ብሪጣንያን ቻይናን - ትራምፕ ዘይተሓጐሰሉ 'መቐይሮ' ዝተባህለ ጕዕዞን ስምምዕን

ቻይና ብሪጣንያውያን በጻሕቲ ብዘይ ቪዛ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ከምዝተሰማምዐት ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ዴሳዊት ቻይና ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ምስ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒን ድሕሪ ዘካየዶ ልዝብ እቲ ስምምዕ ቪዛ ከምዝተበጽሐ ቤትጽሕፈቱ (10 ዳውኒን ስትሪት) ሓቢሩ።

ኣብ መንጎ ለንደንን በይጂንን ዝጅመር ዘሎ ርክብ ዘይተለምደን ሓድሽ ተርእዮን ኰይኑ፡ ኣብ ርክባት እቶም መራሕቲ፡ ሓድሽ ቃናን ምዉቕ ኣቀባብላን ተገይሩ።

ገዛኢ ሰልፊ ዕዮ ብሪጣንያ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝምድናታት ናይ ምዕማቚ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ታሪኻዊ ተበግሶ ብምውሳዱ ፕረዚደንት ሺ ንኢዱ።

ስታርመር ብወገኑ፡ ዝምድና ዓባይ ብሪጣንያን ቻይናን ኣብ "ጽቡቕን ድልዱልን ኵነታት" ከምዘሎ ተዛሪቡ።

እቲ ቻይናዊ መራሒ፡ ብዛዕባ "ዕግርግር ዝመልኦን ዘይተገማትን ዘበን" ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ብፍላይ ካብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝረአዩ ዘለዉ ድሌታትን ምፍርራሕን ጠቒሱ።

ኣብ ዝምድና ቻይናን ዓባይ ብሪጣንያን "ዓቐብን ቍልቍልን" ከምዝተራእየ ዘይሓብአ ሺ ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ርክብ ምሕዳሱ "ዘይተርፍ" ምዃኑ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

እዚ ዑደትን ስምምዕን እዚ ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ቻይና "ስትራተጂካዊ ሽርክነት" ብምፍራማ ኣብ ልዕሊ ካናዳ 100% ቀረጽ ከስገድድ ኣብ ዘፈራርሓሉን ንግዳዊ ወጥሪ ኣብ ዝለዓለሉ ዘሎ እዋን'ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ትራምፕ ብዛዕባ ውዕላት ብሪጣንያን ቻይናን ኣመልኪቱ፡ "ሓደገኛ" መንገዲ ምዃኑ ንብሪጣንያ ከጠንቀቕ'ኳ እንተተሰምዐ፡ መንግስቲ ግን "ትራምፕ ብዛዕባ መገሻ ስታርመር ኣፍልጦ ከምዘለዎን፣ ዘድሊ ምምኽኻር ከምዝተገብረን፡" ኣመልኪቱ።

እዚ ኰይኑ 'ምበኣር፡ ካብቶም ተበጺሖም ዘለዉ ሓደስቲ ስምምዓት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፤

ቪዛ

ፓስፖርት ብሪጣንያ ዘለዎም በጻሕቲ ን30 መዓልታት ብዘይ ቪዛ ናብ ቻይና ክኣትዉ። መዓስ ከምዝጅምር ብንጹር'ኳ እንተዘይተፈልጠ "ኣብ ዝቐልጠፈ" ክትግበር ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ። እቲ ስጕምቲ ንኣማኢት ኣሽሓት በጻሕቲ ጽቡቕ ብስራት ክኸውን ትጽቢት ይግበር። ኣብ 2024 ጥራይ ልዕሊ 600 ሽሕ ብሪጣንያውያን ናብ ቻይና ከምዝበጽሑ ይግለጽ።

ምስዚ ተተሓሒዙ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ እቲ ስምምዕ ቪዛ ነታ ሃገር ምስ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያ፡ ኣውስትራልያን ጃፓንን ካልኦት 50 ሃገራት ከምዝሰርዓ ገሊጹ።

ሰር ስታርመር፡ እዚ ስጕምቲ ኣብ ቻይና ትካላት ንግዲ ንምስፋሕ ዝቐለለ ዝገብር ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብ ግዜ በዓላት'ውን ሰባት ብዘይ ቪዛ ክገሹ ከምዝኽእሉ ገሊጹ።

ቻይና "ሓንቲ ካብተን ቍጠባዊ ሓያላት ሃገራት ዓለም ብምዃና፡ ትካላት ንግዲ ብሪጣንያ ኣብ ቻይና ኣሰር ዘንብራሉ መንገዲ ክሓታ ጸኒሐን እየን" ኢሉ።

ንግዲን ወፍሪን

ኣብ ንግዲ፡ ወፍርን ቴክኖሎጅን ንኽልቲአን ሃገራት ዘርብሕ ዝለዓለ ምትሕብባር ክግበር ድሕሪ ምስምምዖም፡ እቲ ብሓሙስ ዝተገብረ ወሳኒ ምምዕርራይ ዝምድና ዓቢይ ሞገስ ረኺቡ'ሎ።

መንግስቲ ዓባይ፡ ኣብ ቻይና ንግዲ ንዝገብራ ትካላት ዓባይ ብሪጣንያ ንጹርን ሕጋውን ቀያዲ ሕግታት ዘቐምጥ ስምምዕ ኣገልግሎት ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ክኣትዋ ድየን ኣይኣትዋን ንምድህሳስ እውን ተሰማሚዐን ምህላወን ገሊጹ'ሎ።

ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ፋይናንስ፡ ክንክን ጥዕናን ኣገልግሎት ሕጊን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ናብ ቻይና እትልእኽ ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ሃገር ኰይና፡ ጠለባት ናይዚ ኣገልግሎታት ድማ እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ ገሊጻ'ላ።

ከም መርኣያ ናይዚ ድማ ንሞያዊ ብቕዓት ብሪጣንያ ኣፍልጦ ንምሃብ ዘኽእል ስምምዕ ኣብ ትካላት ቻይና ከምዝኸፍት ገሊጻ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኩባንያ መድሃኒት ኣስትራዘኒካ ክሳብ 2030 ኣብ ቻይና 15 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ብምግባር ሓደስቲ ቦታታት መፍረ ብምቛምን ኣብታ ሃገር ዕማሙ ከስፍሕ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

ቀረጽ

ምስዚ ተተሓሒዙ መንግስቲ ብሪጣንያ ቍጠባኡ ንምሕዋይ ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ፡ ምስ በይጂን ዝያዳ ንግዳዊ ርክብ ክገብር፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ናብ ቻይና ዝኣቱ ዊስኪ ብሪጣንያ ዝኽፈል ግብሪ ካብ 10% ናብ 5% ክንኪ እውን ስምምዕ ተገይሩ።

ብሰንኪ ዘይተገማትነትን በይናዊ ውሳነታትን ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ከቢድ ስንባደ ኣትዮምሉ ኣብ ዘለዉ እዋን፡ ስታርመር ናብ ቻይና ገጾም ካብ ዝጥምቱ ዘለዉ መራሕቲ ኰይኑ፡ ኣብኡ ድማ "ዝያዳ ዝተራቐቐ ዝምድና" ምስ ዝተመሓየሸ ተበጻሕነት ዕዳጋ፡ ዝተሓተ ቀረጽን ውዕላት ወፍርን ክህሉ ጸዊዑ።

ምዕጋት ዋሕዚ ስደተኛታት መትረብ

ብመሰረት እቲ ብሓሙስ ዝተኸተመ ስምምዕ ክልቲአን ሃገራት ኣኽበርቲ ሕጊ ዓባይ ብሪጣንያን ቻይናን፡ እተን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንመትረብ እንግሊዝ ክሰግሩ ዝጥቀሙለን ስርሓት ቻይና ዝዀነ መራኽብ መሸጣአን ደው ክብል ተሰማሚዖም።

ብሪጣንያ ነቲ ካብ ፈረንሳ ብመንገዲ መትረብ እንግሊዝ ኣቢልካ ዝግበር ዋሕዚ ዘይጋውያን ስደተኛታት ንምዕጋት ዝተፈላለየ ጻዕሪታትን ፈተነታትን ክትገብር ከም ዝጸንሓት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሕጂ ድማ እተን ኣሰጋገርቲ ዝጥቀሙለን ንኣሽቱ ጀላቡ ካብ ካብቲ ዝስርሓሉ ቻይና ደው ብምባል ነቲ ዋሕዚ ሓጋዚ ዕግታ ክኸውን ይኽእል እዩ ካብ ዝብል መረዳእታ፡ ምስ ቻይና ኣብ ስምምዕ በጺሓ'ላ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 60% ካብቶም ኣሰጋገርቲ ዝጥቀሙሉ ጀላቡ ስርሓት ቻይና ምዃነን ድማ ይፍለጥ።

ምስኡ ተተሓሒዙ ብኻልእ ሸነኽ ቻይና ዘለዋ መዝገብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጉዳይ እዚ ስምምዕ ቀንዲ ዝለዓል ዘሎ ጉዳይ ኰይኑ'ሎ።

ቻይና ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዞባ ዚንጂያንግ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ህዝቢታት ኡይጉርን ካልኦት መብዛሕቶም ኣስላም ዝዀኑ ብሄራትን በትፍጾም ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ብኸቢድ ትኽሰስ ኰይና፡ ምስ ከምዚ ዝበለ መዝገብ ዘለዋ ሃገር ዝዕረ ዘሎ ዝምድና ሓደ ምዕራባዊ መራሒ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፊታትን እታ ሃገር ነቐፌታታት ይወርዶ ኣሎ።