እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ገንዘቡ ካብ ኤርትራ ክረክብ ይኽእል ዶ?
ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ 2.5 ሚልዮን ዶላር ኣብ ናይጀርያ ከኣ 80 ሚልዮን ዶላር ተታሒዝዎ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ገሊጸን ነይረን።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብ2018 ናብ ስልጣን መጺኡ ምስ ኤርትራ ዕርቀ ሰላም ድሕሪ ምእዋጁ’ዩ ነቲ ንኣስታት ዕስራ ዓመታት ኣቋሪጽዎ ዝነበረ ናይ ኤርትራ በረራ ዳግማይ ጀሚርዎ።
ኣብዚ ግዜ እዚ ከኣ እቲ መንገዲ ኣየር መዓልታዊ ናብ ኤርትራ ክልተ በረራታት ይገብር ኣሎ።
ዋና ፈጻሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ መስፍን ጣሰው ምስ ሪፖርተር ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት “ባጤራ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ክንጥቀምሉ ስለዘይንኽእል ናብ ዶላር ቀይሮም’ዮም ክህቡና ዝግባኦም፡ እንተዀነ ዶላር ከምዘይብሎም’ዮም ሓቢሮምና” ከምዝበለ እታ ጋዜጣ ጠቒሳ ኣላ።
ኣብ ናይጀርያ’ውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣስታት 80 ሚልዮን ዶላር ተታሒዝዎም ከምዘሎ’ዩ እቲ ሓላፊ ዝሕብር።
ኣቶ መስፍን ነዚ ጸገም’ዚ ንምፍታሕ ንኣያታ [IATA (International Air Transport Association)] ሓገዝ ክሓቱ ምዃኖም ሓቢሩ’ሎ።
ብኣንጻሩ፡ ዓለምለኻዊ ማሕበር መጓዓዝያ ኣየር (IATA)፡ ኣያታ፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንኻልኦት መንገዲ ኣየራት ክኸፍሎ ዝግባኦ ኣስታት 95 ሚልዮን ዶላር ዕዳ ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ኢትዮጵያ ምስ መጓዓዝያታት ኣየር ዘለዋ ምትእስሳር ኣብ ሓደጋ ንኸይወድቕ እቲ መንገዲ ኣየር ዘለዎ 95 ሚልዮን ዶላር ዕዳ ብቕልጡፍ ክኸፍል ጸዊዑ ኣሎ።
ገንዘብ ካብ ካልኦት መንገዲ ኣየራት ብእዋኑ ምፍናው ብዓለምለኻዊ ስምምዓት ዝተረጋገጸ ምዃኑ ዘዘኻኸረ እቲ ማሕበር፡ “ንዓለም ብመጓዓዝያ ኣየር ንምትእስሳር እዚ ስምምዕ ክኽበር ኣለዎ” ኢሉ።
ዋና ዳይሬክተር እቲ ማሕበር ዊሊ ዋልሽ፡ “መንግስቲ ኢትዮጵያን ማእከላይ ባንክን ንኢንዱስትሪ ኣቬሽን ዝወሓደ ዶላር ምምዳቦም እቲ 95 ሚልዮን ዶላር ካብ ሃገር ንኸይወጽእ ዝኽልክል እዩ” ክብል ኣፍሊጡ’ሎ።
ኣያታ፡ 19 ሚያዝያ 1945 ኣብ ሃቫና ኩባ ዝተመስረተ መተካእታ ናይቲ ኣብ 1919 ኣብ ሄግ ኔዘርላንድ ዝተመስረተ ዓለምለኻዊ ማሕበር በረራታት’ዩ።
እቲ ብ1945 ብኣስታት 57 ሃገራት ዝተመስረተ ማሕበር፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብ120 ሃገራት ዝውነና ኣስታት 300 መንገዲ ኣየራት ኣባላት ኣለዋኦ። ሓንቲ ካብአን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ’ያ።
መንገዲ ኣየራት ገንዘብን ብኸመይ ይእክባ?
ሓደ ሰብ ካብን ናብን ሓደ ቦታ ብኣየር ክገይሽ ኣብ ዝደልየሉ፡ ትኬት ንምግዛእ ሰለስተ ኣማራጺታት’ዩ ዘለዎ፤ ካብ ወኪል ጕዕዞ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት መንገዲ ኣየር ወይ ከኣ ትኬት ካብ ዝሸጣ መርበባት - ብ‘ኦንላይን’።
እዚ ዅሉ ምስ ኮነ እታ ነቲ ጕዕዞ እተፈጽም መንገዲ ኣየር፡ እቲ ገንዘብ ብኸመይ’ዩ ዝበጽሓ ዝብል ሕቶ ክልዓል ግድን’ዩ።
ኣብ ኤርትራ ካብ 2004-2009 ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፡ ካብ 2004-2006 ኣባል ቦርድ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፡ ካብ 2000 ክሳብ 2002 ላዕለዋይ ሓላፊ ትረዤሪ ከምኡ ከኣ ካብ 2003 ክሳብ 2006 ሓላፊ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ኤርትራ ኰይኑ ብዝልዓል ጽፍሒ ዘገልገለ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ብዛዕባ ሓበሬታ ንኽህብ ቢቢሲ ተወኪስዎ፤ ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጽ።
“ካብ ሓደ ሃገር መሸጣ ትኬት ናይ ምእካብ ሕቶ፡ ናይታ መንገዲ ኣየር ናይ ንግዲ ‘ሪስክ’ዩ’፡ መንግስቲ ውዕል ዝኣትውሉ ኣይኰነን” ድሕሪ ምባል፡ “ገንዘብካ ብኸመይ ትእክብ? ትኬትካ መን ይሸጠልካ? ክንደይ ኮምሽን ትኸፍል፡ ዝብል እቲ መንገዲ ኣየር ዝኣትዎ ስምምዕ’ዩ” ይብል።
ኣቶ ክብሮም፡ ሓንቲ መንገዲ ኣየር ናብ ሓደ ሃገር በረራ ክትጅምር ወይ በረራ ከተስፍሕ እንከላ እትገብሮ ስምምዕ፡ ግብሪ፡ ደመዎዝ ሰራሕተኛታትን ካልእ ወጻኢታትን ምስ ከፈለት፡ ጽሩይ መኽሰባ ብምንታይ’ያ ክትወስዶ ዝብል ከምዝዀነ ይጠቅስ።
“እተን ኣብ ካልእ ሃገር ብባጤራ እታ ሃገር [ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ብናቕፋ] ትኬት ክሸጣ ዝውስና ሃገራት ዘለወን ኣማራጺ ሓደ ካብ ነጻ ዕዳጋ ዶላር ምዕዳግ’ዩ፡ እቲ ካልኣይ ኣማራጺ ከኣ ኣብ ኤርትራ እንተወሲድና መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ወይ ምስ ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ ስምምዕ እንተገይራ፡ ‘ገንዘብና ምስ ተኣከበ ብዶላር ትህቡና’ ዝብል ክኸውን ይኽእል’ዩ” ይብል።
ኣተሓሒዙ ኣቶ ክብሮም፡ “ኣብ ኤርትራ እንተርኢናዮ፡ ዶላር ኣብ ነጻ ዕዳጋ ኣይርከብን’ዩ፣ ንግዳዊ ባንክን ሃገራዊ ባንክን’ውን ምስ ዘሎ ኵሉ ሕጽረታት ብዶላር ክንህበኩም ኢና ኢሎም ዝሰማምዑ ግን ኣይመስለንን” ይውስኽ።
ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን [2018] መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ በረራ ክጅምር እንከሎ፡ ምስቲ ዝነበረ ውዕዉዕ ስምዒት ፖለቲካዊ ድፍኢት ከምዝነበሮ ዝገልጽ ኣቶ ክብሮም፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሕጂ’ውን እቲ ክፍሊት ብፖለቲካዊ ዝርርብ ክፍትሓሎም እዮም ክጽበዩ ዝኽእሉ ኢሉ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ምጅማር እቲ በረራ፡ ‘ገንዘበይ ምእካብ ኣይከጸግመንን’ዩ’ ብምባል ጀሚራ ክትከውን ከምእትኽእል ግምቱ ዘቐምጥ ኣቶ ክብሮም፡ “መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ገንዘበይ ክእክብ ኣይክኣልኩን ኢላ ክትጠርዕ ኣይትኽእልን’ያ፣ ኣብ ምእካብ ባጤራ ወጻኢ ግጉይ ውሳነ ገይረ ጥራይ’ያ ክትብል ትኽእል፡ ምኽንያቱ እዚ ንግዲ’ዩ፡” ይብል።
ኣቶ ክብሮም ሓላፊ ትረዠሪ ኣብ ዝነበረሉ፡ ኣብ ኤርትራ ምስታ ካብ 1992 ጀሚራ ኣብ ሰሙን ሓሙሽተ ግዜ ናብ ኤርትራ በረራ ተካይድ ዝነበረት መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ’ውን ተመሳሳሊ ኵነታት ኣጋጢሙ ምንባሩ ብምግላጽ፡ “ክሳብ 1998 ኣብ ነጻ ዕጋዳ ዶላር ምርካብ ዘጸግም ኣይነበረን፤ ድሕሪ 1998 ምስ ምጅማር ኲናት ግን ኣብ ኤርትራ ሕጽረት ዶላር ስለዘጋጠመ፡ ኣብ ሕሳቦም [ናይ ሉፍታንዛ] ዝነበረ ናቕፋ ናብ ዶላር ቀይርኩም ሃቡና ይብሉ ነይሮም፡” ብምባል እቲ ዝተኣከበ ገንዘብ ብናቕፋ ሚልዮናት ከምዝነበረን ብምግላጽ “ኣይተፈትሐን’ውን” ይብል።
ሉፍታንዛ ምስ ኤምባሲ ጀርመን ብምዃን ክሳብ ዋላ ፍርቁ ብመንገዲ ሓገዝ ንኤርትራ ክንህባ ዝብል ሓሳብ ከይተረፈ ኣቕሪቦም ምንባሮምን፡ ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኤርትራን’ውን ረኺቡ ኣዘራሪብዎ ምንባሩን እውን ኣቶ ክብሮም ይዝክር።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በዚ ኣብ ኤርትራ ተታሒዙኒ ኣሎ ዝብሎ ሰልዲ ኣመኽንዩ ኣብ በረራታቱ ለውጥታት ክገብር ይኽእል’ዶ? ንዝብል ሕቶ ኣቶ ክብሮም “ብደረጃ ‘ኣየርላይን’ ለውጢ ክህሉ ኣይክእልን እዩ፤ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ይዅን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ክዅርዩ ይኽእሉ እዮም፡ ክንዮኡ ዝኸይድ ነገር ግን ክህሉ ኣይክእልን’ዩ” ይብል።
ኣቶ ክብሮም ሓላፊ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሓንቲ ነፋሪት ፍራንክፈርት በጺሓ ንኽትምለስ ካብ 120 ክሳብ 130 ሽሕ ዶላር ወጻኢታት ትገብር ከምዝነበረት ብምሕባር፡ እቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንኤርትራ ይእውዶ’የ ዝብሎ ዘሎ ገንዘብ ምስ ውህሉል ዓመታዊ እቶት እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ግምት ብምእታው ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑን ብዙሕ ዝፈጥሮ ጽልዋ ከምዘየብሉን ይእምት።
መንገዲ ኣየራት ከምዚ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵየ ኣጋጢምዋ ዘሎ ጸገም ከጋጥመን እንከሎ ብቐጥታ ኢዱ ዘእቱ ዓለምለኻዊ ማሕበር መጓዓዝያ ኣየር [ኣያታ] ከምዝዀነ’ዩ ኣቶ ክብሮም ዝገልጽ።
“ንበረራታትን ክፍሊታትን ኣብ ዝምልከት እቲ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ኣያታ’ዩ። ዝዀነት መንገዲ ኣየር ኣባል ኣያታ ክትከውን ስለእትግደድ፡ እዚ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣጋጢምዎ ዘሎ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ነቲ ኣብ ናይጀርያ ተታሒዙ ዘሎ ገንዘብ ኣመልኪቱ “ኣያታ” እዩ መግለጺ ኣውጺኡ”
ኣቶ ክብሮም ኣስዒቡ፡ “ዝያዳ ግን ኣያታ ኣብ መንጐ መንገድታት ኣየር ንዘሎ ምስሕሓብ ክፍሊት’ዩ ዝፈትሕ። ብዘይካኡ ናይ ክሊ ኣየር ትኸፍሎ ገንዘብ ኣሎ፣ ናይ ነዳዲን መዕርፊ ነፈርቲን ትኸፍሎ ኣሎ፣ እቲ ኵሉ ክኽፈል ዝግባኦ ተጸብጺቡ እታ ይከፈለኒ እትብል መንገዲ ኣየር ንኣያታ’ያ ትሕብር” ይብል።
ነዚ ዝያዳ ከነጽር እንከሎ ኣቶ ክብሮም፡ ኣብዚ ክፍሊት’ዚ ናይ መዓርፊ ነፈርቲ፡ ናይ ክሊ ኣየር፡ ከምኡ’ውን ሓደ ተጓዓዛይ ንኣብነት ኣብ ቤት ጽሕፈት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ትኬት ቈሪጹ ክሳብ ሓደ ከተማ ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ይኸይድ’ሞ እቲ ዝቕጽል ጕዕዞኡ ብኻልእ መንገዲ ኣየር እንተቐጺልዎ፡ እታ ጕዕዞኡ ዘቐጸለቶ መንገዲ ኣየር፡ ክፍሊታ ብመንገዲ ኣያታ ካብታ ፈላሚት መንገዲ ኣየር ከምእትቕበል የብርህ።
ኤርትራ፡ ብዛዕባ እዚ ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቀሪቡ ዘሎ መግለጺ ክሳብ ሕጂ ዝሃበቶ ምላሽ የለን።