እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ ንኢራን ዳግማይ ክትወቕዓ ትዳሎ ኣላ ድያ?
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ነቶም ኣንጻር ኣብ ሃገሮም ዘሎ ስርዓት ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዝነበሩ ኢራናውያን፡ "ሓገዝ ኣብ መንገዲ ኣሎ፡" ክብል መልእኽቲ ሰዲዱ ነይሩ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ኣብቲ ዞባ ርኡይ ምጥንኻር ሓይልታት ኣመሪካ ይርአ ኣሎ።
ኣብ ዓለም ሓያል ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘለዋ ኣመሪካ፡ ንኢራን ክትወቕዓ ከም እትኽእል ድሮ ኣርእያ እያ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ዝተኻይደ 'ሚድናይት ሃመር' ዝተሰምየ ስርሒት ንንዩክለሳዊ ትካላት ኢራን ዒላማ ዝገበረ እዩ ነይሩ።
እቲ ስርሒት ልዕሊ 100 ነፈርቲ ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ጀታት ቢ-2 ካብ ኣመሪካ ብስቱር እናበረራ ነቲ "ባንከር-ባስተር" ዝበሃል ቦምባታት ኣብ ዒላማኡ የብጽሓ ነይረን።
ሕጂ ዘሎ ሕቶ፡ ኣመሪካ ንኢራን ክትሃርም ትዳሎ ኣላ ድያ ዝብል እዩ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ንኢራን ዳግማይ ክወቕዓ ከም ዝኽእል ዝሕብር ኰይኑ፡ ኢራን ንዩክለሳዊ መደባ ንምድራት እንተ ዘይተሰማሚዓ፡ "እቲ ዝስዕብ መጥቃዕቲ እምብዛ ዝኸፍአ ክኸውን እዩ፡" ክብል ኣጠንቂቑ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ "ዓባይ ኣርማዳ" ናብ ኢራን ትኸይድ ከም ዘላን ከምቲ ኣመሪካ ኣብ ቬነዝወላ ንኒኮላስ ማዱሮ ዝሓዘትሉ መንገዲ - "ኣድላዪ እንተዀይኑ ድማ ብስሉጥን ሓይልን ክትፍጽም ድልውቲ፡" ምዃናን ገሊጹ።
ኢራን ናብ መኣዲ ዘተ ክትመጽእ ብምጽዋዕ፡ ግዜ ግና "ይውዳእ" ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ።
ኣመሪካ ድሮ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ርኡይ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣለዋ - ክሳብ 50,000 ዝበጽሑ ወተሃደራት ኣብቲ ዞባ ይርከቡ።
ካብዚኦም እቶም ኣስታት 10,000 ኣብ ቐጠር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ኣል-ዑደይድ ዝርከቡ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብ ዮርዳኖስ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ዖማን፡ ባሕሬንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን እውን መደበራት ኣለዋ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት፡ ብርክት ዝበላ ነፈርቲ ኣመሪካ ናብቲ ዞባ ከም ዝኣተዋ ስለያዊ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ትማሊ ሰንበት ኣብ መደበር ሓይሊ ኣየር ኣል-ዑደይድ - ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝዓበየ መዓስከር ኣመሪካ - ዝተሳእለ ኣሳእል፡ ኣብ ወሰናስኑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ብርክት ዝበሉ ሓደስቲ ልዕለ-ቕርጺታት ከም ዝተራእዩ ይሕብሩ።
ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ንዩክለሳዊ መደበራት ኢራን ድሕሪ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ቴህራን ናብ ኣል-ዑደይድ ሚሳይላት ከም ዝወንጨፈት ይፍለጥ። ሕጂ ድማ፡ ኣብኡ ሓደስቲ ጸረ-ኣየር መከላኸሊታት ዝትከሉ ዘለዉ ይመስሉ ክብሉ እቶም ናይ ሳተላይት ምስልታት ዝተመልከቱ ክኢላታት ይገልጹ።
ፔንታጎን ዝርዝር ናይቶም ምንቅስቓሳት ኣይሃበን። ቢቢሲ ቨሪፋይ ግን ምምጻእ ኤፍ-15 ነፈርቲ ውግእን ነዳዲ ዝመልኣ ታንከራትን ክከታተል ክኢሉ።
ድሮናትን ናይ ስለያ ነፈርቲ ፒ-8 ፖሰይዶንን ኣብ ጥቓ ክሊ ኣየር ኢራን ክበራ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምክትታል ፍላይትራዳር24 ተራእየን እየን።
ከምኡ'ውን ምምጻእ ንመጓዓዝያ ዘገልግላ ነፈርቲ'ውን ተራእየን ኣለዋ፣ ገሊአን ድማ ዝያዳ ስርዓተ ምክልኻል ኣየር ዝሓዛ ምዃነን ይእመን።
እዚ ድማ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ክፍጸም እንተ ኣዚዙ፡ ኣመሪካ ንነብሳን መሻርኽታ ወሽመጥ ዓረብን ካብቲ ክመጽእ ዝኽእል ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲታት ንምክልኻል ስጕምትታት ትወስድ ከም ዘላ ዘመልክት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ብሪጣንያ'ውን "ዞባዊ ጸጥታ ንምዕባይ" ጀታት ናብቲ ከባቢ ልኢኻ ኣላ።
ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ዓቢይ ወተሃደራዊ ልምምድ የካይድ ከም ዘሎ'ውን ኣፍሊጡ እዩ።
መራኽብ ዝከታተልን ዝረኸቦ ሓበሬታ ብኢንተርነት ዘካፍልን ስቴፋን ዋትኪንስ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናይ ቅድመ-መጠንቀቕታን ስለያን ነፈርቲ ኣመሪካ ከም ዝተኸታተለ ገሊጹ። ኣብ እዋን ስርሒት ሚድናይት ሃመር RC-135s, E-11A BACN, E-3G Sentry ዝርከብአን ነፍርቲ ናብቲ ዞባ መጺአን ምንባረን ወሲኹ ይሕብር።
እዚ ኵነታት፡ መጥቃዕትታት ይመጽእ ከም ዘሎ ዝሕብር ምዃኑ ገሊጹ። መጥቃዕቲ ዘካይዳ ነፍርቲ እትስከም መርከብ ናብቲ ዞባ ምምጽኣ'ውን ካልእ ምልክት እዩ።
ኣብ ከባቢ ኢንዶ-ፓስፊክ ዝነበረት መርከብ ዩኤስኤስ ኣብርሃም ሊንከን ተገልቢጣ ናብ ወሽመጥ ዓረብ ክትከይድ ተኣዚዛ ኣላ።
እታ መርከብ ኣበይ ከም ዘላ ንልዕሊ ሰሙን ንህዝቢ ኣይተሓበረን። ብሰኑይ ካብ ወሽመጥ ዓረብ ወጺኣ ኣብ ዖማን ከም ዝተራእየት ብምግላጹ፡ ኣብ ከባቢ ዖማን ክትህሉ ከም እትኽእል ይሕበር።
እዘን መጥቃዕቲ ንዘካይዳ ነፍርቲ ዝስከማ መራኽብ ምልክት ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ኰይነን፡ ኣስታት 70 ነፍርቲ ናይ ምስካም ዓቕሚ ኣለወን።
ዶናልድ ትራምፕ፡ "ደርማስ ፍሎቲላ ናብቲ ዞባ ትኸይድ ኣላ፣ እንታይ ከም ዝስዕብ ድማ ክንርኢ ኢና፡" ክብል ተዛሪቡ።
ዒላማ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ክዀኑ ዝኽእሉ ቦታታት
ማቲው ሳቪል፡ እቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ሓይሊ ኣመሪካ ብዘይካ እቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣዕሚቑ ዝተቐብረ ነፈርቲ ቢ-2 ዘድልዮ መሳለጥያታት ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኢራን ክወቅዕ ከም ዝኽእል ይዛረብ።
ስለዚ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ እንተ ኣዚዙ ኣመሪካ ኣበየናይ ዒላማ ክትገብር ትኽእል?
ኣብ ፖሊሲ ኢራን ንመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝሰርሐ ሳቪል፡ ኣመሪካ ሓያሎ ኣማራጺታት ከም ዘለዋ ይዛረብ።
ቀዳማይ፡ ንወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን - ከም ባሊስቲክ ሚሳይላት ወይ'ውን ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከብ ቦታታት ሚሳይል - ዒላማ ክገብሩ ይኽእሉ። ዋላ'ውን ንዅሉ ኣይህረሙዎ፡ ኢራን መልሲ ክትህብ ከጸግማ ይኽእል'ዩ።
ኢራን ሚሳይላትን ነዊሕ ርሕቀት ዝጓዓዝ ድሮናትን ኣለዋ። እዚ ድማ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ንዝርከባ መሓዙት ኣመሪካ ስግኣት የሕድረለን። ገለ ሃገራት ካብአን፡ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ከም ዘይድግፋ ድሮ ገሊጸን ኣለዋ።
ዋላ'ኳ ምእላይ መራሕቲ ኢራን ኣዝዩ ከቢድን ሓደገኛን እንተዀነ፡ ንመራሕቲ ፈሊኻ ምህራም ካልእ ኣማራጺ ክኸውን ይኽእል እዩ።
እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ን12 መዓልታት ኣብ ዘካየደቶ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት መራሕቲ ኢራናውያን መጥቃዕቲ ፈጺማ። ብድሕሪኡ ኢራን ጸጥታኣ ኣሐዪላን መሪሕነታ ዘጊሓን ክትከውን ትኽእል እያ።
ሳቪል፡ ኣመሪካ "ምናልባት ንዓበይቲ ውልቀሰባት ረኺባ ክትቀትል ትኽእል'ያ፣ እንተዀነ፡ እቲ ሓፈሻዊ ሳዕቤን እንታይ ከም ዝኸውን ንጹር ኣይኰነን።"
"እዚ ዘሎ ስርዓት ኣኽቲሙ ክንርኢ ንኽእል ኢና፣ ይዅን'ምበር ኣዋርሕ ወይ ዓመታት ክወስድ ይኽእል'ዩ፡" ክብል ይውስኽ።