ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተራእዩ ዓበይቲ ሕክምናዊ ቅያታት ሓደ እዩ ክበሃል ይኽእል።