እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራውያን ተጓዓዝቲ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘጋጥሞም ዘሎ እንታይ እዩ?
ኣብዚ ሰሙን፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ንዝሓዙ ተጉዓዝቲ 'ብኦንላይን ቼክ ኢን ከይገብሩ ኣጊዱ' ዝብሉ ሓበሬታታት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ክወጽኡ ቀኒዮም።
እቲ ጸገም ግን ኣብ ‘ሲስተም’ ዝተፈጥረ እዩ ክብል እቲ መገዲ ኣየር ንቢቢሲ ሓቢሩ።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ብዘጋጠሞ ቴክኒካዊ ጸገማት፡ ኤርትራውያን ተጉዓዝቲ ብመገዲ ኢንተርነት ኩነታት ጉዕዞ ከረጋግጹ [ቼክ ኢን] ከም ዘይክኣሉ'ዩ ኣፍሊጡ ዘሎ።
እቲ ጸገም ግዝያዊ ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ኤርትራውያን ተጉዓዝቲ፡ ብኦን ላይን ቼክ ንከይገብሩ ኣጊዱ፣ ፓስፖርት ኤርትራ’ውን ካብ ሲስተሙ ክወጽእ ገይሩ ዝብሉ ወረታት ምውጽኦም ልክዕ ኣይኰነን ኢሉ።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ እቲ ዝተፈጥረ ጸገም ምስቲ ዓለምለኸ ማሕበር መጓዓዝያ ኣየር [ኣይቲኤ] ዝጥቀመሉ ‘ቲማቲክ’ ዝተባህለ ስርዓት ዝተሓሓዝ ከም ዝዀነ ገሊጹ።
ኣይቲኤ ቲማቲክ፡ መገዲታት ኣየርን ወኪላት ጉዕዞን ኣብ ዝዓርፉሉን ዝሓልፉሉን መዓርፎ ነፈርቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ንተጉዓዝቲ ኣድላዪ ሰነድ ጉዕዞ ንምርግጋጽ ዝጥቀሙሉ ስርዓት’ዩ።
ካብዚ ዝቐረበ ሓበሬታ ዘይተማልአ ብምዃኑ፡ ኣብቲ ብመገዲ ኢንተርነት ዝግበር ቼክ ኢን ግዝያዊ ጸገም ተፈጢሩ ተባሂሉ።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝህቦም ኣገልግሎታት ዲጂታላውን ብኢንተርነት ዝተሓገዘን ክዀኑ ከም ዝገበረ ብምግላጽ፡ ኤርትራውያን ተጉዓዝቲ ካብ ካልኦት ተጉዓዝቲ ዝተፈለየ ኣገልግሎት ከም ዘይወሃቦም ሓቢሩ።
“ኩሎም ተጉዓዝቲ ኣብ ኢንተርነት ኣትዮም ቼክ ኢን ንክገብሩን ምቹእ ኩነታት ንክፍጠርን ንደሊ ኢና” ይብል።
ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ጸገም ንምፍታሕ ይስራሕ ምህላው ዘመልከተ እቲ መገዲ ኣየር፡ ኤርትራውያን ተጉዓዝቲ’ውን ኣብ ቀረባ ብኦንላይን ቼክ ኢን ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ኣብቲ ብኢሜይል ዝልኣዀ መብርሂ ገሊጹ።
ካልእ እቶም ተጉዓዝቲ ዘልዓሉዎ ጉዳይ፡ ኢሚግሬሽን ኢትዮጵያ ንኤርትራውያን ሓዊሱ ፓስፖርት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓዙ ተጉዓዝቲ "ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ በጽሑ ቪዛ ክወሃቦም’ዩ" እኳ እንተበለ፡ ንኤርትራውያን ግን ዘግለለ’ዩ ዝብል’ዩ።
እንተዀነ፡ እቲ መገዲ ኣየር ኤርትራውያን ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ክበጽሑ እንከለው ቪዛ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉን ኣቐዲሞም ቪዛ ምሕታት ከም ዘየድልዮምን ኣብሪሁ።
ወሰኽ ዋጋ ትኬት
ብኻልእ ወገን፡ ምስ ወሰኽ ዋጋ ቲኬት ብዝተሓሓዝ ዝቐርብ ጥርዓን እውን ኣሎ።
እቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ዝግበር ጉዕዞ ሓደ ሰዓትን 40 ደቒቕን ዝወስድ ኰይኑ፡ ዋጋ ትኬት ኣስታት ሓደ ሽሕ ዶላር በጺሑ ብዝብል መረረት ኣለዎም።
ብፍላይ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝነበረ ዋጋ ብምጥቃስ፡ "እቲ ሕጂ ዘሎ ዋጋ ተጋኒኑ’ዩ ዝበሉ" ይብሉ።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድሕሪ እቲ ለበዳ ኣብ ዋጋ ትኬት ወሰኽ ከም ዝተራእየ ሓቢሩ።
ይኹን’ምበር፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት [ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ] ዝነበረ ዋጋ ትኬትን ሕጂ ዘሎን ብዙሕ ኣፈላላይ የብሉን ዝበለ ኰይኑ፡ ኣብቲ ግዜ ንሓደ በረራ 279 ዶላር ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሩ።
እቲ መገዲ ኣየር፡ ንልዕሊ 75 ዓመታት ንኣፍሪቃውያን ናብ ሓደ ንምምጻእ ጻዕሪ ክገብር ከም ዝጸንሐ ብምግላጽ “ንኣፍሪቃውያን ወገናትና ንምብዝባዝ ዕላማ የብልናን” ኢሉ።